menu

ህዝባዊ ሰሚናር ው.ሓ.ኤ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ


ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ሃገራዊ ቓልሲ: ውሽጣዊ ሓድነቱ ብስጡም: ምውህሃድ ወዲኑ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ውድቤኡ ብምስፋሕን ምሕያልን ናብ ህዝባዊ ውፍሪ ኣንቂዱ ኣሎ። ህሉው ሃገርና ኤርትራ ዋላ ‘ኳ ካብ ስርዓት ህግደፍ ምንም ንጽበዮ እንተዘይሃለወ: ካብ መላእ ደላዪ ፍትሒ ህዝብና ግን ሓድነቱ ዓቂቡ ህዝባዊን ሃገራዊን ድሕነቱ ከራጋግጽ ዝነበሮ እዩ። እንተኾነ ኩሉ ከም ትደልዮ ዘይኮነ ከምቲ ኹነታትና ኮይንዎ ዘሎ ብምርኣይ እንኮ ዘሎና ኣማራጺ ኣብ ሓድነት ዝተመርኮሰ ራኢ ዘለዎ ቓልሲ ምክያድ እዩ። እንበኣር ህዝብና ህሉው ኩነታቱ ይኹን ዝጽበዮ ዘሎ መድረኽ ተገንዚቡ ተወዲቡ ዝቃላሰሉ ኣብ ፖሎቲካዊ ተሳትፍኡ ኸኣ ብፍላይ ዕቱብ ምክትታል ክገብር ይጽንሓለይ ዘይብሃሎ ዕዮ‘ዩ ዝጽበዮ ዘሎ። 


ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ: እዚ ብምግንዛብ ምስ ላዕለዎት መርሓቱ ህዝባዊ ኣኼባ ጠሊቡ ይርከብ። ህዝባዊ ሰሚናር ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ  ንዕለት 18/ሕዳር/2023 ሰዓት: 6:00 pm newyork time ኣጀንዳ፡- ህሉው ምዕባሌታት ፖሎቲካዊ ሃውሁው ሃገርና: ከምኡ ውን ኩነታት ኣተሃሃልዋ ደንበ ፍትሒ

ዘጣቓለለ ሰፊሕ ዘተ ክህሉ እዩ።

ነዚ መደብ ዝመርሑን ዘካይዱን

ኣቦ መንበር ውድብ ብጻይ ተስፋይ ኣለም

ሓላፊ ክፍሊ ምርምርን ስነዳን ብጻይ ወልዱ ነጋሲ

ኣቦ መንበር ባይቶ ብጻይ ዶክተር ተሸመ ክኾኑ እዮም።

ኩሉ ህዝቢ ብፍላይ ሰሜን ኣሜሪካ ተሳታፊ ክኸውን ብኽብሪ ንዕድም።

ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ዞባ ሰሜን ኣመሪካ

ክብርና ክምለስ ሓቢርናንቃለስ!!

Comments


Hi! We warmly welcome your valuable opinions in the comment section below! Login

እዋናዊ ጽሑፋት


መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ብፈስቲቫል ዝተመኽነየ ናይ ባእስን Read more

schedule July 19 2023

24 ጉንበት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ታሪኽ ዘንጸፈት ዕለት ኢያ። Read more

schedule July 20 2023

(OEU) statement on the Current Armed Conflict goin Read more

schedule July 20 2023

ጋዜጣዊ መግለጺ ማእከላይ ባይቶ ው.ሓ.ኤ Read more

schedule July 20 2023

ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ!! Read more

schedule July 21 2023

መግለጺ ❼ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more

schedule August 29 2023