ህዝባዊ ሰሚናር ው.ሓ.ኤ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ
ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ሃገራዊ ቓልሲ: ውሽጣዊ ሓድነቱ ብስጡም: ምውህሃድ ወዲኑ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ውድቤኡ ብምስፋሕን ምሕያልን ናብ ህዝባዊ ውፍሪ ኣንቂዱ ኣሎ። ህሉው ሃገርና ኤርትራ ዋላ ‘ኳ ካብ ስርዓት ህግደፍ ምንም ንጽበዮ እንተዘይሃለወ: ካብ መላእ ደላዪ ፍትሒ ህዝብና ግን ሓድነቱ ዓቂቡ ህዝባዊን ሃገራዊን ድሕነቱ ከራጋግጽ ዝነበሮ እዩ። እንተኾነ ኩሉ ከም ትደልዮ ዘይኮነ ከምቲ ኹነታትና ኮይንዎ ዘሎ ብምርኣይ እንኮ ዘሎና ኣማራጺ ኣብ ሓድነት ዝተመርኮሰ ራኢ ዘለዎ ቓልሲ ምክያድ እዩ። እንበኣር ህዝብና ህሉው ኩነታቱ ይኹን ዝጽበዮ ዘሎ መድረኽ ተገንዚቡ ተወዲቡ ዝቃላሰሉ ኣብ ፖሎቲካዊ ተሳትፍኡ ኸኣ ብፍላይ ዕቱብ ምክትታል ክገብር ይጽንሓለይ ዘይብሃሎ ዕዮ‘ዩ ዝጽበዮ ዘሎ።
ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ: እዚ ብምግንዛብ ምስ ላዕለዎት መርሓቱ ህዝባዊ ኣኼባ ጠሊቡ ይርከብ። ህዝባዊ ሰሚናር ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ንዕለት 18/ሕዳር/2023 ሰዓት: 6:00 pm newyork time ኣጀንዳ፡- ህሉው ምዕባሌታት ፖሎቲካዊ ሃውሁው ሃገርና: ከምኡ ውን ኩነታት ኣተሃሃልዋ ደንበ ፍትሒ
ዘጣቓለለ ሰፊሕ ዘተ ክህሉ እዩ።
ነዚ መደብ ዝመርሑን ዘካይዱን
ኣቦ መንበር ውድብ ብጻይ ተስፋይ ኣለም
ሓላፊ ክፍሊ ምርምርን ስነዳን ብጻይ ወልዱ ነጋሲ
ኣቦ መንበር ባይቶ ብጻይ ዶክተር ተሸመ ክኾኑ እዮም።
ኩሉ ህዝቢ ብፍላይ ሰሜን ኣሜሪካ ተሳታፊ ክኸውን ብኽብሪ ንዕድም።
ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ዞባ ሰሜን ኣመሪካ
ክብርና ክምለስ ሓቢርናንቃለስ!!
Comments
እዋናዊ ጽሑፋት
.jpg)
መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ብፈስቲቫል ዝተመኽነየ ናይ ባእስን Read more
schedule July 19 2023
.jpg)
24 ጉንበት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ታሪኽ ዘንጸፈት ዕለት ኢያ። Read more
schedule July 20 2023
.png)
(OEU) statement on the Current Armed Conflict goin Read more
schedule July 20 2023

ጋዜጣዊ መግለጺ ማእከላይ ባይቶ ው.ሓ.ኤ Read more
schedule July 20 2023
.png)
ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ!! Read more
schedule July 21 2023
.png)
መግለጺ ❼ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more
schedule August 29 2023
Hi! We warmly welcome your valuable opinions in the comment section below! Login