menu

እዋናዊ ዜናታት መለይ


ኣብ ኤርትራ ኣብ እዋን ቆውዒ ዝወቕዕ ዘሎ ዝናብ ኣብ ዘራእቲ ከምቢድ ዕንወት የውርድ ከምዘሎ ዝበጽሓና ሓበሬታ ይገልጽ። እቲ ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ሃገርና ዝወቅዕ ዘሎ ዝናብ ኣብ እዋን ዓጺድ ብምኳኑ ከም ጣፍ ዳጉሻን መሸላን ካልኦት ዘራእትን ከቢድ ዕንወት የውርድ ምህላዉ ተፈሊጡ። ሓሮስቶት ሃገርና በቲ ዝወረደ ከቢድ ዝናብ ዘራእቶም ሪኦም ክምዝሳኣንዎ ክዛረቡ እንከለዉ ዋሃብቲ ርኢቶ፡ ጸገም ኣብ ልዕሊ ጸገም ተደራሪቡ ብመርየትን ብሰማይን ይቕረ ዘይባሃሉ ዕንወት ይወርዶም ምህላዉ ብሓዘን ይገልጹ። እቲ ብተደጋጋሚ ዝሃረመ ዝናብ ሓረስቶም እክልን ንእንስሳታት ዝኾኖም ሳዕሪ ከይኣከብዎ ኣብ መግሃጫ ምብስባስ ኣኸቲሉ ብምህላዉ ኣብ ዝቕጽል ሕጽረት ከምዘጋጥም ከምዝኽእል ብትካዘ ይገልጹ።



ኣብ መዝባ ወረዳ ሰንዓፈ ብምድግጋፍ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ህዝቢ ልዕሊ 30 ክፍልታት ዝሓዘ ሆስፒታል ይስራሕ ምህላዉ ተፈሊጡ። ነበርቲ ንኡሳን ወረዳታት ዓድጉልትን እንዳዳሽምን ወረዳ ሰንዓፈ፣ ብዘቕረብዎ ሆስፒታል ናይ ምስራሕ መደብ፡ ኣብ ዲያስፖራ ዝርከብ ደላዪ ፍትሒን ተወላዲ ናይ’ዘን ንኡሳን ወረዳታት ብዘርኣዮ ሰናይ ድልውነት ገንዘባዊ ሓገዝ ከተኣኻኸብ ጸኒሑ። ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና’ውን ብግዲኡ ዘለዋኦ ጥሪትን ንዋትን ብምውፋይ ድሉው እኳ እንተገበሮ ፣ ብሰንኪ ስርዓት ኢሰያስ ኣብተን ዓድታት ዝኣኸለ ክሰርሕ ዝኽእል ዓቕሚ ኣዳም ብዘይ ምህላው ተደናጉዩ ጸኒሑ። ብሰንኪ ጽንተት መንእሰያት ዓያይ ጉልበት ዝሳኣነ ህዝቢ መዝባ፡ ህንጸት ሆስፒታል ደው ኣቢልዎ ድሕሪ ምጽና ሕጂ ብምትሕብባር ክፍለተ ሰራዊት 17 ይሃንጾ ከምዘሎ ተገሊጹ። እዚ ዝስራሕ ዘሎ ህንጻ ነቲ ማእከል ሕክምና ኮነ ኣምቡላንስ ዘይነበሮ ህዝቢ ተስፋ ዝፈጥር እኳ እንተኾነ ብዘይ ሓካይምን እኹል መድሃኒትን ህንጻ ብምስራሕ ጥራይ ዝቃለል ጥዕናዊ ሽግር ከምዘየለ ዝስዕብ ከቢድ ብድሆ እዩ። መዝባ ቅድሚ 100 ዓመት ብካተሊካውያ ማሕበራት ዝተደኮነት ኮይና ፣ ብዘመን ጥልያን ብዝነበሩ ባድረታትን ደናግልን ንህዝቢ እቲ ከባቢ ናይ ጥዕናን ትምህርትን ኣገልግሎት ትህብ ነይራ። ኤርትራ ሃገርና ኣብ ትሕቲ ሃጼያዊ ስርዓት ሃይለስላሰን ንዕኡ ሲዒቡ ዝመጸ ስርዓት ደርግን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ምስ ወደቀት ኩሉ ኣገልግሎታት ተቓሪጹ ዓንያ ኢያ ጸኒሓ። እቲ ዘሕዝን ግን እቲ ኣብ ከርሲ ኤርትራ ዝቦቖለ ስርዓት ህግደፍ ብዝኸፍአ መልክዑ ከም ኣብ ኩሉ ኤርትራ ዘዝተወልደ እና ሃደነ ብምጽናቱ፣ ዓድታት ከባቢ መዝባ ሎሚ ዕጫ ኩለን ዓድታት ኤርትራ በጺሑወን ማይ ካብ ሩባ ዘምጽ’ኡ ቆልዑ’ውን ዘይብለን ተሪፈን ኣለዋ። ስርዓት ኢሰያስ ከዕኑን ከም ድርሆ ንመንእሰያትና ኣብ ኩናት ክጠብስን እምበር ክሃንጽ ሽውሃት ዘይብሉ ምኻኑ ንኹሉ ህዝቢ ርዱእ ኢዩ። እንተኾነ እቲ ዘይሕለል ህዝብና ተስፋኡ ከይጸንቀቐ ህንጸትን ምዕባለን ብምምዕዳው ተበግሶ ይወስድ ኣሎ። እዚ ክውን ክኸውንን መንእሰያት ደቁ ዓዶም ተመሊሶም ክሃንጹን ኣብ ምእላይ ስርዓት ህግደፍ እጃሙ ከበርክት ንጽውዕ።

ብቀንዱ ድማ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብ ዘለኻዮ ናይ ኲናትን ባርነትን ክትወጽእ ገና'ውን ቁስልኻ ከይሓወየ እቶም ምእንትኦም ኢልካ ሂወትካ ዝገበርካ ሰራዊት ማእከል ሃገር ኢትዮጵያ ብምስምስ ባሕሪ 120 ሚልዮንና እና እናበሉ ክወሩ ዘወጣውጡ ዘለው ተዳልዩልካ ዘሎ መጋርያ ምስ ህዝብኻ ኮንካ ንምብዳህ፡ ቅድም ቀዳድም ነዚ ጠንቂ ኩሉ እከይ ዝኾነ ስርዓት ኢሰያስ ከምቲ ኣብ ህንጸት ብሓባር እንወፍሮ ዘለና ንምእላዩ ስርዓት ህግደፍ ኢድን ጓንትን ኮና ክንቃለስ ንጽውዕ።



ሰራዊት እስራኤል ንጋዛ ብመሬት፡ ባሕርን ኣየርን ኣብ ፍጹም ከበባ የእትዩ ከምዘሎ፡ ወሃቢ ቃል ሰራዊት እስራኤል ብርጋዴር ጀነራል ዳኒኤል ሃጋሪ ኣፍሊጡ። ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ከበባ ከተማ ጋዛ ከምዝዛዘመን ትሕተ ቅርጺ ሓማስ የጥቅዕ ከምዘሎን ገሊጹ። ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣሜሪካ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ተራኺቡ ኣብ ጋዛ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝበጽሕ ጉድኣት ንምንካይ ጭቡጥ ስጉምትታት ክወስድ ደጊሙ ኣተሓሳሲቡ። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣሜሪካ ንእስራኤል ዘለዋ ደገፍ ደጊሞም እኳ እንተገለጸ ሓማስ ኣብ ዝሰርሖ መስቀላዊ ተኹሲ ዝተታሕዙ ሲቪላት ንምክልኻል ኩሉ ክግበር ኣለዎ ይብል። 28 ማዓልታት ኣቕጺሩ ዘሎ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 9,000 ፍሊስጠማውያን ብደብዳብ እስራኤል ከምዝመቱ ምኒስትሪ ጥዕና ጋዛ ኣፍሊጡ። እስራኤል ናብ ምድረበዳ ጋዛ ካብ ትኣቱ 23 ወትሃደራታ ተቐቲሎም። 7 ጥምቲ ዝጀመረ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ብጠቕላላ ክሳብ ሕጂ 338 ወትሃደራት እስራኤል ተቐቲሎም ኣለዉ። ቅድም ኢሉ ሰራዊት እስራኤል ብሓማስ ጅሆ ተታሒዛ ዝነበረት ሓንቲ ወተሃደር ከም ዘድሓነ ምግላጹ ዝዝከር ኮይኑ፡ ቁጽሪ ጆሆ ናብ 241 ኣውሪድዎ ኣሎ። ጉጅለ ሓማስ ክሳብ ሕጂ ደብዳብ ከተማታት እስራኤል ዘየቋረጸ ዘሎ ኮይኑ፡ብጀካ ሓሓሊፉ ዝርኤ ስልኳ መብዛሕትኡ ብስርዓተ ምክርኻል ሚሳኢል እስራኤል ይመክን ኣሎ።



ሩዋንዳ ንኹሎም ኣፍሪቃውያን ካብ ቪዛ ነጻ ዝኾነ ጉዕዞ ምፍቃዳ ኣፍሊጣ። ሩዋንዳ፡ ኣፍሪቃውያን ብዘይ ቪዛ ናብታ ሃገር ክጓዓዙ ከምዘፍቅድ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ንነጻ ምንቅስቓስ ህዝብን ንግድን ንምዕባይ ዝዓለመ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ምስ ኤውሮጳ ክትወዳደር ምዃና ኣፍሊጣ። ፕረዚደንት ፖል ካጋመ ነዚ ዝገለጸ ኣብ ርእሰ ከተማ ሩዋንዳ ኪጋሊ፡ ኣፍሪቃ “ውሁድ መዕረፊ ቱሪዝም” ምዃና ክሳብ ሕጂ 60% ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ዝመጹ በጻሕቲ እትእንግድ ሃገሩ፡ ሕጂ ውን ንኣፍሪቃውያን ካብ ቪዛ ነጻ ዝኾነ ጉዕዞ ምፍቃዱ ኣፍሊጡ። ዝኾነ ኣፍሪቃዊ፡ ኣብ ዝደለዮ እዋን ናብ ሩዋንዳ ኣብ ነፋሪት ክድይብ ይኽእል’ዩ፡ ናብ ሃገርና ክኣቱ’ውን ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይክኸፍልን’ዩ” ክብል ካጋመ ኣብ መበል 23 ዓለማዊ ዋዕላ ቤት ምኽሪ ጉዕዞን ቱሪዝምን ዓለም ኣፍሊጡ። ንናይ ገዛእ ርእስና ኣህጉራዊ ዕዳጋ ክንስእኖ የብልናን ኢሉ።"ማእከላይ ደርብና ኣብ ዝቕጽሉ ዓሰርተታት ዓመታት ብቕልጡፍ ናህሪ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኣፍሪቃውያን መጻኢ ዓለማዊ ቱሪዝም እዮም ክብል ገሊጹ። ሩዋንዳ ኣብ ግብሪ ምስ ወዓለት ንኣፍሪቃውያን እገዳ መገሻ ዘወገደት ራብዐይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክትከውን እያ። ክሳብ ሕጂ ንኣፍሪቃውያን ነጻ ቪዛ ዝገደፋ ሃገራት ጋምብያ፣ ቤኒንን ሲሸልስን እየን። ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ኩሎም ኣፍሪቃውያን ክሳብ 31 ታሕሳስ ብዘይ ቪዛ ናብታ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክገሹ ክፈቅድ መደብ ከምዘለዎ ትማሊ ሶኑይ ኣፍሊጡ። ፓስፖርት ኣፍሪቃን ናጻ ምንቅስቓስ ሰባትን ኣፍሪቃውያን ኣብ ውሽጢ ኣህጉሮም ናይ ምጉዓዝ፡ ምስራሕን ምንባርን ዓቕሞም ዘሎ ገደብ ንምእላይ ዝዓለመ'ዩ ይብል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ። ብተወሳኺ ሕብረት ኣፍሪቃ ን1.3 ቢልዮን ህዝቢ እታ ኣህጉር ሓደ ውሁድ ዕዳጋ ንምፍጣርን ቁጠባዊ ምዕባለ ንምዕባይን ዝዓለመ 3.4 ትሪልዮን ዶላር ዝግመት ብደረጃ ኣህጉር ናጻ ንግዳዊ ከባቢ ኣፍሪቃ ኣበጊሱ።

እዋናዊ ዜናታትና ኣብዚ ይውድእ

ክፍሊ ባህልን ዜናን ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን

ክብርና ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ!!

Comments


Hi! We warmly welcome your valuable opinions in the comment section below! Login

እዋናዊ ጽሑፋት


መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ብፈስቲቫል ዝተመኽነየ ናይ ባእስን Read more

schedule July 19 2023

24 ጉንበት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ታሪኽ ዘንጸፈት ዕለት ኢያ። Read more

schedule July 20 2023

(OEU) statement on the Current Armed Conflict goin Read more

schedule July 20 2023

ጋዜጣዊ መግለጺ ማእከላይ ባይቶ ው.ሓ.ኤ Read more

schedule July 20 2023

ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ!! Read more

schedule July 21 2023

መግለጺ ❼ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more

schedule August 29 2023