ሓጺር ገምጋም ህሉው ኲነታት ስርዓ ት ህግደፍ ን ደምበ ተቛውሞ ን
ሓጺር ገምጋም ህሉው ኲነታት ስርዓ ት ህግደፍን ደምበ ተቛውሞን
I. መእተዊ
ቀንዲ ዕላማ እዚ ጽሑፍ እዚ መሪሕነት ህግደፍ ከዐውቶም ዝደሊ ክልተ ኣጀንዳታት ብኣደናጋ ርን ተንኮለኛ ንኣተሓሕዛ ሒዝዎም ዝጐዓዝ ዘሎ ሽርሕታት ምጥቃስን ፣ ደምበ ፍትሒ ድማ ብኣ ድናጋርን ቀሻሽን ንጥፈታት ህግደፍ ተታሊሉ ንርእሱ ተበታቲኑ ኣብ መወዳእታ ድማ መሳርሒ መሪሕነት ህግደፍ ከይከውን ፣ ንኩልና ኣተሓሳስባና ን እምነታትናን ንኸመዓራሪ ዝሕግዝ ምኽሪ ሓሳብ ን ምሃብ ክኸውንክኸውን‘ዩ። መጀመርያ መሪሕነት ህግደፍ ከረጋግጾም ዝቃለስ ዘሎ ክልተ ዕላማታት ኣለዉዎ ፡፡- እቲ ሓደ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ከም ሓንቲ ሃገር ኰይና ናይ ሓባር መንግስቲ ክትተክል ግን ከኣ እሳያስ ምስ ደቂደቂ-መዛሙርቱ ስልጣኑ ክዕቆበሉ ዝኽእል ኣገባብ ምርግጋጽ ክኸውን ከሎ ፣ እዚ ክረጋገጽ እንተዘይክኢሉ ከኣ እቲ ካልኣይ ዕላማ ፡ ኤርትራ ንበይና ክትጐዓዝ እንተዀይና ድማ ስልጣን እቲ ጉጅለ ብኸመይ ውሑስ ይኸውን ዝብሉ እዮም። ኣብ መወዳእታ ንኤርትራ ኣዳኺምካ ርእሳ ከም ዘይትኽእል ኣረጋጊጽካ ዕላማ “ኣንድነትኣንድነት” ክዉን ንምትግባር ዝመልክቱ ሕጽር ዝበ ሉ ሓበረታታት ሓሳባትን ክጥቀሱ እዮም። ኣብ መደምደምታ ዝተሓላለኸ ኣጀንዳ ህግደፍ ዝፈጠሮ ም ሳዕበናት ፣ ኣብ ደምበ ተቛውሞ ፍልልያት ምኽሳቶምን፣ ገለ ካብካብ‘ቶም ፍልል ያት ኣብነታት ድሕሪ ምቕራብ ደምበ ፍትሒ ክጥንቀቐሎም ይግባእ ብምባል እዚ ጽሑፍጽሑፍ‘ዚ ክዛዘም እዩ።
II. ኣጀንዳታት ህግደፍ
ኤርትራ ብብዙሕ ጻዕርን ድኻምን መስዋእትን ክውንቲ ዝዀነት ሃገር‘ያ። ካብ መጒበጥቲ ስርዓት ኢትዮጵያ ነጻ ድሕሪ ምዃን ህዝባ ኩሉ መሰላት ተረጋጊጽሉ ከገልግሎ ዝኽእል ሃገራዊ ትካላት ክሃንጽ ንልዕልና ሕጊ ተኸቲሉ ጸጥትኡ ኣውሒሱ ፡ ሰላሙ ኣረጋጊጹ ፡ ዝመርሖ መንግስቲ ከቕውም ዕድል ኣይረኸበን። ብኣንጻሩ እቲ ባዕሉ ኣብ ስልጣን ዝተወጠሐ ወተሃደራዊ ጉጅለ ፣ ናይ ህዝቢ ጠለብ ዘይምልስ ብኣንጻሩ ዘነኣእስ ካልእ መኣዝን ወሲዱ ይርከብ። መሪሕነት ህግደፍ ክልተ ዓበይቲ ግን ከኣ ነንበይኖም ዝመስሉ ኣጀንዳታት ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ሓደ ዕላማ ዝጠመቱ ሒዙ ተበጊሱ ለመም ይብል ኣሎ ። እቶም ክልተ ዕላማታት እምበኣር ፡፡-
1. ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ከም ሓንቲ ሃገር ኰይና ናይ ሓባር መንግስቲ ክትተክል ግን ከኣ እሳያስ ስልጣኑ ክዕቆበሉ ዝኽእል ኲነታትን ኣገባብ ን ምርግጋጽ ፣
2. ኤርትራ ንበይና ክት ጐዓዝ እንተዀይና ድማ ስልጣን እቲ ጉጅለ ብኸመይ ውሑስ ይኸውን ፣ ከም ሃገር ከኣ ብቕዕቲ ንኸይትኸውንን ም ስራሕ ክዀኑ ከለዉ ፣ ምስ እዚ ኣተሓሒዝና ደምበ ፍትሒኸ ብኸመይ ይጽሎ ዝብል እዚ ዝስዕብ ነጥቢ ጽሑፍና ኰይኑ ፣ እቲ ሳልሳይ ነጥቢ እዚ ጽሑፍ ፡፡-
3. እዞም ክልተ ዕላማታት እዚኣቶም ኣብ ደምበ ተቛውሞ ዝፈጠ ርዎ ዘይምርድዳእ ክንርኢ ኢና።
እዞም ልዕል ኢሎም ዝተጠቕሱ ዕላማታት ጉጅለ ህግደፍ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ባህ ግን ድልየትን ኣይኰኑን። ብኣንጻሩ እቲ ምሉእ ሂወቱ ጉዳይ ህዝቢ ሒዙ ግን ብምስጢርን ስዉር መገድን ዝንቀሳቐስ ጉጅለ እሳያስ ፣ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ደርግ (ደር ጊጊ) ነዘን ልዕል ኢለን ተጠቒሰን ዘለዋ ቀዳሞት ክልተ ዕላማታት ከረጋግጽ ክሳብ እዚ ውግእ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፍጸም ክጐዓዝ ጸኒሑ እዩ ። ምስ ህዝቢ ኤርትራን ኣህዛብ ጐረባብቲ ሃገራት ንከራጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን ጉዳይ ድማ ቀዳማይ ንዓቕምን ብቕዓት ህዝቢ ኤርትራ ንምድኻም እዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል ። ዝያዳ ንምብራህ ጭቡጣት መርትዖታት እናኣቕረብና ነ ዘ ን ዝተጠቕሳ ነጥብታት በብሓደ ንርኣየን።
1. ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሓቖፈ ሓባራዊ መንግስቲ ብዛዕባ ምቛም ዝምልከትዝምልከት:-
ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ከም ሓንቲ ሃገር ኰይ ነን ናይ ሓባር መንግስቲ ክ ትከል ግን ከኣ እሳያስ ዝመርሖ ውሑድ ጉጅለ ስልጣኑ ዝዕቈበሉ ኣገባብ ከረጋግጽ ፣ መራሕቲ ህግደፍ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ጸኒሖም እዮም ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ካበይ ዝመጽአ እዩ እንተተባህለ፣ ርሑቕ ከይከድና ብመሰረቱ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ናይ “ኣንድነትኣንድነት” ኣተሓሳስባ ምዃኑ ብዘየወላውል መልክዑ ምጥቃስ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ “ኣንድነት” ዝብል ኣምር ጌና ምሳና ዘሎ ኣተሓሳስባ እዩ። ብምዃኑ እቶም በብግዜኡ በለቕ በለቕ እናበሉ ምስ ኢትዮጵያ ይሕሸና ዝብሉ ንሰምዖም ፕሮፖጋንዳ ታትገዲፍና ፣ እዚ ድልየትን ሓሳብን እዚ ምሳና ከም ዘሎ ዘረጋግጹ ብርክት ዝበሉ ሓበረታታት ስለ ዘለዉ ካብኣቶም ገለ ምጥቃስ ኣገዳሲ ይኸውን ።
ሀ
ሀ. ናይ ኢትዮጵያውያን ምንጭታትምንጭታት1፡፡- ዝተፈላለዩ ኢትዮጵያውያን ከም እንዳርጋ ቸው ጽጌ፡ ለንጮ ለታ ፡ ሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮጊስ፡ ስብሓት ነጋ፡ ወዘተ በብ ወገኖም መራሒ ህግደፍ እሳያስ ነጻ ኤርትራ ክትቀውም ይደሊ ከም ዘይነበረ ይሕብሩ። ኩሎም ከም ዝብልዎ እንተዀይኑ ድማ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ከይትኸውን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታ ት መሪሕነት ወያነ ከም ዝዓንቀጽዎ የመልክቱ ። ብዓይኒ እሳያስን መማኽርቱን እምበኣር ወያኔ ብኽልተ ምኽንያታት ከም ዓንቃፊ ኣካል ተራእዩ ኣብ ዕላማ (target) መሪሕነት ህግደፍ ከም ዝኣተወ ፍሉጥ እዩ። ወያነ ኣብ
ዕላማ (target) ዝኣተወሉ ምኽንያቱ በቲ ሓደ ናይ ሓባር መንግስቲ ኣብ ምቛም ብምዕንቃ ፎም በቲ ካልእ ድማ ብህዝቢ ኤርትራ ከም ተሓለቕቲ ነጻነት ኤርትራ ንኸይረኣዩ ፣ ጉጅለ እሳያስ ናይ ዕግርግርን ናይ ጽልኢ ትረኻታትን እናፈጠረ ፣ ወያነ ናይ እሳያስ ሕልሚ ዝጸብኡ ዘይኰነስ ከም ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ከቕርቦም ጸኑሑ እዩ ። ተዓዊትሉ ከኣ። ሎሚ ዝዀነ ይነጥፍ እየ ዝብል ወያነ ዝብል ኣምር ንሰባት መሸማ ቐ ቒ ከም መጽረይ ኣፉ ገይርዎ ኣሎ። ብጌጋ ከይንረዳዳእ ወያነ ጌጋታት ኣይነበሮን ማለት ኣይኰነን። ድሕሪ 1991 ዓዓ. ምም. ብፍላይ ብጉዳይ ኤርትራ ክሳብ
ክንድዚ ዝተጋነነ ናይ ህግደፍ ትረኻ ግን ኣይኰነን።
ለ. ናይ ኤርትራውያን ምንጭታትምንጭታት2፡፡- ብሸነኽ ኤርትራውያን እንተዀነእንተዀነ’ውን ዝጥቀሱ ሓበረታታት ኣለዉ። ህዝባዊ ሓይልታት፡ ህዝባዊ ግንባር፡ ክሳብ ህግደፍ ትምስረት ኣብ ዝለዓለ ሓላፍነት ዝነበረ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ዝሃቦ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓበረታ ኣሎ። ናይ ሎ ሚ መራሕ ጁንታ ህግደፍ ዝዀነ እሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ኢትዮጵያ ናይ ሓባር መንግስቲ ክንምስርት ይሓቱና ኣለዉ ኢሉ ከም ዘተንብሃሎም ኣቶ መስፍን ሓጎስ ወስ ኣቢሉ ነይሩ እዩ። ሕጂ ድማ ብመጽሓፍ ደረጃ ስፍሕ ዝበለ መብርሂ ሂቡ ሉ ከም ዘሎ ይፍለጥ። ኣብዚ እውን እቶም እሳያስ ዘማኸሮም ብዘይሓደ ነግነግ-ፈረግ ሕራይ ዘይምባሎም ከም ጸላእቲ ተራእዮም ማለትማለት‘ዩ። ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ተ ኣ ሲሮም፡ ተሰዲዶም፡ ተቐቲሎም እዮም። ብፍላይ ኣብ ዞም ናይ መጨረስታ ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ብምኽንያት ወያነ ከም ዝተሓየሩ ዝሓለፍናዮ ሓቂ እዩ። እዚ ዝተገበረሉ ምኽንያት እቲ ኣብ እዋኑ ሓያል ዝነበረ ግን ከኣ ዝተሳዕረ ናይ “ኣንድነትኣንድነት” መደብ ንምርግጋጽ ዝዓለመ ምዃኑ ዘካትዕ ጉዳይ ኣይኰነ። እሳያስ ዝመርሖ ጉጅለ ድማ ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት እዛ ዕላማ እዚኣ ከረጋ ገጸ ድቃስ ስኢኑ ከም ዘሎ ክበርሃልና ይግባእ።
2. ኤርትራ ንበይና ነጻ ሃገር ብዛዕባ ምቛም ዝምልከት ፡፡-
ናይ ክልቲኡ ሃገራት ናይ ሓባር መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ጉጅለ እሳያስ እንተ ዘይተመስሪቱ ፣ እሞ ኸኣ ኤርትራ ንበይና ሃገር ኰይና ክትጐዓዝ እንተዀይና ድማ ስልጣን እቲ ጉጅለ ብኸመይ ውሑስ ይኸውን ዝብል ነጥቢ ንመራሕቲ ህግደፍ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነይሩ። ንግዜኡ ናይ “ኣንድነትኣ” ሕልሚ ይተዓንቀፍ እምበር ገና ኣሎ። ስለ ዝዀነ ኤርትራ ከም ሃገር ርእሳ ክኢላ ከይትስስን፣ ብኣንጻሩ ድኽምቲ ኰይና ናብ “ኣዲኣ ኢትዮጵያኢትዮጵያ” ክትምለስ ጌና ብስዉር ክስራሕ ነይርዎ ። ሕልሚ ኤርትራ ዝብርዕን ድማ እዚ ጉጅለ እዚ ኣብ ስልጣን ምስ ዝህሉ ጥራሕጥራሕ‘ዩ እዩ። እቲ ዝድለ ዝ ስራሕ ስራሕ ከኣ ከምዚ እዩ ። እቶም ኣብ ጉዕዞ ብረታዊ ቃልሲ ዝነበሩ እሞ ድማ ዘጥፍኦም፡ ኣፈራሪሑ ዝመለኾም፡ ኣስሊሉ ናቱ ዝገበሮም ን ዘድኮሞምን መዛንኡ ንስልጣኑ ጸገም ክዀንዎ ከም ዘይክእሉ እሳያስ ጽቡቕ ገይሩ ኣረጋጊጹ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ወላ እ ኳ ገለ ፈተናታት እንተነበሩ ከመይ ገይሩ ከም ዝቘጸዮም ዝሓለፍናዮ ጉድ እዩ። ስለዚ ኤርትራ
_________________________
1 እዞም ዝተጠቕሱ ኢትዮጵያውያን (እንዳርጋቸው ጽጌ፡ ለንጮ ለታ፡ ሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮጊስ፡ ስብሓት ነጋ፡ ወዘተወዘተ) ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ዝበልዎ ኣብ YouTube ኣሎ።
2 ብዛዕባ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ደር ግ ናይ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ናይ ሓባር መንግስቲ ምቛም ዝብል ሓሳብ ብ እሳያስ ከም ዝቐረበ ዝርዝር ብዝበለ መልክዑ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ኣቕሪብዎ ይርከብ ።
ከም ቃሕ ዝበሎ ክገብራ ንንህዝቢ ኤርትራ ድማ ናቱ ኣገልጋሊ ክገብ ሮ እንተዀይኑ ኣብ ጎረርኡ ደው ዝብል ከም ቁርን ኣሰሓይታን ዝፈርሖ ሓደ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ነይሩ። ንሱ ከኣ እቲ ህግደፍ ዘይጸለዎ ፡ ዘየፈራርሖ ፡ ሓዲሽ ሓሳባት ዘለዎ፡ ንኽፈልጥ ባህጊ ዘለዎ ፡ ንመጻኢኡ ዝጥምት ንኡስ ወለዶ ኤርትራዊ እዩ ነይሩ። መሪሕነት ጁንታ ህግደፍ ናይ “ኣንድነትኣንድነት” ዕላማ ከረጋግጽ እንተዀይኑ፣ ነቶም ልዕል ኢሎም ዝተጠቕሱ ዕላማታት ማዕረማዕረ-ማዕረ ከካይዶም ኣለዎ። በቲ ሓደ ንወያነ ከም ዓንቃፊኡ ስለ ዝርእዮ ከጥፍኦ ጥራሕ እዩ ነይርዎ ። ብኸመይ ዝብል ሕቶ ንመልከት። ወያነ ኣብ ናይ 17 ዓመታት ጉዕዞ ቃልሶም ን ድሕሪኡን ዝፈጠርዎም ኢትዮጵያውያን ዝዀኑ ጸላእቲ ፣ መሪሕነት ጁንታ ህግደፍ ሃሰሰ ኢሉ ኣኻኺ ከወሃህድ ጸኒሑ ። ንኣብ ባይታ ዝንቀሳቐሱ ብግቡእ እናመወለ ፣ ንከም እሳት ዝበሃል ናይ ዜና ማዕከን እናሓገዘ ንኣ ስታት 20 ዓመታት ተቓሊሱ እዩ ። በቲ ካልእ ድማ ንሃገረ ኤርትራ ብኩሉ ሸነኻ ኣዳኺሙ ብቕዕቲ ርእሳ እትኽእል ሃገር ንኸይትኸውን ጁንታ መሪሕነት ህግደፍ ምቅላስ ከም ዝመረጸ ናይ ዝሓለፉ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ተግባራቱ ብጭቡጥ ኣረጋጊ ጾም እ ዮም ። ኣብዘን ዝተጠቕሳ ዓመታት ፡፡-
ሀ. ፖለቲካ ፡፡ ኤርትራ ናይ ዝተወሰኑ ባእታታት ዕማም እምበር ናይ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘይከውን ተቓሊሱ። ኣብ 1966 ዝጸደቐ ኣህጉራዊ ውዑላት ዝጠሓሰ ሰብኣውን ፖለቲካውን መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ግሂሱ። ህዝቢ ኤርትራ ማሕበራዊ ውዑል ዝበሃል ከም ዘይህልዎ ገይሩ። ሃገር ቅዋም ዘይብላ ጥራሕ ዘይኰነስ ዝዀነ ልዕልና ሕጊ ከም ዘይረጋገጽ ምግባር ንኣማኢት ዓመታት ክስርሓሉ ዝጸንሐ ባህላዊ ሕግታት (ሕገሕገ-እንዳባእንዳባ) ከም ዘይስርሕ ገይሩ ፣ ኤርትራ ብውልቃዊ ኣዋጃት እሳያስ ከም ትመሓደር ኰነት። ነዚ ክቋወሙ ዝፈተኑ ግዳያት ኣደዳ ማሕዩር፡ መጭወይቲ፡ መቕተልቲ ፡ ስደት ወዘተ ዝዀኑ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ምዃኖም እነሕልፎ ዘለና ሓቂ ኰይኑ ኣሎ።
ለ. ቊጠባ፡ ኩሎም መባእታዊ መሰረታት ን ባእታታትን ቊጠባ ዝዀኑ ጸጋታት ብመሪሕነት ህግደፍ ተሃጊሮም። ኣብ መወዳእታ ኣብዚ ሃገር ካብ ኢድካ ናብ ኣፍካ እንተዘይኰይኑ ቊጠባ ዝበሃል ኣሎ ኢልካ ክዝረብ ኣይክኣልን፣ እዚ ቊጠባ ድዩ፧ እቶም ኩሎም ዝነበሩ ናይ ቊጠባ ትካላት በብሓደ ደጋጊሙ እናዘርዘረ እሳያስ ኣበይ ኣለዉ ክብል ኩሉ ግዜ ንሰምዖ ኣለና ። ናይናይ‘ዚ ኩሉ እሳያስ እናዘርዘረ ዝዛረበሎም ዘሎ ናይ ቊጠባ ትካላት ትርጉ ሙ ኤርትራ ርእሳ ትኽእል ሃገር ኣይኰነትን ንምባል ኢሉ ዘምጽኦ ዘሎ መጐተ ምዃኑ ንምግንዛቡ ኣየሸግርን ።
ሐ. ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ፡፡- ከም ዝፍለጥ ጉጅለ ህግደፍ ባህልታትን ክብርታትን ህዝብና ብድፍረት በታቲንዎ ይርከብ፣ ብዙሕነት ህዝቢ ኤርትራ ን መፈ ላለዪ ተጠቒምሉ። ንህዝቢ ዘገልግል ትሕተ ቅርጻ ትረፍዶ ሓደሽቲ ክሃንጽ ዝነበረ ከም ዝበርስ ገይርዎ ኣሎ ። ትምህር ትን ናይ ትምህርቲ ጽርየት ከም ዘንቈልቁል ኰይኑ። ትረፍዶ ክሃንጽ እታ ዝነበረት እንኮ ዪኒቨርስ ቲ ኣስመራኣስመራ’ውን ከይተረፈ ዓ ጽዩዋ ይርከብ ። ብቑዕ ናይ ክንክን ጥዕና ትካል ከም ዘይህሉ
ገበረ። እታ መሰረት ሕብረተሕብረተ-ሰብ ዝዀነት ስድራስድራ-ቤት ባህሪያዊ ስራሓት ከይትፍጽን በታቲንዋ ኣሎ ። ካብካብ‘ዚ ስራሕስራሕ‘ዚ ዝፍጠር ማሕበራዊ ነውጺ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይመስለናን ።
መ. ዲፕሎማሲ፡ዲፕሎማሲ፡- መሪሕነት ህግደፍ ምስ ጐረባብቲ፡ ዞባ ውን ኣህጉራውን ኣህዛብ ብሰላም ምንባር ዘይፈልጥ ጉጅለ እዩ። ብዘይካ ናይ ውግእ ዲፕሎማ ሲ ካልእ ኣይፈልጥን እዩ። እዚ ተኸቲሉ ህግደፍ ምስ ኩለን ጐረባብቲ ሃገራት ውግእ ብምውላዕ እ ልቢ ዘይብሎም ዜጋታት ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ መንእሰያት ከም ዝጠፍኡ ገይሩገይሩ’ሎ ። ብዙሓት በዚ ዝታለሉ ኣለዉ። ልዑላውነት ሃገር ንምክልኻል እዩ ገይርዎ ኢሎም ዝኣምኑ ውሑዳት ኣይኰኑን። ብካልእ ኣበሃህላ ነቲ ዝፈርሖ ንኡስ ወለዶ ኤርትራ ክበታትንን ከጥፍእን ፣ ነቲ ዘይኣምነሉ ልዑላውነት ኤርትራ ከም ጭርሖ ተጠቒሙ ብስም ልዑላውነት ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንመንእሰይ ድማ ብፍላይ ኣብ ዘይፍትሓዊ ውግ ኣት
ናይ ምጽማድ ስራሕ ከካይድ ነይርዎ። ኣካይዱ ከኣ። በዚ ምኽንያት እዚ ነቲ ናይ ኢትዮጵያ ስልጣን ከይረክብ ዓቢ ዕንቅፋት ኰይኑኒ ዝበሎ ደምኛ ጸላእን (ወያነወያነ)፡ ነቲ ብመሰረቱ ክቈጻጸሮ ኣይክእልን እየ ዝበሎ መንእሰይ ወለዶ ኤርትራን ከዋድኦም መዲቡ ን ኣፈጺምዎን ከኣ ኣሎ ። ዝበዝሕ
መንእሰይ ወለዶ ህዝቢ ኤርትራ ፡ ነቲ ንኤርትራ ናብ ጥፍኣት ዝመርሕ ፖለቲካዊ፡ ቊጠባዊ፡ ማሕበራዊ ከምኡከምኡ’ውን ዲፕሎምስያዊ ፕሊሲታት ጃንዳ መሪሕነት ህግደፍ ነጺጉ ዝፈትዋ ሃገሩ ጠንጢኑ ከም ዝባረር ኰ ኑኑ’ሎ ። እቲ ዶብ ክሰግር ዝተረኸቡ ንምቕታል ተኩሰሉ ገዲፍና፣ ህግደፍ ካልእ ወፈራታት ን ታህዲታትን ከይተረፈ ክገብረ ሉ ጸኒሑ ። እኳ ደኣ “ኣንዊሕካ ዝኣሰርካያ ደርሆስ ዝተፈትሐት ይመስላይመስላ”፣ ኣብ ናይ ባሕሪ ምጥሓል ጸገም ኣብ ዘጓነፈሉ ከም ዜጋታት ኤርትራ ዘይኰነስ ከም ገለ ኣፍሪቃውያን ዘይምልከትዎ ገይሩ ክገልጾም ጸኒሑን ኣሎን። ኤርትራውያን ኣብ ሊብያ ወይ ካልእ ኣፍሪቃ ሃገራት ጸገም ኣጓኒፍዎም እንተሰምዐ እንታይ ክገብሩ ናብኡ ከይዶም ኢሉ ብምስትንዓቕ ክገልጾ ይስማዕ ። ካልእ ምዕራባውያን ሃገራት ብዘተሃራርፍ ኣገባብ የስድዕ ኦ ም ኣለዋ፣ ወዘተ እናበለ ድሕሪ ምሕጫጭ ፣ መንእሰያት ኣብ ከዕርፍሉ ዝኽእሉ ሃገራት ምስ በጽሑ ድማ ጌጋታት ከም ዝገበሩ ኣሚኖም ይቕረታ ሓቲቶም ናይ ጣዕሳ ወረቐት ክመልኡ ከም ዘለዎምን ኣብ ናይ ህግደፍ ናይ እቶ ት ምንጪ መስርሕ ብምትዕሽሻው ክጸምዶም ወዘተ ፈተነታት ክገብር ጸኒሑ እዩ።
በዚ ምኽንያት እዚ መሪሕነት ህግደፍ ንኤርትራ ምህናጽ ዘይኰነስ ብመደብ ናይ ምፍራሳ ዝግበር ዝነበረ ስራሓት ብመጠኑ ተዓዊትሉ እዩ ክበሃል ይከኣል። ነቲ ነዊሕ ራእይ (ሕልሚሕልሚ) ዝነበሮ ህዝቢ ኤርትራ ዓንቀፎ፡ ንሰብኣዊ ጉልበት ህዝቡ በታተኖ ፡ ኣሳቐዮ፡ ንክብርታቱ ደፈሮ ። እንተዀነ ግን ሕልሚ “ኣንድነትኣንድነት” ጌና ስለ ዘሎ ክረጋገጽ እንተዀይኑ እቲ ማዕረማዕረ-ማዕ ረ ሃገርነት ኤርትራ ከረጋግጽ ዝኸይድ እሞ ዕንቅፋት ንን”ኣንድነት” ዝዀነ፣ ወያነ ዝበሃል ትካል ድማ
ብዓይኒ እሳያስ ንሕልሚ “ኣንድነት” ዝዕንቅፍ ካብ ሓይልታት ኢትዮጵያ ምጥርናፍን ም ምዋልን ገለ ተግባራዊ ስራሓት ክግበር ነይርዎ። መዓልቱ ከኣ ይጽበ ነይሩ። መሪሕነት ህግደፍ ከወሃህዶን ክምውሎን ዝጸንሕ ሓይሊ ፣ ዝበረኸ ሓይሉ ደሊቡ ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ክኽሰት
ተኻኢሉ። ድሕሪዚ ንዝተገበረሉ ናይ ሰላም ዕድመ ኣመኽንዩ ክዛረብ ከሎ ብመልክዕ ፈኸራ “ወያነ ካብ ጸወታ ወጺኣወጺኣ” ኢሉ መራሕ ህግደፍ ጨሪሑ። ቀጺሉ ኣብ ማእከል ኣስመራ “ተደምረናልተደምረናል” ዝብል ጭርሖ ኣሰኪሙ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ሰለማዊ ሰልፊ ከም ዝካየድ ኣግቢሩ ። ወሲኹ ነቲ ኩሉ ዝተሰውአን ዝሰንከለን ብውግእ ዝፈረሰ ንብረትን ኣብ ግምት ስለ ዘየእትዎ “ዝጠፍኣና የብልናን፡ ኣይከሰርናንኣይከሰርናን” ክብል ተ ዛሪቡዛሪቡ3። ብተወሳኺ ነቲ ምእንትኡ ኣሽሓት መንእሰያት ዝተሰውኡሉን ዝሰንከሉሉን ሕቶ ዶብ ድማ “ሎሚ ብዛዕባ ዶብ ዝዛረብ ሰላም ዘይደሊ እዩእዩ” በለ። ኣተሓሒዙ ክልተ ህዝቢ ኢ ና ዝብል ታሪኽ ዘይፈልጥ እዩ ከኣ ወሰኸሉወሰኸሉ4። እሞ ካብዚ ንላዕሊ መርኣያ ድልየት “ኣንድነት” እንታይ ኣሎ፧
መራሕ ጉጅለ ህግደፍ ንኤርትራ ዊ ሃገራውነት ኣድኪሙ ኣብ ውሽጢ ጉዳይ ኢትይጵያ ክኣቱ ምዃኑ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ክግለጾ ጸኒሑ እዩ። ስለዚ ህግደፍ ብኣንድነት ገይሩ ኢትዮጵያ ንኸይቈጻጸር ወያነ ዓንቂፉኒ ኢሉ ስለ ዝኣምን፣ ሕነ ክፈዲ መደብ ስለ ዝሓዘ ፣ ነቲ ልዑላውነት ሃገር ክሕሉ ብልቡ ዝኣምን መንእሰይ ብምትላል ፣ ኣብ ሃገር ዝተረፈ መንእሰይ እውን ኣብ ዘይምልከቶ ናይ ውግእ ሓዊ ብምጥባስ ከሳቕዮን ከዳቕቖን ከም ዝጸንሐ ዝዝከር ኰይኑ፣ ነቶም ናብ ስደት ዘምርሑ መንእሰያት በቲ ሓደ ከም ከዳዓትን ጸረጸረ-ሃገርን ከቕርቦም በቲ ካልእ ድማ ንዘካየዶ
ናይ ቂምታ መዋጽኢ ውግእ ሃገር ይከላኸል ከም ዘሎ ከምስል ን ቅኑዕነት ከልብሶን ብምሕሳብ መጠነ ሰፊሕ ዝዀነ ናይ ጽልእን ሓሶትን ፕሮፖጋንዳ ክነዝሕ ተዋፈረ። ኣብዚ ክንግንዘቦ ዝግባእ ነገር ኣሎ። ንመንእሰይ ሃገሩ ገዲፉ ንኽስደድ መሰረታዊ ጠንቂ ኰይኑ ከብቅዕ፣ ህግደፍ እንደገና ገለ ሓላፍነት ዘይስምዖም ባእታታት ብምውፋር ሕልና ንሞራልን መንእሰያት ንምስባር ከም ዝተዋፈረ
ይፍለጥ። ህግደፍ በዚ ባህሪ እዚ እዩ ዝፍለጥ። ብካልእ ወገን ድማ ካብ ሃገር ዝስደዱ ዝነበሩ ኣብ ደገ ድምጾም ክስምዑ ይርኣዩ ነይሮም እዮም። ብምዃኑ ብርክት ዝበሉ ህዝባዊ ምልዕዓላትን ወፍርታትን ተገይሮም እዮም። እዞም መንእሰያት ብብዝሒ ምስ መጽኡ ግን ምልዕዓላት ብዝያዳ እናደንፍዐን እናንሃረን ክመጽእ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ። ምልዕዓላት ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝፍጸሙ ዝነበሩን ዘለዉን ግህሰ ት ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት ምንጪታት ኰይኖም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ግፍዕታት ንዓለም ከም ዝቃላሕ ገይሮም እዮም። ናይ እዚ እዋን እዚ ወፍሪ “ብርጌድ ንሓመዱ” እምበኣር ክሳብ ሕጂ ውጽኢት ናይ‘ዚ ሰራም መደብ ጃንዳ ህግደፍ
ምዃኑ ብዘየወላውል መገዲ በሪሁ ክኸውን ተስፋ ንገብር። ተግባራት ህግደፍ ብጥንቁቕ ተመልኪትካ ክርአ ከሎ እዚ ባህሪያዊ ናይ ህዝባዊ ቁጥዐን ነድርን ምዃኑ ክንግንዘብ ይግብኣና። ኤርትራዊ ሃገራዊ ተበግሶ ምዃኑ ገለ ዘይበርሃሎም እንተኣለዉ ከነዘኻኽር ድማ ግቡእና እዩ። ጌጋታት ፡ ሕጽረታት፡ ኣለዎዶ፧ እወ ኣለዎ ። መንከ ዘይብሉ ፧ ግን ንምእራሙን ምዕርራዩን ምቅላስ ከም ዘድሊ ፍሉጥን ውሁብን ገርና ንውሰዶ።
III. መርገጻት ተቛውሞ
_________________________
3 እሳያስ ኣፈወርቂ ሂወቱ ምሉእ ዝጽበዮ ዝነበረ ዝረኸበ መሲልዎ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኩሉ ዝኸሰረ ህዝቢ ኤርትራ ኰይኑ ብንዕቀት ዝበሎ እዩ።
4 እዞም ዘረባታት (ሕቶ ዶን ዘልዕል፡ ክልተ ኣህዛብ ኢና ዝብል ታሪኽ ዘይፈልጥዘይፈልጥ‘ዩዩ) እዚኣቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ብሓጎስ ኣፍልቡ እናሃረመ ዝበሎ ምዃኑ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ።
ብሕጽር ዝበለ መገዲ ጥበባትን ተንኮላትን ክትዓትን ህግደፍ ርኢናዮ ። እዚ ከምዚ እንዳኰነ ከሎ ፣ ኣብ ደምበ ተቛውሞ ኸ እንታይ ኣሎ ፧ ዝብል ሕቶ ክለዓል ባህሪያዊ ስለ ዝዀነ ገለ ነጥብታት ምጥቃስ ኣድላዪ እዩ። ድሕሪድሕሪ’ዚ ናይ መወዳእታ ውግእ ሕድሕድ ጸረጸረ-ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ፣ ህግደፍ ብዝገብሮ ም ወስታ ታት ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራ ፍልይ ዝበሉ ተርእዮታት ንዕዘብ ኣለና። ርግጽ እዩ ዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ ንምንቅስቓስ “ብርጌድ ንሓመዱንሓመዱ” ዝድግፍ እዩ ክንብል ንደፍር። ይኹን እምበር ንዕዘቦም ዘለና ተርእዮታት ድማ ነዚ ሃገራዊ ተበግሶ መንእሰያት እዚ ገሊኦም ናታቶም ጥራሕ ክገብርዎ ዝፍትኑ ክህልዉ ከለዉ ፣ ገሊኦም ከኣ ከም ዘይናቶም ከርሕቕዎን ከነኣእስዎን ብ ዘይኤርትራዊ ዝዀነ ብ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ዝምራሕ ገይሮም ብናይ ህግደፍ ቃና ክገልጽዎ ይስትውዓል ኣሎ። እስከ በብተራ ንመልከቶም።
1. ብርጌድ ንሓመዱ ናትና ጥራሕ እዩ ዝብል ቃና ዝዝርግሑ - እቶም “ብርጌድ ንሓመዱንሓመዱ” ህዝባዊ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ዘይኰነስ ናይ በይኖም ጥራሕ ፡ ክገብርዎ ዝፍትኑ ብዘይክኦም ክሰርሕ ከም ዘይክእል ነብሶም ዘእመኑ ኣለዉ። ነዚኣቶም ብኸመይ ንፈልጦምን ነለልዮምን፧ ዝብል ሕቶ ንርአ። ብ መጀመርያ ክፍለጥ ዘለዎ ነንሕድሕዶም ዝጋ ጨዉ ን ዝተሓዋወሱን ዝመስሉ ሓሳባት የቕርቡ። ከም ንኣብነት
ሀ. ትርጉሙን ትሕዝትኡን ኣበየናይ ግዜ ይ ነ ብሩ ነይሮም፡ ነየናይ ኣካል ናይ ሎሚ ህዝብና ይምልከት ብግቡእ ከይመርመሩ ን ከይተረድኡን ኣግኣዝያን ኢና ብምባል ጸረጸረ-ሓደ እምነት ዘተኰረ ዝመስል ድፍረት ዝመግለጺኡ ክውርውሩ ይርኣዩ ኣለዉ ። እዚኦም “ብርጌድ ንሓመዱንሓመዱ” ናትና ጥራሕ እዩ ዝብል ምልክት ከርእዩ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ኣብ ትዕዝብቲ ኣትዮም ኣለዉ ። ምናልባት ንኣታቶም ይመስሎም ይኸውን እምበር ፣ ኣብዚ ግዜግዜ’ዚ እዚ ሕቶሕቶ’ዚ ምዓል ንህዝቢ ይፈላልዩ ከም ዘለዉ ይጠፍኦም እዩ ኣይንብልን። ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝጻባእ ምዃኑ ክበርሃሎም ይግባእ ። ይኹኑ እምበር ኣዝዮም ውሑዳትን ክሳብ ክንድዚ ጽልዋ ከሕድሩ ዝኽእሉን ኣይኰኑን ።
ለ. ኤርትራ ዝብል ጸላኢና እዩ ዝብሉ - እዚኦም ምናልባት ምስ ኣግኣዝያን ዝተተሓሓዙ ክዀኑ ይኽእሉ። ኤርትራ ዝብል ስም ዝጽየፉ ኣካላት እዮም ። ንሃገራ ውነት ኤርትራ ከህስሱ “ኤርትራ ዝብል ስ ም ንዓና ዝምጥን ኣይኰነን፡ ብጥልያን ዝተዋህበ እዩ ፡ ወዘተ ብምባል ይልለዩ። ርግጽ እዩ ስም ብጥልያን ዝተዋህበ እዩ። ግን እዚ ኣበሃህላ እዚ ስለምንታይ እዩ ንኤርትራውያን ሓራም ንኢትዮጵያውያን ሓላል ዝኸውን፧ ካልእ ኣብ ግምት ክውሰድ ዝከኣል ብዛዕባ ስም ኩልኻ ተረዳዲእካ ክግበር ዝከኣል ጉዳይ እዩ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃኣፍሪቃ’ውን ተራእዩ እዩ። እዚ ክልዓል
እንተዀይኑ ግን ብመሰረቱ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ጉዳይ እዩ። ናይ ሕጂ ኣጀንዳ ግን ኣይኰነን።
ክፍለጥ ዘለዎ ግን እዚ ኣበሃህላ እዚ ነቲ ብዓለም ቅቡል ዝዀነ ንኤርትራ ልዑላዊት ሃገር ክገብራ ዝኽእል ሓደ ካብካብ‘ቶም ቀንዲ ረቛሕቲ ዝዀነ - ዶብ ክሃርም ዝኽእል ሓሳብ ክዝርግሑ ንዕዘብ ኣለና። ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ሕቶ ዶብ ዝተገበረ ብ ናይ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ብምዃኑ ነሕዋት ዝዀኑ ኣህዛብ ኣብ ክልተ ሰለስተ ጐዛዚይዎም ይርከብ። ኣህጉራዊ ውዑላትን ስምምዓትን ከኣ ተቐቢለን ኣካል ኣህጉራዊ ሕግታት ኰይኑ እዩ። እዚ እናተፈለጠ ከሎ ካልእ ትርጉም ክህብ ዝኽእል ዘረባታት ይስማዕ እዩ። እዚ ከምዚ ዝብል ዘረባታት ቅኑዕ እዩ እንተተባሂሉ ድማ ነቲ እሳያስ ብንጉህኡ ከተግብሮ ዝወፈረሉ ኣጀንዳ “ኣንድነትኣንድነት” ዝድግፍ ኰይኑ እዩ ዝርከብ። ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንቃወሞ ኢና እኳ ይበሉ እምበር፣ ይፍተዉ ይጽልኡ ንመደብ እሳያስ የገልግሉ ከም ዘለዉ ክበርሃሎም ይግባእ ።
ሐ. ትግራዋይ እየ ዝብል ኣበሃህላ -ትግራይ ዝበሃል ስም ናይ ዓለት ወይ ናይ ዘርኢ ስም ዘይኰነስ ናይ ሓደ ኣውራጃ ብናይ ሎሚ ኣጸዋውዓ ክልል ዝበሃል ናይ ኢትዮጵያ ግዝኣታዊ ቦታ እዩ። ስለዚ ትግራዋይ እየ እንተደኣ ተባሂሉ ብኻልእ ኣዘራርባ ኢትዮጵያዊ እየ ማለት እዩ። እዚ ከኣ ንህዝብና ዝፈላሊ ኣበሃህላ ጥራሕ ዘይኰነስ ምስ ናይ ህግደፍ “ኣንድነታዊኣንድነታዊ” ፖለቲካ ዝተኣሳሰርዝተኣሳሰር‘ውን እዩ።
2. “ብርጌድ ንሓመዱንሓመዱ” ናትና ኣይኰነን ዝብሉ - ነዞም ልዕል ኢሎም ዝተጠቕሱ ኣተሓሳስባታት ንጻረር ኢና ዝብሉ ድማ ካልኦት ኣካል ተቛውሞ ኣለዉ። እዚኣቶም ኤርት ራውነት ዝብል ዜግነት ንሳቶም ጥራሕ ዝዕድሉ መሲሎም እዮም ዝርኣዩ።
ሀ. እዞም ኣካላት እዚኣቶም ኣብ ግዜ ውግእ ሕድሕድ ኢትዮጵያ ፣ ህግደፍ ን ልዑላውነት ኤርትራ ዝከላኸል እዩ ኢሎም ዝኣምኑ እዮም። ኣብ ደምበ ተቛውሞ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሑ ንካልኦት ከኣ ናብ ደምበ ተ ቛውሞ በብግዜኡ ዝተጸንበሩ እዮም። ናይ ትምህርትን ተሞክሮን ዓቕሚ ኣለና ኢሎም ነብሶም ዘቕርቡ ይርከብዎም። ገሊኦም ኣብ ኪዳን ዝብሃል ጥርናፈ ፡ ድሒሩ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝተባህለ ጥርናፈ ከም ድልየቶም ዝጸያይቑ ዝነበሩ ንኩሉ ዝጸያየቕዎ ድማ ናብ ካልእ ኢዶም ዘወጣውጡ ኣለዉዎም። ካልኦት ከኣ ገንዘብ ኣለና እሞ ንተቛውሞ ከነስምሮ ኢና
ብዝብል ምኽኒት ሰሚናራት ዘዳልዉ መሲሎም ንተቛውሞ ዝያዳ ክፈላለ ዓቢ ተራ ዘለዎም፣ ወዘተ ንመደብ መሪሕነት ህግደፍ ዝድግፍ ሓሳባት ሒዞም ዝተበገሱ ፡ ከም ህግደፍ ኣብ ወያነ ዓቢ ቅርሕንቲ ዘለዎም ክዀኑ ከለዉ፣ እቲ ዝገርም እሳያስ ምስ ሰተየ ንኤርትራ ናብ ዘይተርክብዋ ከስፍራ እየ ኢሉ ኢሎም ዝትርኹ ከይተረፈ ኣለዉዎም። ንምንቅስ ቓስ “ብርጌድ ንሓመዱ” ከኣ ብዘይ ስክፍታ ግብረ-ሽበራውን እዮም ኢሎም የውርዩ። ብተወሳኺ ህግደፍ ኣብ ዘይምል ከ ቶን ንህዝ ቢ ኤርትራ ዝድንስ እምበር ዘየርብሕ ሕድሕዳዊ ውግእ ኣብ ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ፣ እቲ ዝተገበረ ኢድ ምእታው ንሃገር ምክልኻል እዩ ዝብል ስም ኣጠሚቖም ምስ ሰራዊትና ኢና ዝብሉ ይርከብዎም።
ለ. ገሊኦም ከኣ ንዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት ዝራገሙን ክዂንኑን ዝውዕሉ እዮም።
1. ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ዝዀነ ጽልዋ ዘይብሉ ናይ ኣግኣዝያ ን ምንቅስቓስ ዝ በሃል ን ቃ ወም ኢና ዝብሉ እዮም። ነዚ ምንቅስቓስ እዚ ዘይዓቕሙ ዓቢ ክብደት ክህብዎ ይፍትኑ። ግን ከኣ እዚ ድኹም ምንቅስቓስ እዚ ብልኡኻት ህግደፍ ዝተበገሰ ምዃኑ ክርድእዎ ኣይክኣሉን። ነዚ ከም ምንቅስቓስ ቈ ጺርካ ክሳብ ክንድዚ ምጥርጣር ዘተዓዛዝብ እዩ።
2. ካልኦት ከኣ “ትግራይ ትግርኚትግርኚ” ዝብል መጺኡና ብማለት ከም ሓደ ዓቢ ተረኽቦ ዘቕርቡ እዮም። እዚ ሓሳብ እዚ ክልተ ትግርኛ ዝዛረቡ ብሓደ ኣብ ትሕቲ ኤርትራ ክጥርነፉ ብምሕላን ብእንግሊዛውያን ዝቐረበ ሓሳብ ኰይኑ፣ ግን ከኣ ትግራዎት ባዕላቶም ንሕና ኢትዮጵያውያን ኢና ብምባሎም ሽዑኡ ዝ በርዓነ ናይ ቀደም ትረኻ እዩ። ኣብቲ እዋንቲ ብግስ ከይበለ ዝፈሸለ ምንቅስቓስ ከም ዓቢ ሚዛን ዘለዎ ብምርኣይ ከላዕልዎ ይርኣዩ። እንተዀነ ግን እቲ ዝሓየለ ዝነበረ ናይ “ናይ ኣንድነት” ዳግም ብእሳያስ ዝለዓል ዘሎ ሸለል ይብልዎ። እቲ ኣብዚ እዋንዚ ዝኸፍአ ንልዑላውነት ኤርትራ ዝጻረር ብጉጅለ እሳያስ ዝምራሕ ዘሎ ምዃኑ ከም ጸሓይ ቀትሪ በሪሁ ኣሎ ።
መ. ካልኦት ከኣ ኤርትራውነት ንሳቶም ጥራሕ ዝዕድሉ ይመስሉ ፣ “ብርጌድ ንሓመዱንሓመዱ” ብካልኦት ዘይኤርትራውያን ዝድፋእ ዘሎ እዩ ብምባል ዘይናቱ ክህቡ ዝፍትኑ ኣለዉ። እዚኣቶምእዚኣቶም‘ውን እንተዀነ ይረድኣዮም ኣይረዳኣዮም ምስ ኣዕናዊ ወፈራ ጃንዳ ህግደፍ ይሰማምዑ ኣ ለዉ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣጀንዳ ናይ ህግደፍ ናትና ኢሎም ሒዞም መጒልሕ
ድምጺ ናይ ህግደፍ ናይ ጸልማት ፕሮፖጋንዳ ኰይኖም ከም ዘለዉ ክፈልጡ ይግባእ። “ብርጌድ ንሓመዱንሓመዱ” ኤርትራዊ ተበግሶ ኰይኑ ጸረጸረ’ቲ “ንኣንድነት ንኣንድነት” ከረጋግጽ ዝጽዕር ዘሎ ህግደፍ ምዃኑ መርሚርና ክንፈልጦ ይግብኣና። “ብርጌድ ንሓመዱንሓመዱ” ዝበሃል ምንቅስቓስ ኤርትራዊ ተበግሶ ኰይኑ ጸረጸረ’ቲ “ኣንድነትት” ከረጋግጽ ድቃስ ስኢኑ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ብዕቱብ ዝሰርሕ ዘሎ ምዃኑ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እዩ። ብኣውርኡ እዚ መንእሰያዊ ሓይሊ ዝዓብለሎ ምንቅስቓስ “ብርጌድ ንሓመዱ”፡ እቲ ንነዊሕ እዋን ትንሳኤ መንእሰያት ኤርትራ ክንርእየሉ
ንትስፈዎ ዝነበርና ዓቢ ሃገራዊ ጸጋ፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኣብ እዋን ጉጅለ ህግደፍ ተወሊዱ ዝዓበየን ኣብ ቁራዕ ሕሰም ምሕደራ ዝ ተሃስየን መንእሰይ ክሳብ ሎሚ ከመይ ኢሉ ኣጽቂጢ ኣሎ ብዝብል ይገርመና ነይሩ እዩ ። ይኹን እምበር እዚ ሓይሊ መንእሰይ‘ዚ ከምዚ ኢሉ ምትንስኡ ወላወላ’ኳ ክመዓራረዩ ዝኽእሉ ንኡሳን ሕጽረታት እንተኣለዉዎ ብናይ ኩልና ተሳትፎን እጃምና ምብርካትን ፣ ንቕሓትን ተሞክሮን መንእሰያት በሪኹ ናብ ዓቢ ሃገራዊ ለውጢ
ክሰጋገር ዝኽእል ምንቅስቓስ እዩ።
IV. መደምደምታ
ደምበ ተቛውሞ ክጥንቀቕሉ ዝግባእ ጉዳይ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ ንኤርትራ ይመርሕ ኣለኹ ዝብል መሪሕነት ህግደፍ፣ ንጹር ዕላማ ኣለዎ። ንሱ ከኣ ንኤርትራ ከም ሓንቲ ሃገር ምህናጽ ዘይኰነስ፣ ናይ “ኣንድነት” ኣተሓሳስባ ተኸቲሉ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክሕውሳ እዩ ዝጐዓዝ ዘሎ። ኩሉ ዘረባታት እሳያስ ብዛዕባ ቊጠባ ን መሳርሕታቱን ፡ ከምኡከምኡ’ውን ብዙሕ መስዋእቲ ዝተኸፈሎ ሕቶ ዶብ ፡ ወዘተ ኣመልኪቱ ዝህቦም መግለጺታት ኩሎም ነዚ እዮም ዘረጋግጹ። ስለዚ ደምበ ተቛውሞ ፍልልያት ክህልዎ ንቡር እዩ። ፍልልይና ግን ንኣጀንዳ ህግደፍ ዘ ጐልብት ዘይኰነስ
ዝስዕር ክኸውን ከም ዘ ለዎ ክንሰርሕ ይግብኣና በሃልቲ ኢና።
ክብርና ክምለስ ሓቢርና ንቃለስንቃለስ!!!
ፈጻሚ ኣካል - ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን
(ውሓኤውሓኤ)
Comments
እዋናዊ ጽሑፋት
.jpg)
መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ብፈስቲቫል ዝተመኽነየ ናይ ባእስን Read more
schedule July 19 2023
.jpg)
24 ጉንበት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ታሪኽ ዘንጸፈት ዕለት ኢያ። Read more
schedule July 20 2023
.png)
(OEU) statement on the Current Armed Conflict goin Read more
schedule July 20 2023

ጋዜጣዊ መግለጺ ማእከላይ ባይቶ ው.ሓ.ኤ Read more
schedule July 20 2023
.png)
ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ!! Read more
schedule July 21 2023
.png)
መግለጺ ❼ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more
schedule August 29 2023
Hi! We warmly welcome your valuable opinions in the comment section below! Login