menu

ቃል ሓዘን


ቃል ሓዘን

 ንኽልተ ዓመት መመላእታ ዝኸደ ኣዝዩ ኣዕናዊ ዝዀነ ኲናት ሕድሕድ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ከም ዝነበረ ዓለም ምሉእ ብሓዘን ዝዝክሮ ኲነት እዩ። ስሙ ደኣ ኲናት ሕድሕድ ይበሃል እምበር ህግደፍ ወሲካ ብርክት ዝበሉ ኣካላት ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዘርዩ ነይሮም እዮም። ኦ..ህዝቢ ትግራይ ናይ‘ዚ ኩሉ ዝወረደ መቕዘፍቲ ግዳይ ከም ዝነበርካ ህዝቢ ዓለም ተዓዚቡ ኢዩ። ናይ መነባበሪኻ ንብረት ባዲሙ፣ ብሚእትታት ኣሽሓት ዝቚጸሩ ዝተፈላለየ ዕድመ ዘለዎም ኣካላት ህዝብኻ ክሃልቁ ከለዉ ዓለም ምሉእ ዝርኣዮ ጉዳይ‘ዩ። ውግእ ጠጠው ምስ በለ እውን ቃንዛ እናሃለወካ ንኹሉ ብትዕግስትን ቃንዛን ትሓልፎ ኣለኻ። በቶም ተወሃሂዶም ብመደብ ከጽንቱኻ ዝተሃንደዱ ንምክልኻል፣ መንእሰያትካ ምስ ኣያታቶምን ሳንዳታቶምን ንበረኻ ከም ዝወፈሩ ትፍለጥ ኢኻ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ግዜ ውግእ ብዘይፈጸምዎ በደላት ዝተቐተሉን መሪር መቕዘፍቲ ዝወረዶምን ነብስኻ ኣጸናኒዕካ ተቐቢልካዮ ኢኻ። ብተወሳኺ ንህዝቢ ትግራይ ንኽከላኸልሉ ዝወፈሩ ከይተረፈ ብዙሓት ከም ዝተሰውኡ ግምት ነይሩካ እዩ። ዘይፈለጥካዮም ግን መን ኣበይ መዓስ ተሰዊኡ/ኣ እዩ ነይሩ።

ክቡር ህዝቢ ትግራይ!

ሎሚ ግዜኡ ኣኺሉ ዘይከም ካልኦት ብንቡር መስዋእቲ ደቅኻ ትርዳእ ኣለኻ። ንሕና እምበኣር እዚ ኣጋጣሚ ብምውሳድ ተኻፈልቲ ሓዘንካ ምዃና ክንገልጸልካ ንደል። በጃ ህዝቦም ንዝተሰውኡ ደቅኻ ከኣ በቲ ሓደ መንግስተ-ሰማያት የዋርሶም፣ በቲ ካልእ ድማ ንህዝቦም ራሕሲ ይግደፍሉ። ህዝቢ ትግራይ ድማ ጽንዓት ይሃብካ ንብል።

ለባም ህዝቢ ትግራይ!

ካባኻ እንጽበዮ እምበኣር ነዚ ኣሕዛኒ ኲነታት ብጽንዓት ሓሊፍካ፡ ርእስኻ ሓፍ ኣቢልካ ናብ ብልጽግናን ምዕባለን ዘሳግሩኻ ሰላምን ቅሳነትን ቀይስካ መጻኢኻ ብሩህ ከም እትገብር ኣይንጠራጠርን።

እግዚኣብሔር ጽንዓት ይሃብካ!!!

ክብርና ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ!!!

ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ)

14-10-2023



Comments


Hi! We warmly welcome your valuable opinions in the comment section below! Login

እዋናዊ ጽሑፋት


መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ብፈስቲቫል ዝተመኽነየ ናይ ባእስን Read more

schedule July 19 2023

24 ጉንበት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ታሪኽ ዘንጸፈት ዕለት ኢያ። Read more

schedule July 20 2023

(OEU) statement on the Current Armed Conflict goin Read more

schedule July 20 2023

ጋዜጣዊ መግለጺ ማእከላይ ባይቶ ው.ሓ.ኤ Read more

schedule July 20 2023

ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ!! Read more

schedule July 21 2023

መግለጺ ❼ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more

schedule August 29 2023