ዝተጨውዩ እስራኤላውያን ንምድሓን ኣጋር ሰራዊት ይኣቱ'
ሓይልታት ኣጋር ሰራዊት እስራኤል ብታንክታት ታዓጅቡ ዝጠፍኡ እስራኤላውያን ንምድላይ፡ ኣብ ምድረበዳ ጋዛ ኣትዩ ኣሎ። ወሃቢ ቃል ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ነቲ ከባቢ ብኸቢድ ንምጥቃዕ ክጅምር ምዃኑ ድሕሪ ምጥንቃቑ፡ ነበርቲ ከተማ ጋዛ ናብ ደቡብ ገጾም ክግዕዙ ጀሚሮም ከምዘለዉ ይገልጽ። ኣብ ጋዛ ቁጽሪ ሞት ፍልስጤማውያን ብሰንኪ መጥቃዕቲ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኲናት እስራኤልን ሓማስን ናብ ዝባኣሰ መልክዑ ዓሪጉ'ሎ። ሰብኣዊ ቅልውላው ጋዛ እናዓሞቐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ሰባት ንጥሜት ኣብ ሓደጋ ከምዘለዉ መጠንቀቕታታት ይቐርብ ኣሎ። ኣብ ጋዛ ኣስታት 1800 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም ሓቢሩ። በቲ ኣብ ምድረበዳ ጋዛ እስራኤል እትገብሮ ዘላ መጥቃዕቲ፡ 423 ሽሕ ሰባት ካብ መነባብርኦም ከምዝተመዛበሉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ኣሎ። ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ዝነብሩ 1.1 ሚልዮን ሰባት ካብ ገዝኦም ክወጹ ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብ እስራኤል ዕዶት ኣብ ዝፈጸመሉ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣሜሪካ ምስ ሰበስልጣን እስራኤልን ኣህጉራዊ ትካላት ረድኤትን ኣብ ጋዛ ንዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ሓገዝ ንምብጻሕ ትሰርሕ ከምዘላ ብምግላጽ፡ እስራኤል ንሲቪላት ንኸይትጎድእ ዝከኣሎ ኩሉ ጥንቃቐ ክትገብር ኣተሓሳሲቡ። ኩናት እስራኤልን ሓማስን ብ7 ጥቕምቲ ካብ ዝጅምር ንዳሓር 1,300 እስራኤላውያን ክመቱ እንከለዉ፡ ቁጽሪ ዝቖሰሉ ልዕሊ 3,300 በጺሑ ኣሎ። ሓማስ ሎሚ ኣብ ተልኣቪቭ ዝሓወሰ መጥቃዕቲ ሮኬታት ከካይድ ውዒሉ ኣሎ። በዚ ካብ ሓማስ ዝትኮስ ዘሎ መጥቃዕቲ ሮኬት ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ነበርቲ እስራኤል ኣብ ከቢድ ሻቑለት ይርከባ። ብፍላይ ኣብ ከተማታት ኣሽኮሎም፡ ባርሸቫን ሉድን ከባቢኣን ዝነብሩ ኤርትራውያን በቲ ኩነታት ኣዝዮም ተጸልዮም ይርከቡ። ኣብ እስራኤል ኣስታት 17 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ይፍለጥ። ምስዚ ዝተኣሳሰር ዜና ኣብ ሰሜናዊ ዶብ እስራኤል ምስ ሊባኖሳዊ ሂዝቦላህን ሎሚ ዓርቢ ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ ከምዝነበረ ኣፈኛ ሰራዊት እስራኤል ኣፍሊጡ። መዳፍዕን ታንክን እስራኤል ካብ ውሽጢ መሬት ሊባኖስ ንዝተተኮሰ ሚሳኢላይ ምላሽ ንምሃብ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ናብ ዝርከቡ ወተሃደራዊ መደበራት ሂዝቦላህ ኣጥቂዖም።
Comments
እዋናዊ ጽሑፋት
.jpg)
መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ብፈስቲቫል ዝተመኽነየ ናይ ባእስን Read more
schedule July 19 2023
.jpg)
24 ጉንበት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ታሪኽ ዘንጸፈት ዕለት ኢያ። Read more
schedule July 20 2023
.png)
(OEU) statement on the Current Armed Conflict goin Read more
schedule July 20 2023

ጋዜጣዊ መግለጺ ማእከላይ ባይቶ ው.ሓ.ኤ Read more
schedule July 20 2023
.png)
ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ!! Read more
schedule July 21 2023
.png)
መግለጺ ❼ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more
schedule August 29 2023
Hi! We warmly welcome your valuable opinions in the comment section below! Login