ስራኤል ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ የዕለቕልቕ
ዕጡቕ ጉጅለ ሂዝቦላህ ናይ ሊባኖስ ትማሊ ናብ እስራኤል ምሳኢላት ድሕሪ ምትኳሱ፡ሰራዊት እስራኤል ሎሚ ሮቡዕ ኣብ ሊባኖስ ክድብድብ ውዒሉ። ካብ መሬት ሊባኖስ ኣብ ዶብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር እስራኤል ጸረ ታንክታት ሚሳይላት ከምዝተተኮሰሉ ኣሃዱ ኣፈኛ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣፍሊጡ። ድሕሪቲ 15 ሮኬታት ካብ ሊባኖስ ዝተተኮሰ ጸረ ታንኪ፡ ሶርያ ውን ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ብዙሓት ሞርታራት ናብ እስራኤል ከምዝተኮሰት ይግለጽ። ኩናት እስራኤልን ሓማስን 5ይ ማዓልቱ ሑዙ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ክሳብ ሕጂ 1200 እስራኤላውያን ክቕተሉ እንከለዉ፡
ልዕሊ 3,000 ድማ ቆሲሎም። ሰሜን እስራኤል ካብ ሊባኖስን ሶርያን ብዝመጻ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣዕለቕሊቑ ከምዘሎን፡እንተላይ ኣብ ቲቤርያስ፡ ሳፈድ፡ ቤት ሸንን ካልኦት ከባቢታትን መጠንቀቕታታት ምእታው ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ይስማዕ ከምዘሎ ማዕከናት ዜና እስራኤል ይገልጽ። እስራኤል ትማሊ ረቡዕ ንሓማስ ካብ ሱሩ ንምውጋድ ጋዛ ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን እቶም ዕጡቓት ድሕሪ እቲ ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕቶም ገና ይዋግኡ ከምዘለዉ ገሊጾም። እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነበሩ ዕቑር ሰራዊት እስራኤል ብመንገዲ ኣየር እስራኤል ናብ ዓዶም ይምለሱ ምህላዎም ይፍለጥ። ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁን መራሒ ሰልፊ ሃገራዊ ሓድነት ቤኒ ጋንትዝን ትማሊ ረቡዕ ኣብ እዋን ኲናት ህጹጽ መንግስቲ ንምቛም ፍሉይ ስምምዕ ከምዝገበሩ ኣፍሊጦም።
Comments
እዋናዊ ጽሑፋት
.jpg)
መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ብፈስቲቫል ዝተመኽነየ ናይ ባእስን Read more
schedule July 19 2023
.jpg)
24 ጉንበት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ታሪኽ ዘንጸፈት ዕለት ኢያ። Read more
schedule July 20 2023
.png)
(OEU) statement on the Current Armed Conflict goin Read more
schedule July 20 2023

ጋዜጣዊ መግለጺ ማእከላይ ባይቶ ው.ሓ.ኤ Read more
schedule July 20 2023
.png)
ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ!! Read more
schedule July 21 2023
.png)
መግለጺ ❼ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more
schedule August 29 2023
Hi! We warmly welcome your valuable opinions in the comment section below! Login