menu

ስራኤል ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ የዕለቕልቕ


ዕጡቕ ጉጅለ ሂዝቦላህ ናይ ሊባኖስ ትማሊ ናብ እስራኤል ምሳኢላት ድሕሪ ምትኳሱ፡ሰራዊት እስራኤል ሎሚ ሮቡዕ ኣብ ሊባኖስ ክድብድብ ውዒሉ። ካብ መሬት ሊባኖስ ኣብ ዶብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር እስራኤል ጸረ ታንክታት ሚሳይላት ከምዝተተኮሰሉ ኣሃዱ ኣፈኛ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣፍሊጡ። ድሕሪቲ 15 ሮኬታት ካብ ሊባኖስ ዝተተኮሰ ጸረ ታንኪ፡ ሶርያ ውን ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ብዙሓት ሞርታራት ናብ እስራኤል ከምዝተኮሰት ይግለጽ። ኩናት እስራኤልን ሓማስን 5ይ ማዓልቱ ሑዙ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ክሳብ ሕጂ 1200 እስራኤላውያን ክቕተሉ እንከለዉ፡

 ልዕሊ 3,000 ድማ ቆሲሎም። ሰሜን እስራኤል ካብ ሊባኖስን ሶርያን ብዝመጻ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣዕለቕሊቑ ከምዘሎን፡እንተላይ ኣብ ቲቤርያስ፡ ሳፈድ፡ ቤት ሸንን ካልኦት ከባቢታትን መጠንቀቕታታት ምእታው ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ይስማዕ ከምዘሎ ማዕከናት ዜና እስራኤል ይገልጽ። እስራኤል ትማሊ ረቡዕ ንሓማስ ካብ ሱሩ ንምውጋድ ጋዛ ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን እቶም ዕጡቓት ድሕሪ እቲ ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕቶም ገና ይዋግኡ ከምዘለዉ ገሊጾም። እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነበሩ ዕቑር ሰራዊት እስራኤል ብመንገዲ ኣየር እስራኤል ናብ ዓዶም ይምለሱ ምህላዎም ይፍለጥ። ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁን መራሒ ሰልፊ ሃገራዊ ሓድነት ቤኒ ጋንትዝን ትማሊ ረቡዕ ኣብ እዋን ኲናት ህጹጽ መንግስቲ ንምቛም ፍሉይ ስምምዕ ከምዝገበሩ ኣፍሊጦም።

Comments


Hi! We warmly welcome your valuable opinions in the comment section below! Login

እዋናዊ ጽሑፋት


መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ብፈስቲቫል ዝተመኽነየ ናይ ባእስን Read more

schedule July 19 2023

24 ጉንበት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ታሪኽ ዘንጸፈት ዕለት ኢያ። Read more

schedule July 20 2023

(OEU) statement on the Current Armed Conflict goin Read more

schedule July 20 2023

ጋዜጣዊ መግለጺ ማእከላይ ባይቶ ው.ሓ.ኤ Read more

schedule July 20 2023

ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ!! Read more

schedule July 21 2023

መግለጺ ❼ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more

schedule August 29 2023