መንግስቲ ኢትዮጵያ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝቖመሉ ሕግታት ከተኽብር ግዴታ ኣለዋ
መንግስቲ ኢትዮጵያ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝቖመሉ ሕግታት ከተኽብር ግዴታ ኣለዋ
ህዝቢ ኤርትራ ምሉእ ናጽነቱ ንምውሓስ ብ1961 ናብ ብረታዊ ቃልሲ ኣተወ። ድሕሪ ናይ 30 ዓመት መሪር ተጋድሎ ከኣ ብ1991 ነቲ ብብዝሑን ዕጥቁን ዝምካሕን ዘይሰዓር ዝመስሎ ዝነበረ ጸላኢ ብቕልጽሙ ደምሲሱ ናጽነቱ ዓተረ። ብመገዲ ህዝበ-ውከሳ ገይሩ ከኣ ሃገሩ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ክትከውን በቒዓ እያ። ብምዃኑ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊት ስድራ-ቤት ክቡር ሂወታ ዝኸፈለትላ፣ ኤርትራ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ/ት ዜጋ ብጽሒት ምዃና ዘካትዕ ጉዳይ ኣይኰነን።
ታሪኽ እንተተወከስና፣ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ኩለን እተን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ሕንጹጽ ዶባተን ሒዘን ዝተመስረታ ሃገራት እየን። እዞም ዶባት እዚኣቶም ብዓሌትን ካልእ ክብርታት ዘተኣሳስሮም ኣሕዋት ዝዀኑ ኣህዛብ ዝፈላሊ ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን ናይ ቅድሚ መግዛእቲ
ዝነበረ ኲነታት ንምምላስ ዝፈጥሮ ጸገማት ብምርዳእ ናይ ሎሚ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ 1964 ኣኼብኡ ነቶም ብመግዛእቲ ዝተሰርሑ ዶባት ቅቡላት ገይርዎም ይርከብ። በዚ መሰረት እዘን ሃገራት እዚኤን ሕድሕዳዊ ልኡላዊ ሃገራዊ ህልውናኤን ብምኽባርን ምርድዳእን ይነብራ አለዋ።
ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር ምስ ኩለን ጎረባብትና ዘለዋ ሃገራት ዘሎዎ ታሪኻውን፣ ሕውነታውን፣ ዓሌታውን ዝምድናታት ብምኽባር ብሰላምን ምርግጋእን ክነብር እቲ ብቐዳምነት ዝሰርዖ ባህጉ ኢዩ። ብዋጋ ሃገራዊ ልዑላውነት ኤርትራን፣ ሐድነት መላእ ህዝቢ ኤርትራን ብምጽራር ስዉር ዕላምኡ ከረጋግጽ ዝሓልም እንተልዩ ግን፣ ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ዘይመሃር ነቲ ናይ ቅድም ደም ምፍሳስ ዝዕድም ኣካል ጥራይ ኢዩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ብሚኒስትሪ ምክልኻልን ተወዲቡ 24 መስከረም ዝተኻየደ ዋዕላ፣ ብጉዳይ ሕቶ ውነና ወደብን ጸጥታ ባሕርን ኣመልኪቱ ዝተጋብኤ ዋዕላ፣ ብቀጻሊ ዝቃላሕ ዘሎ ናይ ዕዳጋ ምስጢር ኮይኑ ይርከብ። ኣብ 2018 ኣብ መንጎ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን፣ ህዝብና ዘይፈልጦ ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ኢትዮጵያ ናይ ወደብ ክትረክብ ተጠቒሱ ነይሩ። ቀጺሉ ብኣብይ ኣሕመድ ከምኡ’ውን ካልኦት ዓበይቲ ሓለፍቲን ዝገልጽዎ፣ ኢትዮጵያ፣ ማዕረ’ተን ካልኦት ንቀይሕ ባሕሪ ዝጓየያሉ ዘለዋ ሓያላን ሃገራት፣ ሓያል እትኾነሉ ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ጽልዋ ምስ ዝህልዋ ኢዩ ብምባል ክምድሩ ይርከቡ።
እቲ ዝያዳ ዘሕዝንን ዘተሐሳስብን ጉዳይ ፣ ስርዓት ኢሳያስን ጉጅልኡን፣ ኤምባሲታቱን ነዚ ብግሉጽ መራሕቲ ኢትዮጵያ ብውግዓዊ ኣኼባታትን ብውልቀን፣ ንህዝቢ ኤርትራ ዋንነቱ መንዚዕና ዋናታት ቀይሕ ባሕሪ እንኾነሉ ምቹእ መድረኽን ግዜን ሕጂ ኢዩ ብምባል ውጥም ቅልቅል ዝብሉ ዘለዉ ዝኾነ ወግዓዊ መግለጺ ከቕርቡ ዘይምኻሎም ኢዩ። ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ እትዮጵያ ዘሎ’ውን መግለጺኡ ከቕርብ ኣይተራእየን። እቲ ከዳዕ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ’ኳ ነቲ ብገንዘብን ንብረትን ህዝቢ ኤርትራ ዘዕብዮ ዝነበረ ብርሃኑ ነጋ መልሲ ዘይምሃቡ፣ ምስ ርእይቶ ብርሃኑ ነጋ ከምዝረዓመ ዝሕብር ኢዩ። ብርሃኑ ነጋ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ ብርሃኑ ነጋ ሓደ ካብቶም ብልዕላውነት ኤርትራ ዘይኣምኑ ምዃኑ እናፈለጠ፣ ህዝብና ብጥምየት እናተሳቐየ ብገንዘብን ንብረትን ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ምንቅስቓሱ ኣንጻር ኢህወደግ ከካይድ ዝገበሮ፣ ዘይሓላፍነታውን ኣንጻር ልዕላውነትን ረብሓን ህዝቢ ኤርትራ ምንባሩ ብሩህ ኢዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ተቓለስቲ ንፍትሒ ድማ ብፍላይ ክንግንዘቦ ዘሎና፣ ከዳዕ ኢሳያስን ጉጅልኡን ንልዕላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘሳጥሐን፣ ንህዝብና ብፍላይ’ውን ነቲ ተካኢ ወለዶ ዘጽንት ዘሎን፣ ነቶም ንልዕላውነት ኤርትራ ዝደፍሩ ዘለዉ ከቃልሖም ከምዘይደሊ ክንግንዘብ ኣሎና። ከዳዕ ኢሳያስ፣ ነቶም ህዝብናን
ደቅናን ክጥዕሞም ኢሎም፣ ብጅግንነት ቅያ ሰሪሖም ፈጺሞም ዝሐለፉን ዝሰንከሉን ዝጠለመ ጥራይ ዘይኮነስ ብጥይት ዝረሸኖም ክርሳዕ ዘይብሉ ገበን ኢዩ። ኢሳያስን ስርዓቱን ጸረ ሐድነት ህዝቢ ኤርትራን፣ ከም ሃገር ከአ ጸረ ልዕላውነታን ኢዩ። ካብዚ ዝስዕብ ነጥብታት ብምንቃል፣
1. ኣብ 2018 ኣብ መንጎ ጉጅለ እሳያስን መራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያን እንታይ ስምምዕ ተበጺሑ ብዘየግድስ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሓብአ ስለ ዝዀነ ንጹግ ምዃኑ ብምስማር፣
2. ናይ ሎሚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘቖመ ሕግታት ከተኽብር ግዴታኣ ምዃኑ\ ብምስትውዓል፣ ንግዴታኣ ዕሽሽ ብምባል ንዓንቀጽ 2/4 ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዝጥሕስ መግለጺታት በቶም ዝለዓሉ ሰብ-መዚ መንግስቲ ከውጽእ ንሰምዕ ብምህላውና፣
3. ንባሕሪ ኣፍደገ ዘይብላ ሃገር ካብን ናብን ባሕሪ ክትመሓላለፈሉ እትኽእል ኣገባብን መሰልን ኣለዋ። ንኣጠቓቕምኡ ዝምልከት ኣብ ናይ ባሕሪ ኣህጉራዊ ሕጊ ሰፊሩ ስለ ዘሎ ብእኡ መሰረት ክዝተየሉን ምርድዳእ ክብጽሓሉን ከም ዝከኣል ብምሕባር፣
4. እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ንከባቢና ሰላምን ጸጥታን ብዝገደደ መልክዑ ዝዘርግ ምዃኑ ብምጥንቃቕ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዞም ልዕል ኢሎም ዝተጠቕሱ ኣብ ግምት ወሲዱ ከምቲ ኣብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቻርተር ዓንቀጽ 33/1 ሰፊሩ ዘሎ ብሕግን ብዘተን ዝምድና ክፈጥርን ከደልድልን ብእኡ ገይሩ ድማ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ጸጥታን ክሰፍን ክሰርሕ ንጽውዕ።
ኣብ መወዳእታ ክንብሎ እንደሊ፣ ህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ምርግጋእን አብ መንጎ ጎረባብትናን አሕዋት ህዝብታት አገዳሲ ምዃኑ ዝእምን ህዝቢ ኢዩ። ነዚ ብተደጋጋሚ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐርብ ዘሎ ሕቶ ምውናን ወደብን ኣፍደገ ባሕርን፣ ነቲ ንልዕላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘሳጥሕ ዘሎ ጉጅለ ኢሳያስ (ህግደፍ) ዝግደፍ ጉዳይ ከምዘይኮነ ብምግንዛብ፣ ንኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ለለ ዘገድሰና፣ መላእ ሕብረተሰብአዊ ሐይልታት ኤርትራ ምስ ኩሉ ብዙሕነታዊ አቃውማኡ ሐቢሩ ክልዓል ንጽውዕ። ነዞም ደግሲ ሕማም ዝሓዞም ኢትዮጵያውያን፣ ነቲ ናይ ቀደም ደም ምፍሳስ ዝጠልቡ ፣ እንብሎ እንተሎ፣ ንሕና ጸረ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣይኮናን። ኤርትራ ግን ምስ ኩሉ ዶባትን፣ ባሕራን ኣየራን ናይ ኤርትራውያን ኢያ።
ክብርና ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ!!!
ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን
09-10-2023
Comments
እዋናዊ ጽሑፋት
.jpg)
መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ብፈስቲቫል ዝተመኽነየ ናይ ባእስን Read more
schedule July 19 2023
.jpg)
24 ጉንበት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ታሪኽ ዘንጸፈት ዕለት ኢያ። Read more
schedule July 20 2023
.png)
(OEU) statement on the Current Armed Conflict goin Read more
schedule July 20 2023

ጋዜጣዊ መግለጺ ማእከላይ ባይቶ ው.ሓ.ኤ Read more
schedule July 20 2023
.png)
ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ!! Read more
schedule July 21 2023
.png)
መግለጺ ❼ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more
schedule August 29 2023
Hi! We warmly welcome your valuable opinions in the comment section below! Login