ህዝቢ ኣብ ውሽጢ 72 ሳዓታት ዘድሊ መግብን ማይን ኣብ ገዝኡ ከዳሉ ከምዘለዎ መምርሒ ኣውሪዱ ኣሎ።
ኲናት እስራኤልን ሓማስን ንሳልሳይ መዓልቲ ኣብ ዝሕዘሉ ዘሎ ረጽሚ ክልቲኦም ሓይልታት ኣብ ጥቓ ደቡባዊት ከተማ ሚሽማር ሃነገቭን ካብ ዶብ ጋዛ ኣስታት 25 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ራሃትን ብሓያል መልክዑ ይግለጽ ምህላዉ ተገሊጹ። ኲናት ክልቲኦም ሓይልታት ካብ ዝጅምር ንዳሓር ክሳብ ሕጂ ብውሕዱ 900 እስራኤላውያን ተቐቲሎም ኣለዉ። ሓማስ ሰራዊት ምክልኻል ኣስራኤል ኣብ ምድረበዳ ጋዛ ዝገብሮ ዘሎ መጥቃዕቲ ደው እንተዘይኢሉ ነቶም ጅሆ ሒዝዎም ዘሎ እስራኤላውያን ምቕታል ክጅምር ምዃኑ ከምዘፍለጠ ማዕከናት ዜና እስራኤል ይገልጻ ኣለዋ። ጉጅለታት ሓማስ ኣብ ስትሪፕ 130 እስራኤላውያን ጅሆ ሒዞም ከምዘለዉ ይገልጽ። ድሕሪ ኣዋጅ ኲናት እስራኤል ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ (300,000 ዕቁር ሰራዊት ኣብ ውሽጢ 48 ሳዓታት ናብ ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ተጸንቢሮም ከምዘለዉ ትገልጽ። ካልእ እቶም ናይ ክተት ጻዊዒት ዝተቐበሉ ኣብ ወጻእ ሃገር ኬዶም ዝጸንሑ ዕቑር ሰራዊት እስራኤል፡ ብሰንኪ ኲናት ደው ኢሊ ዘሎ በረራ ነፈርቲ መምለሲ ስኢኖም ክሳብ ሕጂ ይጽበዩ ምህላዎ ይፍለጥ። ኣብ ቃዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ክሳብ ሕጂ ቁጽሪ ምውታት ሓማስ ብንጹር ዝተገልጸ ነገር እኳ እንተዘይሃለወ እቲ ኲናት ግን ኣመና ከቢድ ዕንወት የውርድ ከምዘሎ ብዙሓት ማዕከናት ዜና ይገልጻ። ኣሜሪካ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ትሽዓተ ዜጋታት ኣመሪካ ከምዝሞቱ ኣረጋጊጻላ። ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኑ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ሓማስ ንፍልስጤማውያን ዝወሃብ ዝነበረ 728 ሚልዮን ዶላር ገንዘባዊ ደገፍ ደው ኣቢልዎ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ኣሜሪካ መራኽብ ውግእ ናብ እስራኤል ኣብተጸጋዓሉ ዘላ እዋን፡ ሳልሳይ ሓይልታት ኣብዚ ግጭት ምእታው ሓደግኡ ክዓቢ ከምዝኽእል ወሃቢ ቃል ሩስያ ዲሚትሪ ፔስኮቭ ኣጠንቒቑ ኣሎ። እዚ ኩናት እዚ ናብ ዝላዓለ ጥርዙ ክበጽሕ ከምዝክእል ዘሎ ስግኣት መንግስቲ እስራኤል ኣውጺእዎ ዘሎ ሓበሬታ ኩልና ኤርትራውያን ነበርቲ እስራኤል ብጥንቃቀ ክንሪኦ ይግባእ።
ህዝቢ ኣብ ውሽጢ 72 ሳዓታት ዘድሊ መግብን ማይን ኣብ ገዝኡ ከዳሉ ከምዘለዎ መምርሒ ኣውሪዱ ኣሎ። ምስዚ ዝተኣሳሰር ጥረ ገንዘብን ውሑስ ዝኾነ ምዕቖብን ካልእን ኣገዛሲ ናይ እዋን ሓደጋ ርእሰ ምድላዋት ክግበር ኣዚዙ ኣሎ።
Comments
እዋናዊ ጽሑፋት
.jpg)
መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ብፈስቲቫል ዝተመኽነየ ናይ ባእስን Read more
schedule July 19 2023
.jpg)
24 ጉንበት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ታሪኽ ዘንጸፈት ዕለት ኢያ። Read more
schedule July 20 2023
.png)
(OEU) statement on the Current Armed Conflict goin Read more
schedule July 20 2023

ጋዜጣዊ መግለጺ ማእከላይ ባይቶ ው.ሓ.ኤ Read more
schedule July 20 2023
.png)
ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ!! Read more
schedule July 21 2023
.png)
መግለጺ ❼ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more
schedule August 29 2023
Hi! We warmly welcome your valuable opinions in the comment section below! Login