መግለጺ ደገፍ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ንህዝብን መንግስትን እስራኤል
መግለጺ ደገፍ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ንህዝብን መንግስትን እስራኤል
እዚ ትማሊ ቀዳም ዕለት 7 ጥቅምቲ ናይ ንግሆ ዝጀመረ መጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብትሪ ንኹንን። ነዚ
ኣብ ናይ ጸሎት መዓልቲ ቀዳም ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሲዒቡ ኣብ ልዕሊ ህጻናትን ሽማግለታትን ደቂ ኣንስትዮን
ሲቪላውያን ዝተፈጸመ ኣረመንነት ዝመልኦ መቅተልትን መጭወይትን ዕንወትን ፍጹም ግብረ ሽበራ ምዃኑ ነስምረሉ።
እዚ መጥቃዕቲ እዚ ኣብ ልዕሊ ዩሁዲ እስራኤል ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ነበርቲ እስራኤል ኢዩ። ነዚ መርኣያ
ዝኾነና ድማ ተቀቲሉ ዘሎ ካምቦድያዊ ተመሃራይን ተጨውዮም ዘለው 2 ታይላንዳውያን ሰራሕተኛታት ምስክር
ኢዮም። ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ወሪዱ ዘሎ ሓደጋ ብሓፈሻ ኣብ ንጹሃት ሰለማውያን ወሪዱ
ዘሎ ሞትን መቁሰልትን መጭወይትን ድማ ብፍላይ ኣትሪርና እናኾነን።
ስለዝኾነ ድማ:-
● ህዝቢ ዓለም ነዚ ባርባራዊ መጥቃዕቲ ዕጡቃት ሓማስን እስላማዊ ጂሃድን ከምኡ'ውን ደገፍቶም ክኹንን፡
ዝግባእ መቅጻዕቲ ክገብርን ንጽውዕ። ከምኡ'ውን እስራኤል ነብሳ ኣብ ምክልኻል እትገብሮ ዘላ ጸረ-መጥቃዕቲ
መላእ መንግስታት ዓለም ዝግባእ ደገፍ ክገብራ ንጽውዕ።
● ኣብ እስራኤል ኣብ ናይ ኤርትራ ኮሚኒቲ ኣብ ዝተፈጥረ ግጭት ፖሊስ እስራኤልን ውሃብቲ ናይ ጥዕና
ኣገልግሎትን ዝገበርዎ ጻዕሪ ሂወት ብዙሓት ኤርትራውያን ኣድሒኖም ኢዮም። ንሕና ከም ውድብ እዚ ዓቢ
ኣበርክቶ እዚ ኣዕዚዝና ኢና እንሪኦ። ኣብ'ዚ ሕጂ ብፈጠርቲ ራዕዲ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ሰላም ንምውሓስን
ነብሰ ምክልኻልን ህዝብን ሰራዊትን እስራኤል ኣብ ዘካይድዎ ዘለው ምርብራብ ኣብ ጎድኒ ህዝብን መንግስትን
ምስላፍ ሞራላዊ ግደታ ጥራይ ዘይኮነ ልዕሊ 17ሽሕ ኤርትራውያን ዜጋታት ዝነብሩላ ሃገረ እስራኤል ናይ
ህላወ ጉዳይ'ውን ኢዩ።
● ንዝሞቱ መንግስተሰማያት፡ ንዝቆሰሉ ቅልጡፍ ሕውየት፡ ንተጨውዮም ዘለው ድማ እዝጊኣቢሄር ጽላሉ
የውርደሎም፡ ንስድራቤት ግዳያት ድማ ጽንዓት ይሃብኩም ንብል።
ፈጻሚ ኣካል -ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን
8ጥቅምቲ 2023
Comments
እዋናዊ ጽሑፋት
.jpg)
መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ብፈስቲቫል ዝተመኽነየ ናይ ባእስን Read more
schedule July 19 2023
.jpg)
24 ጉንበት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ታሪኽ ዘንጸፈት ዕለት ኢያ። Read more
schedule July 20 2023
.png)
(OEU) statement on the Current Armed Conflict goin Read more
schedule July 20 2023

ጋዜጣዊ መግለጺ ማእከላይ ባይቶ ው.ሓ.ኤ Read more
schedule July 20 2023
.png)
ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ!! Read more
schedule July 21 2023
.png)
መግለጺ ❼ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more
schedule August 29 2023
Hi! We warmly welcome your valuable opinions in the comment section below! Login