menu

ኣባላት በርጌድ ንሓመዱ ዞባ እስራኤል ምስ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ብምውህሃድ ጉልበታዊ ድጋፍ ጌሮም።


ብሰንኪ እቲ ኣብ ኣብ መንጎ እስራኤልን ዕጡቓት ሓማስን ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ብዝሒ ዝመቱን ዝተመዛበሉን እንዳዛየደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ነቶም ዝተመዛበሉ እስራኤላውያን ኣድላይ ምድግጋፍ ይገብሩ ኣለዉ።

ኣባላት በርጌድ ንሓመዱ ዞባ እስራኤል ምስ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ብምውህሃድ ሎሚ 8 /10/2023 ካብ ገበርቲ ሰናይ ዝተዋጽኤ ንብረት ናብ ተመዛበልቲ ክበጽሕ ኣብ መካይን ምጽዓን ክደጋገፉ ውዒሎም።

ኲናት እስራኤልን ጉጅለ ሓማስን ኣብ ቃዛ ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ብምህላዉ ቁጽሪ ግዳያት ይውስክ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ካብ እስራኤላውያን ዝመቱ 700 ክበጽሕ እንከሎ፡ 2156 ድማ ቆሲሎም።

ካብዚኦም እቶም 358 ኣብ ከቢድ ኩነታት ዘለዉ እዮም።

ልዕሊ 100 እስራኤላውያን፡ ወተሃደራት ዝርከብዎም ሲቪልያን ብሓማስ ተጨውዮም ከምዘለዉን፡ ብዙሓት ድማ ክሳብ ሕጂ ዳሃይ ዘይብሎም ምህላዎም ተፈሊጡ።


እቲ ኲናት ብዝከበደ መልክዑ ይቅጽል ኣብዘለወሉ እዋን እስራኤል ኣጋርን መካናዝድ ሓይልን ኣሰሊፋ ተካይዶ ካምዘላን ልዕሊ 50 ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ይሳተፋ ከምዘለዋ ዋሃቢ ቃል ሰራዊት እስራኤል ይገልጽ።

ሕነ ኣብ ምፍዳይ ዘላ እስራኤል ብመጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ኣብ ምድረበዳ ጋዛ ብውሕዱ 370 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 2200 ምቑሳሎም ምኒስትሪ ጥዕና ጋዛ ገሊጹ ክትብል ማዕከን ዜና BBC ትገልጽ።


መጥቃዕቲ ሓማስ፡ ኣብ ታሪኽ እስራኤል ዝዓበየ ውድቀት ስለያ ክብሉ ብዙሓት ተንተንቲ ፖሎቲካ ይገልጹ።

Comments


Hi! We warmly welcome your valuable opinions in the comment section below! Login

እዋናዊ ጽሑፋት


መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ብፈስቲቫል ዝተመኽነየ ናይ ባእስን Read more

schedule July 19 2023

24 ጉንበት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ታሪኽ ዘንጸፈት ዕለት ኢያ። Read more

schedule July 20 2023

(OEU) statement on the Current Armed Conflict goin Read more

schedule July 20 2023

ጋዜጣዊ መግለጺ ማእከላይ ባይቶ ው.ሓ.ኤ Read more

schedule July 20 2023

ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ!! Read more

schedule July 21 2023

መግለጺ ❼ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more

schedule August 29 2023