menu

ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍሊስጠማዊ ጉጅለ ሓማስን ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ቀጺሉ ውዒሉ ኣሎ።


ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍሊስጠማዊ ጉጅለ ሓማስን ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ቀጺሉ ውዒሉ ኣሎ። ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ እስራኤላውያን ብዕጡቓት ፍልስጤማውያን ኣብ መሬት እስራኤል ተራእዩ ዘይፈልጥ መጥቃዕቲ ወሪዱዎም ኣሎ። ኣብዚ ሎሚ ዕለት 7/10/2023 ዝካየድ ዘሎ ኲናት ክሳብ ሕጂ 200 እስራኤላውያን ምማቶም ኣስታት 1104 ቆሲሎም ከምዘለዉ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ እስራኤል ኣብ ኲናት ከምዘላ ኣብ ዝኣወጀሉ እዋን፡ ጉጅለ ሓማስ ናብታ ሃገር ኣትዮም ንከተማታት ደቡብ እስራኤል ሑዞም ከምዘለዉ ኣፍሊጡ። መጥቃዕቲ ረኼት ሓማስ ናብ ከተማ ቴልኣቪቭ ሓዊሱ ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብኣቆጻጽራ እስራኤል ሳዓት 8:00 ናይ ምሸት ብዝሒ ቦምባታት ክትኾስ ኣምስዩ ኣሎ። ሲቪላንን ወተሃደራትን እስራኤል ኣብ ጋዛ ጅሆ ተታሒዞም ከምዝነበሩ ወሃቢ ቃል ሰራዊት እታ ሃገር ገሊጹ። እስራኤል ኣብ ምድረበዳ ጋዛ ብዘካየደቶ ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ኣስታት 200 ሰባት ከምዝተቐትሉ ማዕከን ዜና BBC ይገልጽ። ሰራዊት እስራኤል ነቶም ኣብታ ሃገር ሰሊኾም ዘለዉ ዕጡቛት ሓማስ ንምህዳን ሓያል ወፍሪ የካይድ ኣሎ። በዚ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ኲናት ብዙሓት ትካላት ቤት ትምህታትን ክዕጾ ተገዲዱ ኣሎ።

Comments


Hi! We warmly welcome your valuable opinions in the comment section below! Login

እዋናዊ ጽሑፋት


መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ብፈስቲቫል ዝተመኽነየ ናይ ባእስን Read more

schedule July 19 2023

24 ጉንበት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ታሪኽ ዘንጸፈት ዕለት ኢያ። Read more

schedule July 20 2023

(OEU) statement on the Current Armed Conflict goin Read more

schedule July 20 2023

ጋዜጣዊ መግለጺ ማእከላይ ባይቶ ው.ሓ.ኤ Read more

schedule July 20 2023

ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ!! Read more

schedule July 21 2023

መግለጺ ❼ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more

schedule August 29 2023