ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍሊስጠማዊ ጉጅለ ሓማስን ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ቀጺሉ ውዒሉ ኣሎ።
ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍሊስጠማዊ ጉጅለ ሓማስን ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ቀጺሉ ውዒሉ ኣሎ። ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ እስራኤላውያን ብዕጡቓት ፍልስጤማውያን ኣብ መሬት እስራኤል ተራእዩ ዘይፈልጥ መጥቃዕቲ ወሪዱዎም ኣሎ። ኣብዚ ሎሚ ዕለት 7/10/2023 ዝካየድ ዘሎ ኲናት ክሳብ ሕጂ 200 እስራኤላውያን ምማቶም ኣስታት 1104 ቆሲሎም ከምዘለዉ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ እስራኤል ኣብ ኲናት ከምዘላ ኣብ ዝኣወጀሉ እዋን፡ ጉጅለ ሓማስ ናብታ ሃገር ኣትዮም ንከተማታት ደቡብ እስራኤል ሑዞም ከምዘለዉ ኣፍሊጡ። መጥቃዕቲ ረኼት ሓማስ ናብ ከተማ ቴልኣቪቭ ሓዊሱ ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብኣቆጻጽራ እስራኤል ሳዓት 8:00 ናይ ምሸት ብዝሒ ቦምባታት ክትኾስ ኣምስዩ ኣሎ። ሲቪላንን ወተሃደራትን እስራኤል ኣብ ጋዛ ጅሆ ተታሒዞም ከምዝነበሩ ወሃቢ ቃል ሰራዊት እታ ሃገር ገሊጹ። እስራኤል ኣብ ምድረበዳ ጋዛ ብዘካየደቶ ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ኣስታት 200 ሰባት ከምዝተቐትሉ ማዕከን ዜና BBC ይገልጽ። ሰራዊት እስራኤል ነቶም ኣብታ ሃገር ሰሊኾም ዘለዉ ዕጡቛት ሓማስ ንምህዳን ሓያል ወፍሪ የካይድ ኣሎ። በዚ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ኲናት ብዙሓት ትካላት ቤት ትምህታትን ክዕጾ ተገዲዱ ኣሎ።
Comments
እዋናዊ ጽሑፋት
.jpg)
መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ብፈስቲቫል ዝተመኽነየ ናይ ባእስን Read more
schedule July 19 2023
.jpg)
24 ጉንበት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ታሪኽ ዘንጸፈት ዕለት ኢያ። Read more
schedule July 20 2023
.png)
(OEU) statement on the Current Armed Conflict goin Read more
schedule July 20 2023

ጋዜጣዊ መግለጺ ማእከላይ ባይቶ ው.ሓ.ኤ Read more
schedule July 20 2023
.png)
ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ!! Read more
schedule July 21 2023
.png)
መግለጺ ❼ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more
schedule August 29 2023
Hi! We warmly welcome your valuable opinions in the comment section below! Login