menu

ናይ ድጋፍ መግለጺ ካብ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ::


ERITREAN COALITION FOR DEMOCRATIC CHANGE

ናይ ድጋፍ መግለጺ ካብ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ::

ንሕና ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ኣስማትና ተዘርዚሩ ዘሎ ዓሰርተ ሓደ (11) ጥርናፈታት ወይ ውድባት: ክንዮ ውድባዊ ሓጹር ረብሓን ዕብየትን ህዝቢ ኤርትራ ዘማእከለ ቃልሲ ንምኽያድ: ካብ ሚያዝያ 2023 ጀሚርና ብልፍንቲ ንቃለስ ዘለና ኤርትራውያን ዲሞክራስያዊ ሓይልታት: ቊጠዔን ወጽዓን ህዝቢ ኤርትራ ዝወለዶ: ኣካልን ኣምሳልን ፍትሓዊ ህዝባዊ ቃልሲ ኤርትራ ዝኾነ “ብርጌድ ንሓመዱ” ዘካይዶ ዘሎ ሓያልን በርቃዊ ህዝባዊ ኣብያን ኣድናቆትና እናገለጽና: ዓቕምና ዘፍቅዶ ኩለንተናዊ ደግፍ ንምሃብ’ውን ድልዋት ምዃና በዚ ኣጋጣሚ ንገልጽ::


ህዝቢ ኤርትራ: ቅድሚ ሰቡን ዓለምን (ማለት ቅድሚ ኣውሮጳን ኣመሪካን) ፍትሓዊ ልዕልና ሕግን ዲሞክራስያዊ ምሕደራዊ ስርዓትን ዝፈልጥን ዝውንን: ናይ ሓሳብን ርእይቶን ፍልልያት ተጻዊሩ ብናይ ኣብዘሓ ርእይቶ ዝግዛእ ስልጡን ፖለቲካዊ ባህሊ ዝነበሮ ህዝቢ ኢዩ:: ነዚ ሓቅ’ዚ ዘረጋግጽ ጭቡጥ መርትዖ ድማ እቲ ካብ 1480 ዓ.ም ኣትሒዙ ኣብ ሰነ-ጽሑፍ ሰፊሩ: ክሳዕ ሎሚ ኣገልግሎቱ ኣብ ገጠራት ኤርትራ ዝትግበር ዘሎ “ሕግን ስርዓትን መሬት-ዓደቦ” ኢዩ ::


“ብርጌድ ንሓመዱ’ውን እንተኾነ: ብፕላን “A” ዝፍለጥ ሕጋውን ሰላማውን “ህዝባዊ ኣብያ” መሪሑ ምንቅስቓሱ ካብ ክቡራት ኣቦታቱ ዝወረሶ: ብሉጽን ስልጡንን መለለይኡን ሕላገቱን ኢዩ:: ዘራጊ ከሎ ጽሩይ ማይ ክስተ ኣይከኣልን ከምዝበሃል ግን፤ እዚ ብደም ኤርትራውያን ዝሰወደ: ብጀካ ናይ ሓይሊ ስነ መጎት ካልእ ዘይፈልጥ: ብዓመጽ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተወጢሑ ዘሎ ፋሺስታዊ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ: ንህዝባዊ ኣብያ ጐነጻዊ ግብረ-መልሲ ከካይድ ብምፍታኑ: ብፕላን “B” ዝግለጽ ናይ ብርጌድ ንሓመዱ ኩለንተናዊ ናይ ነብሰ-ምኽልካል ስጉምቲ: ቅኑዕ ምዃኑ ኣፍልጦ እናሃብና ድጋፍና ንገልጽ::


እዚ “ህዝባዊ ኣብያ” ክሳዕ ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ተተኺሉ: ፍትሓዊ ልዕልና-ሕጊ ዝነግስን: ከምኡ’ውን ኩሎም ቀንዲ ሃንደስትን ኣተግበርትን ናይቲ ኣብ ኤርትራ ብቀጻሊ ዝካየድ ዘሎ “ብመንግስቲ ብሜላ ዝዝወር: መጠነ-ሰፊሕ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት” ብሕጋዊ መንገዲ ተሓታትነት ክሳዕ ዝረጋገጸን: ቃልስና ቀጻሊ ምዃኑን: ምስ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ሓቢርና ክንሰርሕ ድልዋት ምዃናን በዚ ኣጋጣሚ ከነረጋግጽ ንፈቱ::


ህግደፍን ደገፍቱን ኣብ ልዕሊ: “ብርጌድ ንሓመዱ” ይኹን ነዚ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ኣብያ መልክዑ ንምድዋን ከካይድዎ ዝፈተኑ ጠቐነ ከይተበገሰ ዝፈሽለ: እኩብ ድምር ፍረ-ቃልስና (ናይ ደለይቲ ፍትሒ) ብምዃኑ እንቛዕ መጎሰና መጎሰኩም ንብል።


ዓወት ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!

ህዝቢ ኤርትራ ብቓልሱን ፍረ-መስዋእቱን ኩለንተናዊ ሓርነታቱ ክረጋግጽ ኢዩ::

ክብርን ዘለኣለማዊ ዝኽርን: ንኩሎም ንስለ ህዝቢ ዝተበጀዉ::


ማእከላይ መሪሕነት

ኤርትራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ::

Eritreancoalition1@gmail.com

መስከረም 2023


1. ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል:

2. ስኒት ኤርትራውያን

3. ትንሳኤ ሓርበኛታት ኤርትራ ንቅዋማዊ ስርዓት

4. ትካል ምርምርን ፖሊሲታትን ስትራተጅን ኤርትራ: (ERIPS)

5. ኣተኹሮ ንኤርትራ (Focus Eritrea)

6. ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን

7. ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ

8. ምስላጥ ንጽፉፍን ሰላማውን ምስግጋር ኣብ ኤርትራ (FAST)

9. ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ዲያስፖራ

10. ሽማግለ ዳግመ ውህደት ኤርትራውያን (NICE)

11. ቤይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

Comments


Hi! We warmly welcome your valuable opinions in the comment section below! Login

እዋናዊ ጽሑፋት


መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ብፈስቲቫል ዝተመኽነየ ናይ ባእስን Read more

schedule July 19 2023

24 ጉንበት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ታሪኽ ዘንጸፈት ዕለት ኢያ። Read more

schedule July 20 2023

(OEU) statement on the Current Armed Conflict goin Read more

schedule July 20 2023

ጋዜጣዊ መግለጺ ማእከላይ ባይቶ ው.ሓ.ኤ Read more

schedule July 20 2023

ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ!! Read more

schedule July 21 2023

መግለጺ ❼ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more

schedule August 29 2023