መግለጺ ሓዘን! ወድብ ሓድነት ኤርትራውያን 27 መስከረም 2023
መግለጺ ሓዘን!ወድብ ሓድነት ኤርትራውያን 27 መስከረም 2023
ስርዓት ህግደፍ ባዕሉ ብዘሳበቦ ናይ ፈስቲቫላት ዳንከራን ምዝመዛን ብተባዓት መንእሰያት ኤርትራ ብዘየዳግም መልክዑ ፈሺሉ ኣሎ። ከም ውጺኢቱ ድማ ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ዲፕሎማሲ ጥራይ ዘይኮነ ዝነበሮ ህዝባዊ ደገፍ ባይታ ዘቢጡ ይርከብ። እዚ ዘስዓቦ ናይ ቀቢጸ ተስፋ ንደናቁር ክፋል ሕብረተሰብ ድኹም ጎድኖም ብምምዝማዝ ንህዝቢ ሓድሕዱ ክናቆት ወጢኑስ ድሮ ኣብ እስራኤል ጀሚሩዎ ኣሎ። እዚ ድማ ስርዓታት ኣብ ናይ መጨረሽታ ዕምሮም ዘካይድዎ "ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቆላ" ዝሕመረቱ እከይ ተግባር ኢዩ። ዝኸበርካ ተቃላሳይ ህዝብና፡ እዚ ኣብ እስራኤል ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ኣብ ካልኦት ሃገራት'ውን ናይ ቀቢጸ ተስፋ ዕሱባትን ደናቁርን ብምውፋር ክካየድ ከምዝኽእል ብምስትውዓል ተወዲብካ ነብስኻን ህይወት ሕብረተሰብካን ኣውሕስ። ገበነኛታት ኣብ ሕጊ ቀሪቦም ግቡእ ፍርዶም ንክረኽቡ ከይተሓለልና ክንሰርሕ ይግባእ። እዚ ናይ ውዱቃትን ጃጀውትን ተግባር ካብ መገዲ ዓወትና ዘዐንቅፈና ኣይኮነን። ሞትን ቅትለትን ካብ ስርዓት ህግደፍ እንጽበዮ እኳ እንተኾነ ብሸለልትነትና ዕድል እንህቦ ስለዝበዝሕ ኣርሒቅና ብምጥማት ተወዲብና ክንገጥሞ ኣለና። ምስ ባህርያት ስርዓት ህግደፍ እታ እንኮ ምርጫና ብቋንቋኡ ገጢምና ምዕዋት ጥራይ ኢዩ። ቃልስና ናብ ኤርትራ ብዝቀረብናሉ ርሕቀት እና ተረረ ከምዝኸይድ ከም ርዱእ ብምውሳድ ብወገና ድማ ዝያዳ እና ሓየልናን እነተረርናን ክንከይድ መድረኽ ቃልስና ይጠልበና ኣሎ። ንህዝባዊ ዓወት ዝኽፈል ዋጋ ፡ ክቡር ዋጋ ኢዩ።
ጽንዓት ንመላእ ቤተሰብን ፈተውትን!
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንመዋቲ!
ክብርና ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ!
ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን
27 መስከረም 2023
Comments
እዋናዊ ጽሑፋት
.jpg)
መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ብፈስቲቫል ዝተመኽነየ ናይ ባእስን Read more
schedule July 19 2023
.jpg)
24 ጉንበት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ታሪኽ ዘንጸፈት ዕለት ኢያ። Read more
schedule July 20 2023
.png)
(OEU) statement on the Current Armed Conflict goin Read more
schedule July 20 2023

ጋዜጣዊ መግለጺ ማእከላይ ባይቶ ው.ሓ.ኤ Read more
schedule July 20 2023
.png)
ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ!! Read more
schedule July 21 2023
.png)
መግለጺ ❼ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more
schedule August 29 2023
Hi! We warmly welcome your valuable opinions in the comment section below! Login