menu

መግለጺ ሓዘን! ወድብ ሓድነት ኤርትራውያን 27 መስከረም 2023



መግለጺ ሓዘን!ወድብ ሓድነት ኤርትራውያን 27 መስከረም 2023 

ስርዓት ህግደፍ ባዕሉ ብዘሳበቦ ናይ ፈስቲቫላት ዳንከራን ምዝመዛን ብተባዓት መንእሰያት ኤርትራ ብዘየዳግም መልክዑ ፈሺሉ ኣሎ። ከም ውጺኢቱ ድማ ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ዲፕሎማሲ ጥራይ ዘይኮነ ዝነበሮ ህዝባዊ ደገፍ ባይታ ዘቢጡ ይርከብ። እዚ ዘስዓቦ ናይ ቀቢጸ ተስፋ ንደናቁር ክፋል ሕብረተሰብ ድኹም ጎድኖም ብምምዝማዝ ንህዝቢ ሓድሕዱ ክናቆት ወጢኑስ ድሮ ኣብ እስራኤል ጀሚሩዎ ኣሎ። እዚ ድማ ስርዓታት ኣብ ናይ መጨረሽታ ዕምሮም ዘካይድዎ "ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቆላ" ዝሕመረቱ እከይ ተግባር ኢዩ። ዝኸበርካ ተቃላሳይ ህዝብና፡ እዚ ኣብ እስራኤል ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ኣብ ካልኦት ሃገራት'ውን ናይ ቀቢጸ ተስፋ ዕሱባትን ደናቁርን ብምውፋር ክካየድ ከምዝኽእል ብምስትውዓል ተወዲብካ ነብስኻን ህይወት ሕብረተሰብካን ኣውሕስ። ገበነኛታት ኣብ ሕጊ ቀሪቦም ግቡእ ፍርዶም ንክረኽቡ ከይተሓለልና ክንሰርሕ ይግባእ። እዚ ናይ ውዱቃትን ጃጀውትን ተግባር ካብ መገዲ ዓወትና ዘዐንቅፈና ኣይኮነን። ሞትን ቅትለትን ካብ ስርዓት ህግደፍ እንጽበዮ እኳ እንተኾነ ብሸለልትነትና ዕድል እንህቦ ስለዝበዝሕ ኣርሒቅና ብምጥማት ተወዲብና ክንገጥሞ ኣለና። ምስ ባህርያት ስርዓት ህግደፍ እታ እንኮ ምርጫና ብቋንቋኡ ገጢምና ምዕዋት ጥራይ ኢዩ። ቃልስና ናብ ኤርትራ ብዝቀረብናሉ ርሕቀት እና ተረረ ከምዝኸይድ ከም ርዱእ ብምውሳድ ብወገና ድማ ዝያዳ እና ሓየልናን እነተረርናን ክንከይድ መድረኽ ቃልስና ይጠልበና ኣሎ። ንህዝባዊ ዓወት ዝኽፈል ዋጋ ፡ ክቡር ዋጋ ኢዩ።

ጽንዓት ንመላእ ቤተሰብን ፈተውትን!

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንመዋቲ!

ክብርና ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ!

ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን

27 መስከረም 2023

Comments


Hi! We warmly welcome your valuable opinions in the comment section below! Login

እዋናዊ ጽሑፋት


መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ብፈስቲቫል ዝተመኽነየ ናይ ባእስን Read more

schedule July 19 2023

24 ጉንበት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ታሪኽ ዘንጸፈት ዕለት ኢያ። Read more

schedule July 20 2023

(OEU) statement on the Current Armed Conflict goin Read more

schedule July 20 2023

ጋዜጣዊ መግለጺ ማእከላይ ባይቶ ው.ሓ.ኤ Read more

schedule July 20 2023

ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ!! Read more

schedule July 21 2023

መግለጺ ❼ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more

schedule August 29 2023