መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን
መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን
ብመኽንያት ድርብ ዓወታት ደላይ ፍትሒ ህዝብና ሲዒቡ ስርዓት ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ውጹእ ሓሶትን ጸለመን ዝኸበርካ ደልዪ ሰላም ብዓል ራኢ ህዝብና፣ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ከይተሓለልካ ዝተኸልካዮ ናይ ሰላምን ዲሚክራስን ቃልሲ እንሆ ሎሚ ብተካእቲ ወለዶ ዝኾኑ መንእሰያት ደቅኻ ዓንቢቡ ናብ ተጨባጢ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ዓወታት ይሰጋገር ኣሎ’ሞ ባህ ይበልካ። 1 መስከረም ብ2 መስከረም ማሚቓ ዳግም ታሪኽ ኣመዝጊባ ሓሊፋ ኣላ። ብመኽንያት 1 መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዝብል ምስምስ መቐጸልታ ናይ ጃህራን ፈኸራን ፈስቲቫልት 4ይ ግንባር ስርዓት ህግደፍ ብኣዝዩ ዘስካሕክሕ ደማዊ ግጭት ፈሺሉ ኣሎ። ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት፣ እዚ ግንባር እዚ ዝወጠኖም ናይ ታህዲድን መናውራን ጽንብላት ኣብ ኖርወይ ከተማ በርገን ከሙኡ’ውን ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ዙሪክ ፈቲኑ ግን ኣይሰለጦን። 4ይ ግንባር ብኣጸዋውዓ ስርዓት ህግደፍ ኤርትራ ኣብ ኣርባዕተ ግንባራት ወይ ወተሃደራዊ እዝታት ማለት እቶም ሰለስተ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክኾኑ ከለው እቲ 4ይ ድማ ኣብ ወጻኢ/ዲያስፖራ ኢዩ። ስለዝኾነ ድማ ነቲ ኣብ መላእ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዕርቃኑ ዘወጸ ውርደት፣ ኣብ እስራኤል ዘሎ ናይ ስደተኛታት ጸገማት ብምምዝማዝ ዓንቲሩ ክርአ መዲቡ። ሃንደስቲ ስለያ ጠዓመ ገብረሃንስ (መቀለ)ን ጋይም ተስፋንኪኤልን በቢ መርበቦም ብስውር ሓያል ምድላዋት ገይሮም። ንመላእ ደገፊ እቲ ስርዓት በቢ 1700 ሸከል (450 ዶላር) ከዋጽኡ ተነጊሮም። ኣብ ሓደ መስከረም ካብ 25 ዶላር ዝሓልፍ ወጻኢ ገይሮም ኣይፈልጡን። ማዕረ 20 ዕጽፊ ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገብርዎ ዝነበሩ ምድላዋት ብምግባር ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ብዕለት 2 መስከረም 2023 ሰዓት 9 ናይ ንግሆ ከካይዱ ዝመደቡ። እዚ ዝኾነሉ መኽንያት ድማ እስራኤል ከም ዕርዲ ቆጺሮም ትንሳአ መንእሰያት ኤርትራ ከም መምለሲ(turning point) ክገብርዋ ተዳልዮም። ነቲ ቅድሚ 4 ዓመታት ዝነበረ ግጭት ብልቦና ደለይቲ ፍትሒ ጠጠው ዝበለ ብሓይሎም ጠጠው ዘበልዎ ኮይኑ ተሰሚዑዎም ነብሶም ኣዐሽዮም። ጃህራን ፈኸራን ብስእልን ሓይለቃልን “ኣይትሓዙና ኣይትምከሩና ፣ ካራን ሸጛጉጥን ኣለና” ኢሎም። ነዚ ዝሰምዐ ደላዪ ፍትሒ ነባሪ እስራኤል፣ ብስም ብርገድ ንሓመዱ ተሲኡ ብዝሃቦ ተባዕ ጅግንነታዊ ግብረ-መልሲ ውጥናት ማሓውራት ስርዓት ህግደፍ ፈሺሉ ኣሎ። ኮይኑ ግን ፖሊስ እስራኤል ብዝወሰድዎ ዘይተመጣጠነን ዘይሓላፍነታዊን ስጉምቲ ብዙሓት ደለይቲ ፍትሒ ተቓለስቲ ግዳይ መቑሰልትን ስንክልናን ኮይኖም ኣለው። እዚ ንሰለማውያን ብጥይትን ቦምባ ትክን ንሕጋዊ ፍቓድ ኣውጺኡ ሰልፊ ዘካይድ ህዝቢ
ብፍጹም ዝግባእ ኣይኮነን። ስለዝኾነ ኩሉ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ደላዪፈትሒ ህዝብና ብድምጹን ብሰለማዊ ሰልፍን ክኹንኖ ንጽውዕ። ኣብ’ዚ ዘስካሕክሕ ደማዊ ግጭት ልዕሊ 150 ፈኪስን ከቢድን ጉድኣት በጺሑ ኣሎ። ኣብዚ ኣጋጣሚ ደገፍቲ ምልኪ ድሕሪ ዝበጽሖም ስዕረት ኣብ ውልቀ ስራሖም ከም ጥምቀት ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ድግሳት ንዝጸንሑ ቆልዓ ሰበይትን ኣብ ጎደና ንዝጸንሑ ውልቀሰባትን ብኣዝዩ ጨካን ተግባር ጨፍጪፎሞም። እዚ ከይኣክል ኣብ ሆስፒታላት ብምኻድ’ውን ብኻራ ሰብ ክቀትሉ ፈቲኖም። እዚ ፍጹም ኣረመንነት ኢዩ። ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ ከተማ ተል ኣቪቭ ኣብ ታሪኻ ሪኣቶ ዘይትፈልጥ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ጸልማት ውዒላ።
ድሕሪ እዚ ዝሰዓበ ናይ ማስመድያን ፖለቲካውያንን ኣብ መላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ እስራኤል ዓቢ ስንባደን ክትዕን ፈጢሩስ ቀዳማይ ሚንስተር ቤንያሚን ናታንያሁ ፍሉይ ካቢነ ብምጽዋዕ ሓያል ዝኾነ ውሳነታት ኣሕሊፉ ኣሎ። ዓመጽ ዝፈጠሩ ክእሰሩን ደገፍቲ ምልኪ ድማ ክጥረዙን ተወሲኑ ኣሎ። እዚ ድማ ሓያል ዓወት ናይ ደላዪ ፍትሒ ኮይኑ ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ እቲ ብሓያል ምድላዋት ዝወጠኖ ናይ ታህዲድ ፕሮፖጋንዳ ስለዝፈሸሎ ሕጂ ዝሕዞን ዝጭብጦን ጠፊኡዎ ኣሎ። ነዚ ሓርነት ጸሚኡ ኣብ ሓደ ግዜ ብዓውታ ዝተስአ ኤርትራዊ መንእሰይ፣ “ኤርትራውያን ኣይኮኑን ተጋሩ ኢዮም” ክብል ናይ ሕስረት መግለጺ ሂቡ ኣሎ። እዚ ናይ ክሕደት (self-denial) ልምዲ ሕጂ ኣይኮነን ጀሚሩዎ። ንዓና ህሉዋት ጥራይ ዘይኮነ ንኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ 359 ዘጋታትና “ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት” ብምባል ኪሒዱዎምስ ገና ሓመድ ኣዳም ከይለበሱን ኣብ ስደት ኣብ ሳንዱቕ ኣለዉ። እዞም ሕጂ ብሂወቶም ዝከሓዱ ዘለው ድማ ኣሕዎት እቶ ገና ኣብ ሰናዱቕ ዘለዉ ግዳያት ኢዮም። እዚ ሕሱር ክሕደት እዚ ንቃልስና ነዳዲ ወሲኹ ዘሐርነና እምበር ሓንቲ ስድሪ’ውን ትኹን ንድሕሪት ዝመልሰና ኣይኮነን። ናይ ክሕደት ቁማር ኣብቂዑ ኢዩ። ብተወሳኺ’ውን ሕሱር ስርዓት ህግደፍ ነቲ ንኣስታት ርብዒ ዘመን ብመኽንያት ባድመ ወያነን ኣመሪካን እናበለ ንህዝብና ዝረገጾ ሕጂ ድማ ናይ ምዕራብ ናይ ስለያ ትካላት ብፍላይ ድማ ናይ እስራኤል ናይ ወጻኢ ስለላ ትካል (ሞሳድ) ብድሕሪት ኮይኑ ዝወጠኖ ኢዩ ክብል ናይ ጥቕራን መግለጺ ሂቡ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ናይ ስርዓት ህግደፍ ውጹእ ሓሶትን ሕሱር ጸለመን ግደፍ ክዕድጎስ ክሰምዖ’ውን ኣፈንፊኑዎ ኣሎ። ኣብ መደምደምታ፣ ህዝብና ከነስምረሉ ዝግባእ እዋናዊ መልእኽትና፦
● ብ “ኤርትራውያን ኣይኮኑን ተጋሩ ኢዮም” ዝብል ውጹእ ሓሶት ህግደፍ ሓደ ዜጋና’ውን ይኹን ክደናገር የብሉን። እዚ መናውሒ ዕድመ መቓመሪ ካርታ ኢሰያስ፣ ህዝብና ክነቕሓሉ ይግባእ።
● እዚ ህዝባዊ ማዕበል እዚ ብቀንዱ ቁጠዐ መንእሰያት ኣንጻር ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ዘበገሶን ብዙሓት ምሁራትን ሰብ ተመኩሮ ተቓለስቲን ውድባትን ዘሰነይዎ ዝገንፈለ ህዝባዊ ማዕበል ድኣ’ምበር ዝኾነ ናይ ወጻኢ ሃገራት ናይ ስለያ ትካል ከበግስዎስ ይትረፍ ኣይፈልጥዎን’ውን። ውዳበታትና ኣደልዲልና ንሕና ደቅኻ ናይ ገዛእ ርእስና መርበባት ኣብ ምህናጽ ንርከብ። ቀንዲ መርበብና ድማ ናብ ውሽጢ ሃገርና ድኣምበር መሳርሒ ናይ ዝኾነ ይኹን ናይ ወጻኢ ረብሓ ዝሕልዉ ናይ ስለያ ትካላት ኣይኮናን።
● ዝቖሰሉ ምሕጋዝን ዝተኣስሩ ዝፍትሕሉ መገዲ ምጽዓርን ይጽንሓለይ ዘይበሃሎ ዕዮ ህዝብና ስለዝኾነ ኩሉ ህዝብና ኢደይ ኢድካ ክብል ንጽውዕ።
● ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ስጉምትታት ፖሊስ እስራኤል ብኸቢድን ፈኪስን ዝቖሰሉ መንእሰያትና ፍትሒ ንኽረኽቡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከቡ ኤምባሲታት እስራኤል ተወጢኑ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፍታት ኩሉ ህዝብና ድምጹ ከስምዕ ደጊምና ንጽውዕ።
● ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምውድቑ ደረጃ በጺሑ ኣብ ዘዕገርግረሉ ዘሎ እዋን ህዝብና ኣብ ትኣምነሉ ውዳበታት ክትውደብ መድረኹ ኢዩ። ውዳበ ሓይልን ውሕስነት ጸትታን ሰላምን ሃገር ኢዩ። ተወደብ ንውሑስ ለውጢ።
ንቁስላትና ቅልጡፍ ሕውየት ንዝተኣስሩ ድማ ምሕረት ንምነ!
ክብርና ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ!
ፈጻሚ ኣካል ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን
6 መስከረም 2023
Comments
እዋናዊ ጽሑፋት
.jpg)
ታሪኽና እነሐድሰሉ፣ ውድባዊ ባህልና እነዕብየሉ፣ Read more
schedule July 20 2023
.jpg)
መግለጺ ንዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ: Read more
schedule June 20 2023

መሪሕ መትከልና ሃገራዊ ሓሳብ እዩ። Read more
schedule July 30 2023

ኢትዮጵያ ሓደስቲ ሃገራት ንምውላድ ኣብ ሕማም ሕርሲ እትርከብ ዘላ ሃገር። 19 Read more
schedule August 27 2023

መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more
schedule September 07 2023

መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more
schedule September 07 2023
Hi! We warmly welcome your valuable opinions in the comment section below! Login