ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ናታንያሁ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ከቢድ ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ
ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ናታንያሁ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ከቢድ ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ
ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ናታንያሁ ብመኽንያት እቲ ትማሊ ኣብ ከተማ ተል ኣቪቭ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘጋጠመ ግርጭት ሎሚ ምስ ፍሉይ ካቢነኡ ዘትዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ናታንያሁ “እዚ ዓመጽ እዚ ቀይሕ መስመር ዝሓለፈ ኢዩ። ከም’ዚ ዝበለ ናዕብን ደም ምፍሳስን ኣየድልየናን” ክብል ከምዝገለጸ Ynet ዝተባህለ ማዕከን ዘና ሓቢሩ። ስለዝኾነ ነቶም ነዚ ዕግርግር ዝፈጸሙ ምምሕዳራዊ ቀይድን ንገለኽፋሎም ድማ መስጎግትን ክካየድ ምኻኑ ገሊጹ ኣሎ። ዛጊት 50 ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘለውን ኣብ ቤት ፍርዲ ጉዳዮም ክርአን ተወሲኑ ኣሎ። ሚኒስተር ሃገራዊ ጸጥታ ኢታማር በንግቪር ንኹሎም ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ ኣዚዙ ኣሎ። ናታንያሁ ብተወሳኺ “ኣፍሪቃውያን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንመጻኢ እስራኤል ዲሞክራሲያዊት ናይ ዩሁዲ ሃገር ሓደጋ ኢዩ” ኢሉ ኣሎ። እቲ ኣብ 2018 ምስ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ተበጺሑ ዝነበረ ስምምዕ ኣብ ግምት ከምዘየእትዎ ብምግላጽ ዝኾነ መንቀሳቐሲ ፍቓድ ዘይብሉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከኣትውዎ ኣዚዙ ኣሎ።
ዳይረክተር ጀነራል ብዓል ስልጣን ኢሚግረሽን ብወገኑ ኣብ ዝገለጾ ኣብዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 2000 ብሰናይ ድልየቶም ንዝወጹ ብዝወሃቦም መተባብዒ ካብ እስራኤል
ወጺኦም ኣለው። ዝያዳ ንምቕጻሉ 30 ሚልዮን ሸከል ዝያዳ ከምዘድሊ ሓቢሩ። ሚኒስተር ናይ ገጠር ልምዓት ብወገኑ ብመኽንያት እዚ ዕግርግር ንዝዓነወ ንብረት ንምክሕሓስ ክሕግዝ ምኻኑ ገሊጹ ኣሎ። ስለዝኾነ ኩሉኹም ደለይቲ ፍትሒ ቪዛኹም ካብ ነብስኹም ኣይትፍለዩ። ዝያዳ ምስፖሊስ ምንህሃር ኣድላዪ ኣይኮነን ንብል። እንተ እቶም ደገፍቲ ምልኪ ባዕሎም ብጃህራን ፈኸራን ገዛኢኦም ንምሕጋስ ንዝኣጎድዎ ሓዊ ተመሊሱ ናብ ነብሶም ኢዩ።
Follow us www.meley.org
ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ታሕቲ ሊንክ ኣለኩም
https://www.ynetnews.com
Comments
እዋናዊ ጽሑፋት
.jpg)
መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ብፈስቲቫል ዝተመኽነየ ናይ ባእስን Read more
schedule July 19 2023
.jpg)
24 ጉንበት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ታሪኽ ዘንጸፈት ዕለት ኢያ። Read more
schedule July 20 2023
.png)
(OEU) statement on the Current Armed Conflict goin Read more
schedule July 20 2023

ጋዜጣዊ መግለጺ ማእከላይ ባይቶ ው.ሓ.ኤ Read more
schedule July 20 2023
.png)
ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ!! Read more
schedule July 21 2023
.png)
መግለጺ ❼ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more
schedule August 29 2023
Hi! We warmly welcome your valuable opinions in the comment section below! Login