menu

ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ናታንያሁ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ከቢድ ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ


ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ናታንያሁ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ከቢድ ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ


ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ናታንያሁ ብመኽንያት እቲ ትማሊ ኣብ ከተማ ተል ኣቪቭ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘጋጠመ ግርጭት ሎሚ ምስ ፍሉይ ካቢነኡ ዘትዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ናታንያሁ “እዚ ዓመጽ እዚ ቀይሕ መስመር ዝሓለፈ ኢዩ። ከም’ዚ ዝበለ ናዕብን ደም ምፍሳስን ኣየድልየናን” ክብል ከምዝገለጸ Ynet ዝተባህለ ማዕከን ዘና ሓቢሩ። ስለዝኾነ ነቶም ነዚ ዕግርግር ዝፈጸሙ ምምሕዳራዊ ቀይድን ንገለኽፋሎም ድማ መስጎግትን ክካየድ ምኻኑ ገሊጹ ኣሎ። ዛጊት 50 ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘለውን ኣብ ቤት ፍርዲ ጉዳዮም ክርአን ተወሲኑ ኣሎ። ሚኒስተር ሃገራዊ ጸጥታ ኢታማር በንግቪር ንኹሎም ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ ኣዚዙ ኣሎ። ናታንያሁ ብተወሳኺ “ኣፍሪቃውያን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንመጻኢ እስራኤል ዲሞክራሲያዊት ናይ ዩሁዲ ሃገር ሓደጋ ኢዩ” ኢሉ ኣሎ። እቲ ኣብ 2018 ምስ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ተበጺሑ ዝነበረ ስምምዕ ኣብ ግምት ከምዘየእትዎ ብምግላጽ ዝኾነ መንቀሳቐሲ ፍቓድ ዘይብሉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከኣትውዎ ኣዚዙ ኣሎ። 

ዳይረክተር ጀነራል ብዓል ስልጣን ኢሚግረሽን ብወገኑ ኣብ ዝገለጾ ኣብዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 2000 ብሰናይ ድልየቶም ንዝወጹ ብዝወሃቦም መተባብዒ ካብ እስራኤል ወጺኦም ኣለው። ዝያዳ ንምቕጻሉ 30 ሚልዮን ሸከል ዝያዳ ከምዘድሊ ሓቢሩ። ሚኒስተር ናይ ገጠር ልምዓት ብወገኑ ብመኽንያት እዚ ዕግርግር ንዝዓነወ ንብረት ንምክሕሓስ ክሕግዝ ምኻኑ ገሊጹ ኣሎ። ስለዝኾነ ኩሉኹም ደለይቲ ፍትሒ ቪዛኹም ካብ ነብስኹም ኣይትፍለዩ። ዝያዳ ምስፖሊስ ምንህሃር ኣድላዪ ኣይኮነን ንብል። እንተ እቶም ደገፍቲ ምልኪ ባዕሎም ብጃህራን ፈኸራን ገዛኢኦም ንምሕጋስ ንዝኣጎድዎ ሓዊ ተመሊሱ ናብ ነብሶም ኢዩ።



Follow us www.meley.org


ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ታሕቲ ሊንክ ኣለኩም

https://www.ynetnews.com

Comments


Hi! We warmly welcome your valuable opinions in the comment section below! Login

እዋናዊ ጽሑፋት


መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ብፈስቲቫል ዝተመኽነየ ናይ ባእስን Read more

schedule July 19 2023

24 ጉንበት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ታሪኽ ዘንጸፈት ዕለት ኢያ። Read more

schedule July 20 2023

(OEU) statement on the Current Armed Conflict goin Read more

schedule July 20 2023

ጋዜጣዊ መግለጺ ማእከላይ ባይቶ ው.ሓ.ኤ Read more

schedule July 20 2023

ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ!! Read more

schedule July 21 2023

መግለጺ ❼ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more

schedule August 29 2023