menu

ናይ ጃህራን ፈኸራን ፈስቲቫል 4ይ ግንባር ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ብኣዝዩ ዘስካሕክሕ ደማዊ ግጭት ፈሺሉ ኣሎ።


ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሓይልን ቅልጣፈን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ

ብመኽንያት 1 መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዝብል ምስምስ ናይ ጃህራን ፈኸራን ፈስቲቫል

4ይ ግንባር ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ብኣዝዩ ዘስካሕክሕ ደማዊ ግጭት ፈሺሉ ኣሎ። እቲ ኣብ ያድ ሃሪጽም 16 ከተማ ተልኣቪቭ ንሎሚ ዕለት 2 መስከረም 2023 ሰዓት 9 ናይ ንግሆ ከካይዱ ዝመደቡ፣ ቅድሚ ሒጂ ተገይሩ ብዘይፈልጥ ዘይንቡር ኣበዓዕላ ሓይልኻ ንምርኣይን ኣብ መላእ ዓለም ዝተኻየደ ዕውት ሰለማዊ ሰልፍታት ደለይቲ ፍትሒ ኣንጻር ናይ ፕሮፖጋንዳ ፈስቲቫል ህግደፍ፣ ብስም 4ይ ግንባር ግብረመልሲ ንኽህቡ ዝተወጠነ ኢዩ። እስራኤል ድማ ከም ዕርዲ ደገፍቲ ቆጺሮም ነብሶም ኣዐሺዮማ ጸኒሖም። ቅድሚ 4 ዓመታት ንዝነበረ ግጭት ደለይቲ ፍትሒ ብልቦና ብምሕሳብ ነቲ ዝነበረ ግጭት ቤይናዊ ስጉምቲ ወሲዶም ጠጠው ኣቢሎሞ። እንተኾነ ደገፍቲ ምልኪ ብሓይሎም ጠጠው ዘበልዎ ኮይኑ ተሰሚዑዎም ነብሶም ኣዐሽዮም ጃህራን ፈኸራን ክገብሩ ጸኒሖም።


ነዚ ዝሰምዐ ደላዪ ፍትሒ ነባሪ እስራኤል፣ ሕጋዊ ፍቓድ ኣውጺኡ ሰልፊ ከካይድ ወሲኑ።ብሰንኪ ኣብ ማሕበራዊ መድያ ዝካየድ ዝነበረ መናውራ፣ ደላዪ ፍትሒ ብስም ብርገድ ንሓመዱ ብሕራነ ተሲኡ በቢ ከተማኡን ውዳበታቱን ክትኣኻኸብ

ሕሪ ምጽናሕ ፣ እቲ ጃህራን ፈኸራን ከይጀመረ ንምብርዓን ኣንጊሁ ተሲኡ ኣደራሽ ጃህራን ፈኸራን ከምዘይነበረ ገይሩዎ። እዚ ሃንደበት ዝኾኖም ፖሊስ እስራኤል ዘይተመጣጠነ ስጉምቲ ወሲዶም። ንሰልፈኛታት ደለይቲ ፍትሒ ብጥይት ተኩሶም ኣውዲቖሞም። ብተወሳኺ ውን ኣብ ዝሓለፈ 23 ዓመታት ኣብዝኾነ ይኹን ሰልፍታት ዘይተጠቕምሉ ናይ ሓሶት ጠያይት ተጠቒሞም። ከም ውጺኢቱ ብዙሓት ደለይቲ ፍትሒ ግዳያት ናይ ፖሊስ ጠያይትን

ጋዝን በትርን ኮይኖም 4 ድማ ብጥይት ብኸቢድ ቆሲሎም። በዚ ዝተቖጥዑ ኣባላት ብርገድ ንሓመዱ ነብሶም ንምክልኻል ብዝደርበይዎ ኣእማን ሓያሎ ፖሊስ ተጎዲኦም። ከባቢ ሰዓት 12፡00 ናይ ቀትሪ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ፣ ኣደራሾም ከም ዝፈረሰ ምስ ሰምዑ ካብ’ቲ ከም መበገሲ ተኣኪቦሙሉ ዝነበሩ ከባቢ ኢምባሲ ኤርትራ ካራሩን ሓጻውንን ሒዞም እናፈከሩ ንዝረኸብዎ ማልያ ብርጌድ ንሓመዱ ይኹን ናብ ውልቃዊ ስራሑ ዝኸይድ ዝጸንሖም ብምሕረት ኣልቦ ጭካነ እናተሳህልዎ ናብ’ቲ ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ ዝነበሩዎ መጺኦም። ደለይቲ ፍትሒ ከኣ ብዝገበርዎ ናይ ነብሰምክልኻል እና ረጋገጹ ፋሕ ኣቢለሞም።

እንተኾ ብሓገዝ ፖሊስ እንደጋና ተኣኪቦም ብዘንብዕ ጋዝ ፖሊስ ተሓጊዞም ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ፍትሒ ጉድኣት ኣውሪዶም።

ይኹን ድ ኣምበር ዝነደረ ደላይ ፍትሒ ምስ ዝነበሮ ብዝሒ ካብ ፖሊስ እና ተኸላኸለ ምሉእ ብምሉእ ከህድሞም ኪኢሉ ኢዩ። ኮይኑ ግን ተኣኪቦም ብውልቂ ኣብ መንገዲ ንዝረኸብዎም ዜጋታትና ንደቀንስትዮ ከይተረፈ ብኻራሩን ኣባትርን ከምተመን ጨፍጪፈሞም።ከተማ ተል ኣቪቭ ሪኣቶ ዘይትፈልጥ ዕግርግር ኣአንጊዳ ዊዒላ። ህዝቢ ተል ኣቪቭ ትካላቱ ዓጺ ኣብ ገዝኡ ዊዒሉ። ፖሊስ ውን ነቲ ኩነታት ሪኦም ትካላት ዓጼሞ ዊዕሎም።

ፖሊስ እስራኤል ብዝፈጠረሉ ስንባደ መሰረት ኣዛዚ ፖሊስ እስራኤል ኮቢ ሻቢታይ ኣብ’ቲ ቦታ መጺኡ ተዓዚቡ። ንኹሎም ነቶም ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ፍትሒ ዓመጽ ዝፈጸሙ ኣባላት ፖሊስ ጠበቓ ክገብረሎም ምኻኑ ተዛሪቡ። ንኣዛዚ ፖሊስ ተል ኣቪቭ’ውን ንዝመጸ ክሲ ኣብ ጎድኑ ምኻኑ ገሊጽሉ።

ነዚ ሲዒቡ ብዙሓት ማዕከናት ዜና ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ከቃልሓኦ ብምውዓለን ህዝቢ ጫውጫው ክብል ዊዒሉ። ፖለቲከኛታትን ሓለፍቲ መንግስትን ዝተፈላለየ ሪኢቶታት ክህቡ ዊዒሎም። ተቃወምቲ ናይ መንግስቲ ንኣተሓሕዛ/ፖሊሲ መንግስቲ ክነቕፉ ከለው፣ ሰበስልጣን መንግስትን ናይ የማናውያን ሰልፍታትን ንውሳነ ላዕለዋይ በትፍርዲ ክነቕፉ ዊዒሎም። እዚ ናይ ሎሚ ፍጻመ ንክኸይድ ዝጸንሐ ዘይርጉእ ውሽጣዊ ፖለቲካ እስራኤል ብኸቢድ ጸልዩዎ ኣሎ። በዚ መሰረት ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር በዚ ጉዳይ ንጽባሕ ዕለት 3 ሰንበት ፍሉይ ካቢነ ብህጹጽ ኣኸባ ከካይድ ምኻኑን ገሊጹ ኣሎ። ኣብ’ዚ ናይ ዕለት 3 ኣኸባ ንገበነኛታት ዝበሎም ምጥራዝ ክዘራረበሉ ምኻኑ ኣተንቢሁ ኣሎ። ፊናንስ ሚኒስተር ቢጻለል ስሞትሪክ” እዚ ናይ ቀዳም ተርእዮ ናይ መጀመርያ ኢዩ። ንስደተኛታት እንተዘይ ሰጉግናዮም ካብዚ ብዝኸፍአ ከጋጥመና ኢዩ” ክብል ትርር ዝበለ መግለጺ ሂቡ። እዚ ገለ ካብ ሓለፍቲ የማናዊ መንግስቲ ክኸውን ከሎ መራሕቲ ተቓወምቲ ፓርቲታት፣ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ዝበጽሐ ምጉዳእቲ ብምኹናን ንኣተሓሕዛ መንግስቲ ነቒፎም። መራሒ ዝዓበየ ተቃዋሚ ፓርቲ ያኢር ላፒድ “ መንግስቲ ንጸገማት ኢሚግረሽን ክፈትሕ መብጽዓ እካ እንተ ኣተወ ክፈትሖ ኣይክኣለን። መንግስቲ ኣብ ስራሕ የለን። መንግስትነት ምስ ሓዝና ንዝነበረ ስምምዕ ምስ ትካል ስደተኛታት ዓለም እ(UNHCR) ዳግም ተመሊስና መዕረፊ ክንገብረሉ ኢና ክብል ገሊጹ። ኣብዚ ዝወዓለ ግጭት ልዕሊ 150 ክቖስሉ ከለው ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ብኸቢድ ቆሲሎም ኣለው። ክልተ ሆስፒታላት ሕጽረት ደም ከምዘጋጠመን ኣብ ወብሳይተን ልገሳ ደም ጸዊዐን ኣለዋ። እዞም ልዕሊ150 ብ ኣምቡላንስ ኣብ ሕክምና ዝበጽሑ ይኹኑ ድኣምበር ኣብ ሕክምና ዘይከዱ ብፈኪስ ዝቖሰል ብኽልቲኡ ወገን ብሓፈሻ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢዮም።

2 መስከረም 2023

ናብ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ሓበሬታ ንምብጻሕ

shear flow www.meley.org

Comments


Hi! We warmly welcome your valuable opinions in the comment section below! Login

እዋናዊ ጽሑፋት


መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ብፈስቲቫል ዝተመኽነየ ናይ ባእስን Read more

schedule July 19 2023

24 ጉንበት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ታሪኽ ዘንጸፈት ዕለት ኢያ። Read more

schedule July 20 2023

(OEU) statement on the Current Armed Conflict goin Read more

schedule July 20 2023

ጋዜጣዊ መግለጺ ማእከላይ ባይቶ ው.ሓ.ኤ Read more

schedule July 20 2023

ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ!! Read more

schedule July 21 2023

መግለጺ ❼ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more

schedule August 29 2023