menu

መግለጺ ❼ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን


መግለጺ 7ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን


7ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ኣብ’ዚ ናይ መንእሰያት ብፍላይ ከኣ ናይ ብርጌድ ንሓመዱ ጸረህግደፋዊ-ምልኪ ዝጓሃሃረሉ ዘሎ ናይ ቃልሲ ህሞት፣ ነዚ ተወሊዑ ዘሎ ናይ ቓልሲ ሺግ ዘሎዎ ድጋፍን ተሳትፎን ኣስሚርሉ’ሎ። ከምኡ ኣባላት ውድብ ዝኾኑ መንእሰያትና ምሉእ ግዜኦም ንቓልሲ ኣወፍዮም ዝስለፍሉ ዘሎዉ ብርኪ ብምህላውና 7ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ው.ሓ.ኤ ልዑል ተገዳስነትን መጎስን ሂቡ፣ ከምኡ እዚ ምዕባሌታት’ዚ ዘሰክሞ ዝያዳ ሓላፍነት መዚኑ። ናይ ህግደፍ ፖለቲካዊ ዕጥራንን ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ደቁን ዝገብሮ ኣደራዓትን ሓንሳብን ንሓዋሩን መታን ክስዓር ኩላትና ውድባትን ምንቅስቓሳትን ደለይቲ ፍትሒ ብዝሰመረት ሓንቲ ቅኒት ነዚ ተበጊሱ ዘሎ ማዕበልን ናህርን ክንዓስሎን ዲፕሎማስያዊ ሽፋን ከንገብርን ክህልወና’ዩ። 

ኣባላት ክፍሊ ዜና ብሓፈሻ ኣካየድቲ ተቪ መለይ ከኣ ብፍላይ ንኡድ ስራሕ ብምግባሮም 7ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ኣሞጕሱ። ምስ ኤሪሳት ኣብ ካናዳ ዝተገብረ ጕዕዞ ካብ’ቲ ትካል/ሜድያ bሰጊሩ ውድብ ኣብ ምልላይ ከም ዝሓገዝ ተገምጊሙ። 7ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ው.ሓ.ኤ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ቀዳም - ዕለት 19 ነሓሰ - ንኣስታት 5 ሰዓታት ዝኸደ ናይ ZOOM ኣኼባኡ፣ ናይ ፈጻሚት ሽማግለኡ ናይ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ናይ ስራሕ ጸብጻባት፣ ከምኡ’ውን ካልእ ናይ ቀጻሊ 6 ኣዋርሕ መደብ-ስራሕ ተኻቲዑን ኣጽዲቑን’ዩ። ካብኡ ብምቕጻል ድማ ኩሉ-ሓቆፍ ብናይ ውድብ ተቘጻጻሪት ሽማግለ ዝቐረበ ውድባዊ ጸብጻብ ተቐቢሉ።

ኣብ 2024 ብዛዕባ ዝቃናዕ ውድባዊ ጕባኤ’ውን ሰፊሕ ናይ ምምኽኻር ክትዓት ተኻይዶምሉ ኣሎዉ። ማእከላይ ባይቶ ናይ ውድብ ው.ሓ.ኤ ሰነዳት ንምፍታሽ ይኹን ጕባኤ ዝካየደሎም ናይ ተሳትፎ ቅጥዕታት ጕባኤ ኣብ ምጽፋፍ ሓደ ፍሉይ ተወሳኺ ኣኼባ ማእከላይ ሽማግለ ው.ሓ.ኤ ብምስንዳእ መበገሲ ናይ’ታ ሻቡ ትቖውም ውድባዊት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንካልኣይ ውድባዊ ጕባኤ ጠቀስ መምርሒታት ብምድላው ከስንቕ ውሳኔ ኣሕሊፉ’ሎ። ካልእ ብዓቢ ተገዳስነት ዘካትዐ ዛዕባ ሕቶ ኣተሃላልዋ ደምበ ተቓውሞን ዝግበሩ ናይ ሓባር ከይድታትን፣ ማለት ሕቶ ሓድነታት፣ ጽላላት፣ ልፍንትታት …ወዘተ ነይሩ። ኣብ’ዚ ከም መልህቕ ዝተታሕዘ ነጥቢ ከኣ እቲ ርኽክብ ቅርጡውን ተግባራውን ክኸውን፣ ማለት ካብ’ቲ መወዳእታ ዘይብሉ ኮለላት ሰጊሩ ንክውንነት ህዝብን ሃገርን ቅድምያን ግምትን ክህብ ርእዩ። ስለዚ ከኣ ነቶም ድሮ ውድብ ዝጀመሮም ርኽክባት ትዅረት ክህቦምን ኣብ መደምደምታ ክበጽሓሎምን ኣማሕጺኑ።

ኣብ መደምደምታ፦ ኩሉ ሸነኻዊ ኣተሃላልዋ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝጓዓዞ ዘሎ ናይ ውግኣት ኣንፈትን ኣዝዩ ከም ዘሻቐሎ 7ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ብቐረባ ገምጊሙ። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ንዅሎም ነቶም ኣብ ናይ ስልጣን መንኮርኮር ብሓላፍነት ዝርከቡ መራሕትን ሰልፍታቶምን ንከባቢና ካብ ናይ ኣህጉራዊ ናይ ኣጽዋር ዕዳጋን ግዳይን ናብ ናይ ዘላቒ/ነባሪ ሰላምን ናይ ሓባር ቁጠባዊ ምዕባሌን ኣቢሎም ክጽዕዱ 7ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ው.ሓ.ኤ ይጽውዕ። ነባሮ ናይዚ ከባቢ ድማ ድሙቕ ርኽክባትን ናይ ለውጥን ዲሞክራስን ምሕዝነታት ዝፈጥረልና ናይ ቃልሲ መትከላዊ ዝምድናታትን እስትራተጂን ዳግም ክንድህስስ ክህልወና’ዩ።

ክብርና ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ

ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና!

20 ነሓሰ 2023

Comments


Hi! We warmly welcome your valuable opinions in the comment section below! Login

እዋናዊ ጽሑፋት


መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ብፈስቲቫል ዝተመኽነየ ናይ ባእስን Read more

schedule July 19 2023

24 ጉንበት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ታሪኽ ዘንጸፈት ዕለት ኢያ። Read more

schedule July 20 2023

(OEU) statement on the Current Armed Conflict goin Read more

schedule July 20 2023

ጋዜጣዊ መግለጺ ማእከላይ ባይቶ ው.ሓ.ኤ Read more

schedule July 20 2023

ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ!! Read more

schedule July 21 2023

መግለጺ ❼ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more

schedule August 29 2023