ኢትዮጵያ ሓደስቲ ሃገራት ንምውላድ ኣብ ሕማም ሕርሲ እትርከብ ዘላ ሃገር። 19 ሓምለ 2020
ኢትዮጵያ ሓደስቲ ሃገራት ንምውላድ ኣብ ሕማም ሕርሲ እትርከብ ዘላ ሃገር።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝከይድ ዘሎ ቅልጡፍ ዳይናሚካዊ ለውጢ፡ ንኣብ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጋሻ ዝኾነ ሰብ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ዓውደ-ፖለቲካ ኣጽኒዐ
ንዝብል'ውን ክዋጃበሮን ምርዳእ ክስእኖን ባህርያዊ ኢዩ። ኩለን ሃገራት ናይ'ዚ ከባቢ'ዚ፡ ኣተሃላልዋአን ዝተኣሳሰረ, ዘለው ጸገማትን ኣረኣእያታትን ኣዝዮም ዝተሓላለኹ ኢዮም።።እታ ሓንቲ ‘ህንጥሾው’ ክትብል ከላ እታ ሓንቲ ክተንቀጥቅጥ ባህርያዊ እናኾነ መጺኡ። ህዝብታት ሱዳን፡ኤርትራ፡ኢትዮጵያ፡ ጁብትን ሶማልን ኣብ ሓድሕድ ዝተመርኮሰ ማሕበራውን ቁጠባውን ባህላውን ሂወት ስለ ዘለዎም ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ኮይኑ ኣሎ።
ዝምድና ኢትዮጵያን ጁቡትን በቲ ሓደ፡ ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን ድማ በቲ ካልእ፡ዝምድና ናይ ክናናን ምናናን ኮይኑ ኢዩ ጸኒሑ። ዛንታ ክናናን ምናናን ንክልተ ተሓዛዚሎም ተላጊቦም ንዝተወልዱ ሰባት ኢያ ተዘንቱ። እቲ ተሓዚሉ ዝተወልደ ክናና ዓይኒ እምበር እግሪ ኣይነበሮን። እቲ ሓዉ ሓዚሉ ዝተወልደ ምናና ድማ እግሪ እምበር ዓይኒ ኣይነበሮን። ክልቲኦም ድማ ሓደ ኣብ ርእሲ እቲ ሓደ ተሞርኩሶም ክነብሩ ተገዲዶም። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ክናና ቀዲሙ ይመውት እሞ፡ ምናና እቲ ዓይነስውር ረይሳ ሓዚሉ መሬት ጸልሚቱዎ ብስቓይ ኣሰር ክናና ሲዒቡ ሂወቱ ሓለፈት። ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብስነልቦና መራሕትን ኤሊትን ኢትዮጵያ፡ ልክዕ ከም ዝምድና ክናናን ምናናን ኮይኑ ጸኒሑ ጥራይ ዘይኮነስ ገና'ውን ይቕጽል ኣሎ። ዝምድና ኢሰያስን ኣቢ ኣሕመድን እውን ካብ ዝምድና ክናናን ምናናን ዝፍለ ኣይኮነን። እቲ ሓደ እንተ ሞይቱ እት ካልኣይ ክህሉ ኣብዘይኽእለሉ ደረጃ ኢዩ በጺሑ ዘሎ። ኢትዮጵያ፡ ልክዕ ከም መብዛሕቲኤን ሃገራት ብሓይልን ብኩናትን ኢያ ተመስሪታ። እቲ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ 19 ክፍለ ዘመን፡ ካብ ዘመነ መሳፍንቲ ናብ ምእኩል ግዝኣት ምስግጋር፡ኣብ ሴሜናዊ ክፋል ናይ ሕጂ ኢትዮጵያ(ኣቢስንያ) ብሃጸይ ተድሮስ ዝተጀመረ ወፍሪ፡ ንሃጸይ ተድሮስ ዝተክአ ሃጸይ ዮሃንስ፡ ብዘይ ምእኩል ኣገባብ ግዝኣቱ ንደቡብን ንሰሜንን ምስፍሕፋሕ ቀጺሉ። እንተኮነ ሃጼይ ዮሃንስ እዛ ሕጂ ዘላ ኢትዮጵያ ምሉእ ብምሉእ ከይተቖጻጸረ፡ ብ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ተጻብኦ ማለት ብውሽጢ፡ ዘይምእዙዝነት ንጉስ ሚኒሊክ ሽዋን፡ ንጉስ ተክለሃይማኖት ጎጃምን፡ ብባዕዳውያን ድማ ጥልያን ብምድረ-ባሕሪ (ናይ ሕጂ ኤርትራ)፣ ማህዲስት ድማ ብጎንደር ኣብ ከቢድ ጭንቀት ኣትዩ። ሃጸይ ዮሃንስ ጎንደር ንምድሓን ፡ኤርትራ ንጥልያን ገዲፉ ምስ ማህዲ ክዋጋእ ናብ ጎንደር ከቲቱ። ምስ ማህዲ ኣብዘካየዶ ኩናት ድማ ተሰዊኡ። ድሕሪ ሃጸይ ዮሃንስ ዝመጸ ሃጸይ ምነሊክ፡ ኤርትራ ንጥልያን ገዲፉ ግዝኣቱ ንደቡብን ደቡባዊ ምብራቕን ኣስፋሕፊሑ። ሚነሊክ መጀመርያ ብውዕል ውጫለ፡ ጸኒሑ ድማ ብምስምስ ካሕሳ 10 ሚልዮን ሊረ ካብ ኢጣልያ ብምቕባል፡ ውዑል ኣዲስ ኣበባ ፈሪሙ ፡ ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ጥልያን ምኻና ተሰናምዐ። ነዚ ሲዒቡ፡ ን ሱዳንን ገለክፋል ሶማልን ትገዝእ ዝነበረት እንግሊዝን ንጁቡቲ ትገዝእ ዝነበረት ፈረንሳን ስምምዕ ድሕሪ ምፍራም፡ እዛ ሕጂ ናይ ምፍራስ ሓደጋ ዘንጸላልዋ ዘሎ ነጻን ልዑላዊትን ሀገረ-ኢትዮጵያ ቆመት። ሃጸይ ሚኒልክ ግዝኣቶም ንምድልዳ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያ ከቢድ በሰላ ገዲፎም ኢዮም። ካብ ኣምሓራ ዝኸዱ ወተሃደራት (ነፍጠኛ) ንኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ቢሄረ-ሰባት ብፍላይ ድማ ኦሮሞ(ጋላ) ብሓይሊ የገብርዎም ነይሮም። ኣበያ ንዘርኣዩ ድማ ብዋንነት ከም ባራዩ ይሕዝዎሙን ይሸጡዎምን ነይሮም። ሃጼይ ምነሊክ፡ መሸጣ በራዩ ብወግዒ "ክልኩል" እካ እንተበሉ፡ ብግብሪ ግን ኣብ ዘመኖም ይቕጽል ነይሩ ኢዩ። ንገዛእ ርእሶም ምስ ስድራቤቶም ዝውንንዎም "ሰብዓ ሽሕ" ባራዩ ከምዝነበሩዎም ይዝንቶ።
ህዝቢ ኢትዮጵያ እምበኣር፡ ዘለዎ ቁጠባዊ ሽግር፡ ሕጽረት ትምህርቲ፡ ታሪኻዊ ትርጋመ፡ ቢሄራዊ ኣኽራርነት፡ ጂኦ-ፖለቲካዊ ጽልዋ፡ ሃይማኖታዊ ምትፍናን፡ ምትእትታው ሓያላን ሃገራት፡ ኣዝዮም ዝተረሓሓቑ ስነ-ልቦናዊ ኣመለኻኽታን ዝፈጠርዎ ዝተሓላለኸ ሽግር፡ ሃገራዊ እምነትን ሃገራዊ ረብሓን ስማዊ ኮይኑ፡ ሃገራውን ሰብኣውን ክብርታት ባይታ ዘቢጡ፡ ንውልቀ-ሰባትን ውልቀ-ጉጅለታትን ብዘርብሕ፡ ኣብ ሽክዕን ምድንጋርን ዓመጽን ዝተመስረተ ፖለቲካ ቀንዲ ሕመረት ኮይኑ ኣሎ። ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣብ ሰዓርን ተሰዓርን፡ ጥልመትን ክሕደትን ዝተሞርኮሰ ኮይኑ ንዘመናት ጸኒሑ ኢዩ። ዛንታ ኢትዮጵያ፡ "ሃጼይ ተድሮስ ንውበ ኣሲሩዎ፡ ሃጸይ የውሃንስን ሃጸይ ምነሊክን ንሃጸይ ተድሮስ ከዲዖሞ፡ ሃጸይ ሚኒሊክ ንሃጸይ ዮውሃንስ ጠሊምዎ"፡ ዝብሉን ካልኦት ብዙሓት ተመሳሰልቲ ክዝንተው ዝጸንሑ ዛንታታትን ሓድግታትን ክቕለስ ጸኒሑ። ህዝቢ ኣምሓራ "ሃጸይ ሚኒሊክ ዘመናዊት ኢትዮጵያ ዘቖመ ጅግና፡ ተምሳል ኢትዮጵያ ኢዩ" ብምባል ክሕበኑሉ ከለው፡ ህዝቢ ኦሮሞ ንሃጸይ ምኒሊክ "ንኦሮሞን ህዝቢ ደቡብ ኢትዮጵያን ዘጽነተ ገበነኛን ወራሪ መራሒ ነፍጠኛን" ብምባል ይገልጽዎ።ካብ'ዚ ስነ-ልቦናዊ ዕዳ'ዚ ብምንቃል ድማ መንእሰያት ኦሮሞ (ቄሮ)፡ ሓወልትታት ሃጸይ ምነሊክን ሃጸይ ሃይለስላሰን የዕንውዎ ኣለው። ጥልመትን ክሕደትን ክድዓትን ዝዝንተዎ ፖለቲካ ኢትዮጵያ፡ ሃይማኖትን ዘርእን ተወሲኹዎ ኣብ መዕረፊ ዘይርከቦ ቢሄራዊ ግጭት ወዲቑ ኣሎ።
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሓይሊ ዝተመርኮሱ መንግስታትን ሃጸያትን ክመርሑዋ ብምጽናሖም እዞም ኣረኣእያታት ተጸቒጦም ኢዮም ጸኒሖም። እንሆ ሎሚ ሓይሊ ማእከላይ መንግስቲ ምስደኸመ፡ "ሰብ ናብ ሰቡ ዝብኢ ናብ ገረቡ" ከምዝበሃል፡ በቢ ቢሀሮምን ዓሌቶምን ሃይማኖቶምን ተወዳዲቦም ዘይስልጡን ቢሄራውን ሃይማኖታውን ቃልሲ ይቃለሱ ኣለው። ነናይ ገዛእ ርእሶም ወተሃደራትን ናይ ጸጥታን ሃኒጾም፡ ነዚ ዘቀላጥፉ ናይ ገዛእ ርእሶም ማዕከናት ተለቪዥን ተኺሎም ፡ ሓድሕድ ኣብ ምጥቕቓዕ ይርከባ። ዝተጋነነን ሓሶትን ሓበሬታታት ምስ ሓቀኛ ሓበረታታት ተሓዋዊሱ ምፍላይ ተሳኢኑ ኣሎ።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ወፍርን ስራሕን ደስኪሉ ኣሎ። ልክዕ ከም ንዩጎዝላቭያ ዘጋጠማ ቁጠባዊ ምጭንናቕ ዝፈጠሮ ሽግር ጸኒሑ ናብ ምብትታን ዘምርሐ፡ ኣብ ኢትዮጵያ’ውን መጠነ ፍርያምነት ባይታ ዘቢጡ፡ ዝቕባበን ሽቅለት ኣልቦነትን ልዕሊ ጥርዚ በጺሑ ኣሎ። እዚ ቁጠባዊ ጥፈሻ እዚ፡ ሕማም ኮሮናን፡ ኣንበጣን ድርቅን ተሓዊስዎ፡ ንቑልቁል ተሸኺሉ ኣሎ። ኢትዮጵያ ካብ ዓለም ብዝተፈናቐሉ ዘጋታታ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ትርከብ። እዚ ድማ ምስዝጸንሑ ሕዱራት ሕማማት መንነትን ዘርእን ሃይማኖታዊ ጸገማትን፡ ኢትዮጵያ ትበሃል ሃገር ህላውነታ ኣብቂዑ ናብ መዝገብ ታሪኽ ክትኣቱ ኣብ ኣፍደገ ትርከብ። ኣብ ክልል ደቡብ ተጠርኒፎም ካብ ዝነበሩ ቢሄራት፡ ሲዳማ ናይ ገዛእ ርእሶም ክልል ክምስርቱ ከለው፡ ወላይታ፡ ጉራገ፡ ሃድያ ዝርከብዎም 7 ቢሄራት ናይ ገዛእ ርእሶም ክልል ይጠልቡ ኣለው። " ወላይታን ስዲማን ፡ "ኣካል ኣቢስንያ (ናይ ሎሚ ሰሜን ኢትዮጵያ) ኣይነበርናን ብምባል ክንዮ ክልል ናብ ሃገርነት ዝቐንዐ ኣጀንዳ ሒዞም ይንቀሳቐሱ ኣለው። ወላይታ ናይ ሰለስተ ሽሕ ዓመት ስልጣነ ከምዝነበሮም ብምሙጋት ዓንቀጽ 39 ተጠቒሞም ነጻ ሃገር ናይ ምኻን ዕድሎም የግፍሑ ኣለው። video መራሕትን ምሁራትን ህዝቢ ኣምሓራ፡ ሃጼይ ተድሮስ፡ ሃጼይ ሚነሊክን ሃጸይ ሃይለስላሰን ኣብነት ብምውሳድ፡"ኣምሓራ ማለት ፡ኢትዮጵያ ማለት ኢዩ" ኣብ ዝብል ስነ-ልቦና ረጊጾም ንሓያሎ ዘመናት ብኢትዮጵያዊ ትምክሕቲ ከይዶም ኢዮም። ሚልዮናት ደቂ ሓረስቶት ኣምሓራን ኦሮሞን ኣኽቲቶም ኣንጻር ናጽነት ኤርትራ ንሳላሳ ዓመታት ተቓሊሶምን ሃሊቖምን። ድሕሪ ስዕረቶም እውን እንተኾነ፡ ዓቕሚ ሲኢኖም ኣድብዮም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ዝሓለፉ 2ዓመታት፡ "ቀይሕ ባሕሪ፡ ብታሪኽን ስነልቦናብ፡ ጂኦግራፍያዊ ቅርበትን ብዝሒ ህዝብን፡ መጉትና ይብጽሓና ኢዩ፡ እንተዘይኮይኑ'ውን ብሓይሊ ክንመልሶ ኢና" ክብሉ ተሰሚዕም። "ብዘበን ውበ ዝጸመመ ውበ ክብል ነበረ" ከምዝበሃል፡ ቀይሕ ባሕርና ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ባሕርና ብዘለው ቀያሕቲ ዕንባባ ዘይኮና እንፈልጦ፡ ባሕርና ካብ ባዕዳውያን ንምክልኻል ብዝኸፈልናዮ ቀይሕ ደምና ከም እንፈልጦ ገና ኣይተሰወጦምን። ቀይሕ ባሕርና እምበኣር ምስ ቀይሕ ድምና መፍለዪ የብሉን።
ኣኽረርቲ ኣምሓራ ባሕርና ከቃሙቱ ኣብ ቱሽቱሾም ዝነበረ እንቃቕሖኦም ወዲቑ ተሰቢሩ ኣሎ። መራሕትን ጀነራላትን ክልል ኣምሓራ ኣብ ሓደ ረፍዲ "ነንሕድሕዶም ተቓቲሎም" ዝብል፡ ብናጻ ኣካል ዘይተረጋገጸ፡ መላሲ ወረ ዘይብሎም ክጠፍኡ ተገይሩ ኢዩ። ሎሚ ህዝቢ ኣምሓራ ዝውድቦን ዝጣበቐሉን መራሒ ሲኢኑ ኣብ ማእከል'ታ " ኣምሓራ ማለት ኢትዮጵያ ማለት ኢዩ" ዝብላ ዝነበረ ሃገሩ፡ "ነፍጠኛ" እና ተባህለ ይቕተልን ይግፋዕን፡ ንብረቱ ይቃጸልን ይዝረፍን ኣሎ። ካብ ኢትዮጵያዊ ስነ-ልቦና ናብ ኣምሓራዊ ስነልቦና ከዝልቕ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን'ውን እንተኾነ፡ ዘሎ ግርጭታት ኣብ መንጎ ኣምሓራን- ኦሮሞን፡ ኣብ መንጎ ኣምሓራን ቤንሻንጉልን፡ ኣብ መንጎ ኣምሓራን ትግራይን፡ ኣብ መንጎ ኣምሓራን ዓፋርን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ነንሓድሕዱ፡ ኣብ ሞንጎ ኣምሓራን ቅማንትን ኣገውን፡ ዘሎ ኣዝዩ ዝኸፍአ ኮይኑ ኣሎ። ህዝቢ ኣምሓራ ዝርግርግ ዝበለ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኣቃውማ ሒዙ ተሪፉ ኣሎ። ክልል ሶማል'ውን እንተኾነ፡ ካብ ነዊሕ እዋን ን ኣስታት 30 ዓመታት ኣንጻር ፈደራላዊ መንግስቲ ክቃለሱ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ድሕሪ ምምጻእ ዶክተር ኣቢ ናብ ዓዶም እካ እንተ ኣተው፡ ኣብ መንጎ ቢሄረ ኦሮሞን ቢሄረ ሶማልን ዘይዓረፈ ዘሎግርጭት፡ ጥፍሽና ፈደራል መንግስቲ ተደሪቡዎ፡ 10 ሚልዮን ህዝቢ ኦጋዴን 400ሽሕ ትርቢዕት ኪሎሜተር መሬቱ ሒዙ ንክፍለ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ኣሎ። ፕረሲደንት ክልል ሶማል ነበር ዓብዱ ዒለ፡ ድሕሪ ደኩተር ኣቢ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ኣልዩ ምሕያሩ፡ ብዙሓት ደገፍቲ ዓብዱ ዒለ ናብ በረኻ ሸፊቶም ኢዮም። ድሕሪኡ’ውን መንግስቲ ክልል ሶማል ተደጋጋሚ ክፈርስ ተራእዩ ኢዩ።
ክልል በኒሻንጉል ጉሙዝ፡ ኣብ ከርሱ ተሰሪሑ ዘሎ ዲጋ ኣባይ፡ ሕንብርቲ ፖለቲካ ኒል ብምኻኑን፡ ካብ ኣሓቱ ዝኾና ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ብ ዘጋጥሞ ዘሎ ቀጻሊ ግርጭትን ከም ኡ'ውን ምስ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ዘለዎ ተሪኻዊ ርክብን ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ ሃለውሳ ወዲቑ ኣሎ።
ብሄረ ኦሮሞ ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዝዓበየ ቢሄር ኢዩ። ዝበዝሐ ክፋሉ ኣብ 16 ክፍለዘመን ጋሶት ኮይኖም ሳጊሞም ስለዝመጹ ጋላ (ሓዱሽ መጻኢ) ተባሂሎም ብህዝቢ ኣቢስንያ ይጽውዑ ነይሮም። ህዝቢ ኦሮሞ፡ ብዝነበሮም ዝተፈላለየ ኣነባብራ፡ ማለት ዝበዝሑ ጋሶት፡ ገለ ሓረስቶት፡ ገለ ኦርቶዶክስ ክርስትያን፡ ገለ ሞስሊም ገለ ድማ እምነት ዘይብሎም ብምንባሮም፡ ውህደት ኣይነበሮምን። እዚ ዘስዓቦ ድማ ብዙሓቶም( majority) ክንሶም ፡ ውሑዳት (minority) ኮይኖም፡ ን መግዛእቲ ናይ ኣምሓራ ነገስታት ተሳጢሖም። ኣምሓራዊ ቃንቃን ኣምሓራዊ ባህልን ንክስዕቡ ተገዲዶም። እንሆ ሕጂ ምስ ምምጻእ ምሁራት ደቂ ኦሮሞ፡ "ኦሮሞ ኣብቲ ግቡእ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ባህላውን ቦቱኡ ክቕመጥ ኣለዎ፡ ኢትዮጵያ ክትቅጽል እንተ ኮይና ናይ ኦሮሞ ሓይሊ ሚዛን ኣብ ቅድሚት ክስራዕ ኣለዎ" ብምባል ካብ ኣምሓራዊ ባህልን ቃንቃን ፖለቲካን ክወጹ ኣብ ከቢድ ቃልሲ ኣለው። በዚ ዘሎ ህሉው ኩነታት ምስ እንምልከት ናህሪ ግስጋሰ ኦሮሞ ንድሕሪት ክምለስስ ይትረፍ፡ ብክትቆጻጸሮ ዘይትክእል ፍጥነት ይጎዪ ኣሎ። ባንደራ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) ኣብ ክልል ኦሮሞ ኮነ ኣብ ዲያስፖራ ብዝነብሩ ተወለድቲ ኦሮሞ ብክብሪ ተንበልብል ኣላ።
ድሕሪ እቲ ኣብ ዕለት 29 ሰነ 2020 ዘጋጠመ መቕተልቲ ህቡብ ድምጻዊ ኦሮሞ ዝኾነ ሃጫሉ ሁንደሳ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዘይትወጾ ከቢድ ዕግርግር ወዲቓ ኣላ። ሃጫሉ ሁንደሳ፡ ን መሰል ህዝቢ ኦሮሞ ትሕቲ ዕድመ ከሎ ዝጀመሮ ቃልሲ፡ ወዲ 17 ዓመት ከሎ ኣብ ቤት ማእሰሪ ብምእታው ንሓሙሽተ ዓመታት ተገሪፉ ኢዩ። ድሕሪ ምውጽኡ'ውን ሓያል ተነጽሎን ዕፈናን ክግበረሉ እካ እንተጸንሐ፡ ንመንእሰያት ኦሮሞ ዘበራብር ቢሄራዊ ደርፍታት ብምድራፍ ኮኾብ ጅግና ደራፋይ ኮይኑ። ሰሙን ቅድሚ ምቕታሉ ኣብ ናይ ኦሮሞ መድያ ብምቕራብ፡ ንሓወልቲ ሃጸይ ሚኒሊክ ከርምዘይቕበሎ ብምግላጽ " ሃጸይ ሚነሊክ ብኣድጊ መጺኡ፡ ኣድጉ ገዲፉ ካብ ኦሮሞ ፈረስ ብምውሳድ ዝተሳእሎ ስእሊ ኢዩ" ከም ዝበለ ይፍለጥ። እዚ ቀንዲ ምኽንያት ነቲ ብቐጻሊ ክትረኽ ዝጸንሐ፡ 5 ሚልዮን ህዝቢ ኦሮሞ ብኣምሓራ ተጨፍጪፍና፡ ከተማታት ኦሮሞ ናይ ነፍጠኞች (ወተሃደራት ኣምሓራ) ሰፈራታት ኢየን። ኦርተዶክስያዊት ቤተክርስታይን ንረብሓ ኣምሓራ ዝጣበቓ ኢየን እናተባህለ ክኸይድ ብምጽንሑ፡ ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ድሕሪ ሰዓታት ከተማታትን ኣብያተ ክርስትያንን ክቃጸላ ጀሚረን። ከተማ ሸሸመነ ዝበዝሐ ክፋላ ክትቃጸል ከላ ብዙሓት ከተማታት'ውን ብከፊል ዓንየን ኣለዋ። ዝኸይድ ዘሎ ዘስካሕክሕ ቅትለት፡ ካብ ሰብኣውነት ሓሊፉ ንረኣዪ ዘሰቅቕ ኮይኑ ኣሎ። ሰባት ተቐቲሎም ብሞተርሳይክል እናተጎተቱን እናተሰቐሉን ውጹእ ኣረመንነት ይፍጸም ኣሎ። ዳግም ከም ናይ ሩዋንዳ ሰብኣዊ ህልቂት፡ ዘኸተለ ብታሰራ እናፈለኻ ምቅታል ተራእዩ። መካይን ቁጽሪ ሰሌዳአን እናተራእየ ተቓጺለን። እዚ ግርጭት እዚ፡ ናብ ድያስፖራ ሊሕሙስ ኣብ ዋሽንግቶን ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ሰለማዊ ሰልፊ ትውልዲ ኢትዮጵያዊ ዝኾነ ውልቀሰብ ተኹሲ ብምኽፋት ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ተወለድቲ ኦሮሞ ንመጀመርያ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ኣሎ። እዚ ናዕቢ እዚ ኣፍሪቃ ዳግም ህልቂት ርዋንዳ ከይትርኢ ፖለቲካውያን ተንተንቲ ስግኣቶም ይገልጹ ኣለው።ዶክተር ኣቢ ዘለዎ ተሰማዕነት ባይታ ዘቢጡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ግብረ-ሽበራዊ ምኻኑን ኣብ ፍርዲ ክቐርብ ከምዘለዎ ዝጽውዑ ሰለማዊ ሰልፍታት ይካየዱ ኣለው። ካብ ዕለተ-ቅትለት ሃጫሉ ዝቐጸለ ሰለስተ ሳምንታት ጥራይ እንተሪኢና፡ ልዕሊ 300 ሰባት መንነቶምን ቢሀሮምን ብምፍላይ ክቕተሉ ከለው፡ ከምበዓል ጆሃር መሓመድ፡ በቀ ለገርባ፡ እስክንድር ነጋን ልደቱ ኣያለው ዝርከብዎም ህቡባት ፖለቲከኛታት ኣብ ቀይዲ ብምእታዎም ኣብ ውሽጥን ደገን ዓቢ ህዝባዊ ነውጺ ፈጢሩ ኣሎ። ልዕሊ 4000 መንእሰያት ተኣሲሮምን ገና ይእሰሩን ኣለው።
ብካልእ ወገን፡ ክልል ትግራይ ዋላ እካ ብብዙሕ ተጻብኦታት ተከቢባ እንተሃለወት፣ እታ እንኮ ብተዛማዲ ሰላም ዘላ ክልል ኢያ። ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህውሓትን ህዝቢ ትግራይን ዝጀመረ ናይ ጽልኢ ዘመተ፡ ንክልል ትግራይ ካብ ማእከል ኢትዮጵያ ከምትንጸል ገይሩዋ ጸኒሑ ኢዩ። ትግራይ እታ እንኮ ኣፍደገ ኮይና ተገልግላ ዘላ ክልል ዓፋር ኢያ ዘላ። ክልል ዓፋር ብቀጥታ ናብ ጁቡትን ናብ ኣዲስ ኣበባን መራኸቢ ካብ ትኸውን ልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣቑጺራ ኣላ። እንተኾነ ህዝቢ ዓፋር ብ ናይ ዘርኢ ድሕረ-ባይታ ካብ ነገደ ኩሽ ብምኻኖም፡ ነዚ ከም ዕድል ተጠቒሙ ዶክተር ኣቢ "ንስኻትኩም ከማይ ኩሽ ኢኹም" ብምባል ክሕዞምን ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ክልል ዓፋር ጋግ ፈጢሩ ምስ ህወሓት ከባእሶም ሓያሎ ፈተነታት ይገብር ኣሎ። ህውሓት'ውን እታ እንኮ መስመሮም ከይትዕጸዎም ቁጠባዊ ሓገዛት ዘጠቓለለ ሓያል ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ኣብ ምግባር ይረባረቡ ኣለው። ክልል ዓፈር ከም ጉታ ገመድ ,ብምስሕሓብ ህውሓትን ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ክልተ ተመቒሉ ክርመስ ዘለዎ ተኽእሎ ልዑል ኢዩ። መንግስቲ ትግራይ ብወገን ሱዳን ክህልዎ ዝኽእል ኣፍደገ ኣዝዩ ጸቢብ ኢዩ። ኢሰያስ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዘለው ዓልየትት ናይ በለጽ ዝምድና ኣዝዩ ልዑል ስለዝኾነ፡ ህውሓት ናይ ምጥቃም ዕድሎም ናብ ዜሮ ዝቐረበ ኢዩ። ተወለድቲ ትግራይ፡ ኢትዮጵያ ሃገሮም ክንሳ ካብ ትግራይ ወጻኢ ምንቅስቓስ ንሓደጋ ዘሳጥሕ ኮይኑ። እዚ ዘይውሑስ ኩነታት ዝፈጠሮ፡ ኢትዮጵያዊ ዜግነት ትርጉም ዘይብሉ ኮይኑ። መብዛሕቲኡ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ መንእሰያት ናይ ምንጻል ስነልቦና ኣማዕቢሎምስ ንኩሉ እንተታት ድልዋት ኮይኖም ኣለው።
ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ፡ "ህዝቢ ኣነዓዒበን" ብዝብል፡ ብዓል ስልጣን ብሮድካስቲን ኢትዮጵያ ንተለቭዥን ድምጺ ወያነን ተለቭዥን ኦሮሞ መድያ ነትዎርክን ካብ መስመር ውጻኢ እካ እንተገበረን፡ ኣብ ሰሙን ዘይመልእ፡ ብቐጥታ ናብ ኣአንጋዲ ዝኾነ ናይል ሳት (NileSat) ኣምሪሖም። ናይል ሳት ብግብጺ ዝውነን ናይ ተለኮሙኒከሽን ካምፓኒ ኢዩ። ግብጻውያን ዓይኖም ከይሓሰዩ "ሰብኣይን ሰበይትን ዝተባኣስሉ መኣዲ ይፍጠረልካ" ከምዝበሃል ብቕልጡፍ ኩንትራቶም ክውን ብምግባር፡ ፈነወአን ቀጺለን ኣለዋ። እዚ ድማ ናይ ደገ ሓይልታት ብፍላይ ግብጺ ምስ ዘለዋ ናይ ኣባይ ግድብ ህልኽ ዝያዳ ኢዳ ክተእቱ ባብ ከፊቱላ ኣሎ። ኩነታት ፈደራላዊ መንግስትን መንግስቲ ክልል ትግራይን መመሊሱ እና መጸጸ መጺኡ ሎሚ ኣብ ጥርዙ በጺሑ ኣሎ። ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ህወሓት፣ “ሕገመንግስቲ ተጣሒሱ” ብምባል ካብቲ ባዕሉ ዝመስረቶ ግንባር (ኢሂኣደግ)፣ ክስሕብ ተገዲዱ ኢዩ። ህውሓት ንዝሓለፉ 2 ዓመታት ብዝነበርዎ ነንሓድሕዶም ዘይቃደው ኣብ ናይ ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣረኣእያታት፡ ኣብ ሰለስተ ተፈላልዩ ጸኒሑ። እቲ ቀዳማይ "ምስ ዶክተር ኣቢ ኮና ኢሰያስ ዝጠልቦ ዘበለ ኩሉ ኣማሊእና ንትዓረቕ" ዝብል ኢዩ። እዚ ብማሕበር ሰብ ሃብቲ ትግራይ ዝቕለስ ኮይኑ፡ ድሕሪ እቲ ብ 11 ለካቲት 2019 ዝገበርዎ ዕርቂ ህውሓት ምስ ከም ብዓል ስየ ኣብርሃን ገብሩ ኣስራትን ዝኣመሰሉ ነባራት መርሕቲ ህወሓትን ገርናዮ ዝብልዎ ዕውት ዕርቂ፡ ከም ካልኣይ መደብ ምስ ኢሰያስ ብምዕራቕ ትኣምር ሰሪሖም፡ ጎባልል ዓራቖ ኮይኖም፡ ድንግላት ዝኾና ወደባት ዓሰብን ባጽዕን ወፍሪ (investment) ከካይዱ ኢዩ ነይሩ መደቦም። እንተኾነ "ህውኽ ዝብኢ ቀርኒ እነክስ" ከም ዝብሃል ሓሳቦም በርዒኑ ተሪፉ። ኢሰያስ ንልዕሊ 50 ዓመታት ብ እከይ ተግባራቱ ንህዝቢ ዘላደየ ምኻኑ ማንም ሰብ ዝስሕቶ ኣይኮነን። ብሰንኪ ኢሰያስ መንእሰያትን ሰብጸጋን ኤርትራውያን ኣብ ብ ብባህርያዊ ጸጋታት ካብ ኤርትራ ዘይሕሻ ሃገራት ይንከላበቱ ምህላዎም ክስወጦም ነይሩዎ። ኢሰያስ ዘይከም ሕሉፉ ሙስሉያዊ ባህሩ፡ ነቓጽ ጽልኡ ብምርኣይ ጸማም እዝኒ ሂቡ ተስፋ ኣቑሪጽዎም። ኣብ ትግራይ ዘሎ ጽልዋኦም'ውን ደኺሙ ኣሎ።
እቲ ካልኣይ ድማ ምስ ብዙሓት ቢሄር-ቢሄረ ሰባት ብምኻን ዳግም ፈደራላዊ መንግስቲ ብምትካል ናብ ስልጣን ምምጻእ ዝብል ኢዩ። እዚ ብመብዛሕቲኦም ገዳይምን ናይ ዕድመ ሰብ ጸጋን መራሕቲ ህውሓት ዝደልይዎ መትከል ኢዩ። ምምላስ ፈደራላዊ ስርዓትን ምኽባር ሕገመንግስትን። "እዚ ን27 ዓመታት ዝተዓውትናሉ ስርዓት ስለዝተበርዘ ኢዪ ኣብ ሓደጋ ወዲቕና" ዝብል እምነትን ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበሩሉ ምስ ገለክፋል ናይ ቢሄረሰባት መራሕቲን ጸለውቲ ውልቀሰባትን ብዝነበሮም ዝምድና ምርኩስ ብምግባር ገና ኣምልኾኦም ኣብ ፈደራላዊ-ስርዓት ይቕጽል ኣሎ። እዞም ጉጅለ እዚኦም ምስ ስርዓት ህግደፍ ኣዝዮም ኣብ ጽልኢ ዝኣተው ኮይኖም፡ ገና ንስርዓት ኢሰያስን ህዝቢ ኤርትራን ልዑላዊ መሬት ኤርትራን ፈልዮም ዘይርእዩ ኢዮም። "እታ እንኮ ዕድል ህዝቢ ትግራይ ምትካል ፈደራላዊ መንግስቲ ኢዩ" ዝብል ልዑል ኣምልኾ ኣለዎም።
እቲ ሳልሳይ እና ሓየለ ዝመጸ ብመንእሰታትን ምሁራትን ተጋሩ ዝተዓብለለ ''ቅድም ትግራይ" ዝብል ሓይሊ ኢዩ። እዚ ሓይሊ እዚ "ኢትዮጵያ ቦኽቢኻ ስለዝኾነት ክትስከመናስ ይትረፍ ክንስከማ'ውን ኣይንኽእልን፡ ክተመሕድረናስ ይትረፍ ክነመሓድራ'ውን ዝከኣል ኣይኮነን" ዝብል መደምደምታ በጺሖም ኣለው። ትግራይ ካብ ሕጂ ንድሓር ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ብ ኮንፈደረሽን እንተዘይ ኮይኑ፡ ናብ ኣሃዳዊ ይኹን ፈደራላዊ ጽምዶ ከምዘይኣትዉ ብተኣማንነት ይገልጹ ኣለው። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝሕሰብ ዘሎ ክልላዊ ምርጫ ድማ ብድፊኢት ናይዚ ሓይሊ እዚ ኢዩ። እዚ ሓይሊ እዚ ምስተን ዲሒረን ዝተመስረታ ናይ ትግራይ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሳልሳይ ወያነ፡ ባይቶናን ሰልፊ ናጽነት ትግራይን ጽቡቕ ዝምድና ስለዝገበረ፡ ን ውህደት ህዝቢ ትግራይ ኣሐይልዎ ኣሎ። ከም ውጺኢቱ ድማ እነሆ፡ ኮምሽነር ኮምሽን ምርጫ ኮይኖም ተመሪጾም ዘለው መምህር ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም "ቀዳምነት ትግራይ" ዝብል መርገጺ ዘለዎም ኢዮም። ኮምሽነር ምርጫ ትግራይ ዝኾኑ መምህር ምሉወርቅ ኪዳነማርታም ድሕሪ ምምራጾም "እዚ ምርጫ እዚ ንትግራይ ናይ ሞትን ሕየትን ኢዩ" ክብሉ ገሊጾም። እዚ ዘርእየና ስእሊ እንተሃልዩ ድማ ኢትዮጵያዊ ኣተሓሳስባ ዝነበሮም ተጋሩ እናተሳዕሩ ከምዝመጹ ይበርህ ኣሎ። መንግስቲ ትግራይ ንኩሉ እንተታት ንምብዳህ ኣብ ኩሉ መደያት ከቢድ ምድላዋት ይርከብ ። ዶክተር ኣቢ፡ ምርጫ እንተ ተኻይዱ ስጉምቲ ከምዝወስድ ገሊጹ ኣሎ። እዚ ምፍጣት እዚ እንታይ ከምዝወልድ ዕድመ ይሃበና ድሕሪ ክልተ ወርሒ ዝርአ ኢዩ።
ኢትዮጵያ ዘላቶ ኩነታት ኣዝዩ ሓደገኛ ኢዩ። ዋላ እካ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ ብዓብላሊ ኣብ ክልተ ማለት ፈደራላውያን ሓይልታን ኣሃዳውያን (ሓድነታውያን) ሓይልታትን እንተ መሰለ፡ ኣብ ውሽጡ ዘሎ፡ ቢሄራውን ሃይማኖታውን ታሪኻውን ፍልልይ፡ ኢትዮጵያ ከምዘላቶ ዘቐጽላ ኣይኮነን። ከምቲ ቅድሚ 25 ዓመታት ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ዝነበረት ሃገረ ዩጎዝላቭያ ዘጋጠማ፡ ሎሚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓያሎ ሃገራት ካብ ኢትዮጵያ ክውለዳ ኣብ ሕርሲ ኣለዋ። ኣብ ከም'ዚ ዝበለ ዝተሓላለኸ ናይ ፖለቲካ ጥፍሽና፡ ብወገን ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ሓያሎ ኣወንታዊ ለውጢ ተራእዩ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዘሎ ህዝብና፡ ካብ 1998 ጀሚሩ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ተዓጽዩ ብምንባሩ፡ ድሕሪ እቲ ስማዊ ሰላም፡ ቁሩብ ንፋስ ስለዝረኸበ ዝሓሸ ናይ ስነ ልቦናዊ ለውጢ ገይሩ ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ ከም ትኻን ኣጸልሚቱ ደም ህዝብና ክመጺ ብምጽንሑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዝረኣዮ ተዛማዲ ምዕባለ ትሕተ-ቅርጺ "እዚ ኩሉ ዓመታት ልዕሊ ሓደ ሚልዮንን ፈርቓን መንእሰያትና ከርተት ዝበልዎ ወፍሪ ዋርሳይ ይክኣሎስ ንኾንቱ ኢዩ ነይሩ፡ ጉልበትን ዕድመን መንእሰያትና ንኾንቱ ባኺኑ" ብምባል ከስተንትኑ ኢዮም ተራእዮም። እዚ ስነ-ልቦናዊ ለውጢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንስርዓት ህግደፍ ዓቢ ስነ ኣእሙራዊ ነውጺ ፈጢሩሉ፡ "ኣይከሰርናን፡ ምሕንጻጽ ዶብ'ውን ኣገዳሲ ኣይኮነን ክብል ጸኒሑ፡ ገና ከይ ሓፈረ "ህውሓት ካብ ባድመ ከይወጸት ሰላም የለን" ክብል ተሰሚዑ። ኢሰያስ ሎሚ ኣብ ጎልጎል ዝወግሖ ዝብኢ ኮይኑ፡ ኣይንዓቐብ ኣይንቑልቁል ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ጎድኑ ተሰሊፎም ዘለው፡ ማሕበራዊ ፊጮ ዝኾኑ ውልቀሰባት፡ ምስሉያትን ተበለጽትን ስለዝኾኑ፡ ኣትኪሎም ብመትከል ዘውሕስዎ ኣይኮኑን። ልክዕ ከምዞም ኣብ ድያስፖራ ኮይኖም ሃዲሞም መጺኦም ክንሶም፡ ትፋኦም ሊሒሶም፡ ክልተ ካብ ሚኢቲ ብምኽፋል እሙናት ኤርትራውያን ክመስሉ ዝፍትኑ፡ ኣብውሽጢ ኣብ ጸግዒ እቲ ስርዓት ዘለው ውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ብላዕን ምዝመዛን ዓመጽን ዝተዋፈሩ ሕልና ኣልቦ ምስሉያት ኢዮም። እዞም ዓይነት ሰባት እዚኦም ድማ ኣብ ፈታኒ እዋን ዝሕግዙኻ ኣይኮኑን፡ ቀልጢፎም ክስልበጡኻ ግዜ ኣይወስደሎምን። እዚኦም ድማ ፈራሓትን ስዑራትን ኢዮም።
ህዝብና ብ ኢሰያስ ዝረኽቦ ዘሎ ስቓይ ከይ ኣኽሎ፡ ባህሪ'ውን ግደኡ ገይሩ ንሕማም ኮሮናን ንድርቅን ጥሜትን ተሳጢሑ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ መንእሰያት ደቁ ዘፍርዩዎ ጸባን ቱፋሕን ክምገብ እምበር ዓመት መጸ ብደርቂ ክሳቐ ጻማኡ ኣይነበረን። ነዚ ብምስትውዓል ደላይ ፍትሒ ተቓላሳይ ህዝብና ኣብ ዝሓለፈ ክልተዓመታት ኣዝዩ ሓያል ኣወንታዊ ዝላ ኣርእዩ ኣሎ። ቅድሚ ስማዊ ሰላም ዝነበረ ኣገባብ ቃልሲ ሰለማውን ኩሉ መዳያውን ኣገባብ ኮይኑ ኢዩ ጸኒሑ። እተን ጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ዝኽተላ ናይ ቃልሲ ሓይልታት መንጠሪ ባይታአን ኢትዮጵያ ገይረን ይቃለሳ እካ እንተነበራ፡ ካብ ምኹርማይ ሓሊፈን ግን ክነጥራ ኣይተራእያን። እዚ ድማ ፖሊሲ ናይቲ ግዜ እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምክልኻል ዘተኮረ ፖሊሲ ስለዝነበረ፡ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ንክተጥቅዕ ዘፍቅድ ኣይነበረን። " በየን ኣቲኹም? በየን ወጺእኩ? ብዝብል ጽኑዕ ምቁጽ ጻር ክቃለሳ ኣይከኣላን። ኣብ ከም'ዚ ዝበለ ኩነታት ድማ እቶም ናይ ብሓቂ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስብእና ዝነበሮም ተቓለስቲ፣ ኢትዮጵያ መንጠሪ ባይታ ዘይኮነትስ መኾርመዪ ምኻና ክገልጹ ጸኒሖም ኢዮም። እቶም ብሰለማዊ ኣገባብ ዝብል መርገጺ ዝሓዙ ደለይቲ ፍትሒ'ውን እንተኾነ፡ ሒዘሞ ዘለው ኣገባብ ን ናይ ስርዓት ህግደፍ ክውንነት ዘይምጥን ብምኻኑ፡ ምድንጋጽ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ክህልዎም ከምዝኽእል ክግለጹ ብምጽንሖም፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሊኦም ዘለዎ እምነት ኣጉዲሉ ጸኒሑ። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ግን ጂኦ-ፖለቲካዊ ኩነታት ከባቢና ብምቕያሩ፡ በበይኖም ክቃለሱ ዝጸንሑ ተቓለስቲ ኣብ ሓድነት ክመጹ ተራእዮም ኢዮም። ኣብ መጨረሽታ ሚያዝያ 2018፣ ሓድነት 5 ጥርናፈታት ዘቖሞኦ ብመንእሰያት ዝተዓብለለ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ድሕሪ ምፍጣሩ፡ ነዚ ተከቲለን፡ ኣርብዕተ ውድባት ሃገራዊ ግንባር ኣቑመን። ኣብ መጀመርያ ዓመተ 2019 ውህደት 18 ጥርናፈታት ንሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ክውን ኮይኑ። ኣብ ሓምለ 2019 ንክልተ ውድባት ዘጠቓለለ ሰልፊ ህዝቢ ቆይሙ። ድሕሪ ወርሒ ናይዚ ድማ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይ 2019 ብሓድነት ሰለስተ ውድባት ዝቖመ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተመስሪቱ። እዘን ጥርናፈታት እዚኣተን ድማ እንሀለዋ ኣብ 2020፡ ናብ ሓድነት ዝወስዱ ናይ ሓባር ቃልሲ ከካይዳ ሓይሊ ዕማማት ኣብ ምቓም ይርከባ። እዚ ድማ ዓቢ ተስፋ ንህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ኣሎ። ኣብዚ ጥርናፈ እዚ ካብ ኩለን ገዳይም ፖለቲካዊ ውድባትና ተጋድሎ ሓርነትን ውድብ ህዝባዊ ግንባርን ዝነበሩ ገዳይም ተቓለስቲ ምስ መንእሰያት ተቓለስቲ ደቆም እምነት ሃኒጾም ኣብ ንጡፍ ቃልሲ ይርከቡ ኣለው። ኣባልት ጉጅለ 15 ዝነበሩ ከም ብዓል ሓርበኛ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ኣብ'ዚ ጥርናፈ እዚ ብንጥፈት ይቃለሱ ኣለው። እዚ ጥርናፈ እዚ ግዜን ኩነታትን ሓልዩ ዝመጸ ምስ ምኻኑ፡ ኣብ ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ህውሓት ብወገኑ " ቅድም ትግራይ" ናብ ዝብል መኣዝን ብምምጽ ኡ፡ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓን ውሕስነትን( win win solution) ዝመሰረቱ ናይ ሓባር ጽምዶ ክገብር ግዜኡ ሕጂ ኢዩ።
ብመዳይ ማስ መድያ እንተ ሪኢና'ውን፡ ኣብ ክልተ ረድዮታት ማለት ረድዮ ኣሰናን ኤረናን ተደሪቱ ዝጸንሐ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ክልተ መስመራት ተለቪዥን ማለት ፈነወ ተለቪዥን ኤሪሳትን ኣሰናን ተኸፊተን ህዝብና ሓቀኛ ህላወኡ ይግለጽን ይቃላዕን ኣሎ። እዘን መደበራት ተለቪዥን እዚኤን፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ህዝብና ኣብ ምርኻብ ዓቢ ግደ ይጻወታ ኣለዋ። ህዝብና ልዕሊ ማንም እዋን "ይኣክል" ኢሉ ኣብ በቢ ዝነብረሉ ሃገራት ናይ ይኣክል ባይቶታት ኣቑሙ ንዝግስግሳ ዘለዋ ውድባቱን ተለቪዥናቱን ይሕግዝ ኣሎ። ኣብ መደምደምታ ቀንዲ ክትኮረሉ ዝግባእ ድማ፡ ንስርዓት ህግደፍ ክነዕኑ ክንብል፡ እቲ ን ኣሽሓት ዓመታት ዝሃነጽናዮ፡ ካብ ብዙሓት ወረርቲ እናተኸላኸለ ፡ ኣብ መወዳእታ ውን ናጽነት ኤርትራ ዘረጋገጸ ክብርታትና ከይነዕንዎ ክንጥንቀቕ ይግባእ። ኣብ ጎረበትና ኢትዮጵያ ከም እንሪኦ ዘለና፡ ህውሓት ንምእላይ፡ "ናይ ትግራይ ላዕለዋይነት (የትግራይ በላይነት)" ብምባል ሓሶትን ምግናንን ዝዓብለሎ ብፎቶሾፕ ዝተቐናበረ ምስልታትን ድራማታትን፡ ሎሚ ድሕሪ ምእላይ ህወሓት ናብ ሓድሕድ'ቶም ዘቀናብሩ ዝነበሩ ተመሊሱ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ፍጽም ደልሃመት ኣትያ ኣላ። ከም'ቲ ለባማት ወለድና ዝብልዎ "ቆርበት ኣብ ምልፋዓ ዘይኮነስ ኣብ ምጥብሓ" ቃልስና'ውን ዝያዳ ኣብ ምእላይ ስርዓት ህግደፍን ሓድግታቱን ዕቱብ ጥንቃቐ ይሓትት ኤርትራ ሃገርና እምበኣር ዘይከም'ቲ ማፍያ ስርዓት ህግደፍ ዝሓሰባ ውድቕቲ ሃገር ክትከውን ዘይኮነትስ፡ ኣብዚ ተኣፋፊ ኩነታትን ከባብን፡ ደሴት ሰላምን ምዕባለን ማሕበራዊ ፍትሕን ከምትኸውን ርግጽ እናኾነ ነጺኡ ኣሎ።
ኣምላኽ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ!
ክብርና ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ!
ተስፋይ ኣለም
19 ሓምለ 2020
Comments
እዋናዊ ጽሑፋት
.jpg)
ታሪኽና እነሐድሰሉ፣ ውድባዊ ባህልና እነዕብየሉ፣ Read more
schedule July 20 2023
.jpg)
መግለጺ ንዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ: Read more
schedule June 20 2023

መሪሕ መትከልና ሃገራዊ ሓሳብ እዩ። Read more
schedule July 30 2023

ኢትዮጵያ ሓደስቲ ሃገራት ንምውላድ ኣብ ሕማም ሕርሲ እትርከብ ዘላ ሃገር። 19 Read more
schedule August 27 2023

መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more
schedule September 07 2023

መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more
schedule September 07 2023
Hi! We warmly welcome your valuable opinions in the comment section below! Login