መሪሕ መትከልና ሃገራዊ ሓሳብ እዩ።
ሃገራዊ ሓሳብና
መሪሕ መትከልና ሃገራዊ ሓሳብ እዩ። ኩሉ ነገር ብቐዳምነት ኣብ ህላወ ህዝቢ ኤርትራ ዝምርኮስን ኩሉ ቁጠባዊ፡ ባህላውን ማሕበራውን ርእይቶታት ትሕቲኡ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ሓሳብ እዩ መርገጺና። ብኻልእ ኣዘራርባ ቅድሚ ዝኾነ ንሃለዋት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ምእታውና፡ ህዝቢ ኤርትራ ክህሉ ኣለዎ ምባልናን ከም ኩለን ሃገራት ህላዌና ያሃሉን ይንበርን ማለትና ኢና። ምህላውና ከም ህዝብን ሃገርን ቐዳምነትና እዩ፡፡ ልውሃትን ርህራሂኡን ብሓባራዊ መስዋቲ ዘረጋገጸ፡ ንኽንልዋሃሉ ግብራዊ ስርሑ ክንመልሰሉ ንቅሰብ ኢና፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ህዝቢ ኤርትራ እዩ እቲ ህዝቢ ከም ህዝብና ንፈልጦን ንኣምነሉን። ብዛዕባ ህዝቢ ክንዛረብ ከለና ብሰፊሑ ሓደ ዓይነት ዝኾነ ህዝቢ ኢና እንምልከት፣ ታሪኽ፣ ቅርስታትን ስርዓታት ትርጉምን ዝካፈሉ፣ ብማእስር ዘምድነትን ባህልን መንፈሳዊ ዓደቦ ምባልን ዝተጠርነፈ ህዝብና ኤርትራውያን ዝሓቆፈት ኤርትራ ዝጥምት እዩ። ንነብሱ ከም ህዝቢ ክርኢ ዝኽእል፡ ብኻልእ ኣዘራርባ ናይ ገዛእ ርእሱ ሃገራዊ ህላወ ዝነቕሐን ክከላኸለሉ ፍቓደኛ ዝኾነን ህዝቢ ምህላውና እዩ። ንናይ ሓባር ሃገር ብሓባር ሃገራዊ ዋጋ ዝኸፍል ህዝቢ ኤርትራ ግምት ሂብና ንጉዓዝን ንቓለስን።
እቲ ዝኣስር ምትእስሳር ሓደ ሕብረተ-ሰብ ንናይ ገዛእ ርእሱ ምክልኻልን ጽቡቕ ሂወትን ህላወን ናይ ምውዳብ ዓቕሚ ክህልዎ ኣለዎ። ውዳቤ ዘለዎ ህዝቢ ይከላኸል፡ይሃንጽ ን ይቃወምን የዕርን ይነብርን ንዝነብሩ መሰሉ ክሕልዉሉን ክሕልወሎምን ሕጊ ይሰር፡፡ ሕግታት እንዳ ኣባን ካብ እንዳ ኣትሒዙ መሰል ተፈጥሮ ዝሓገገ ሕብረተ ሰብ ጥሙር ህዝቢ እዩ። እዚ ድማ ልዑል ደረጃ ተፈጥሮኣዊ ምትሕግጋዝ ከም ዝሓትት ንኣምን። እቶም ዝሓየለ መልክዕ ምትሕግጋዝ ናይ ዘመድን ዘመዳትን እዮም። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ሃገራዊ ቓልስና፡ መሰረት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ስድራቤት፡ ሰበኻን ሃገርን ምዃኑ ኣፍልጦ ይህቦ። እዚ ምትእስሳር እዚ እንተዘይሃልዩ፡ ንባህላዊ ትንሳኤ ይኹን ንቁጠባዊ ትንሳኤ መበገሲ የለን ኢልና ስለ ንኣምን ብማዕረ ዝርኤ ሃገርዊ ህዝቢ ኣለና ኢልና ንኣምን።
ንፍትሒ ኤርትራዊ እንቓለሶ ኩውንነቱ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን እዩ፡፡ ስራሕና ንምፍላጥ ብሓባራዊ ስራሕ ንኣምን ነቲ ኤርትራዊ ምትሕግጋዝ ከዳኽምዎ ዝፍትኑ ትካላት ወይ ኣካላት፡ ወይ ነቲ ምትሕግጋዝ ዘይከኣል ክገብርዎ ዝፍትኑ፡ በቲ ዘለውዎ ክጽውዑ ኣለዎም። እቶም ምትእስሳር ናይ ሓደ ኤርትራዊ ዜግነት ክፈርሱ ዝደልዩ፡ ብድሕሪ ከም ብዙሕነት፡ ሓቛፍነት ወይ ኣህጉራዊ መሰላት ዝኣመሰሉ ቃላት ክሕብኡ ክፍቀደሎም የብሉን። እዞም ዓይነታት ምኽንያት ኣብቶም ሕሉኻት ምልኪ ህግደፍን ኣብ ንፍትሒ ዝቃለሱን ይርከቡ ምዃኖም ተሞኩሮና መምህርን ምንጭን ንወስዶ ፡፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሪፓብሊካንነት፡ ሃገራውነት ወይ’ውን ክርስትና፡ ምስልምና፡ እውራጃን ዓድን ጉጅን እናተባልለ ነቲ ብሓደ ዓይኒን ቃልን እንጽውዖን እንርኦን ህዝብና ዘታሓላልኽ ፍጹም ንነጽጎ። ካልእ እምነትን ምስትምሳልን ዝብል እምነታት ከይተረፈ ክሽፈኑ ክፍቀደሎም የብሉን። እዚኦም ኤርትራውያን ሃገራውያን ወይ ኤርትራውያን መንግስታዊ ሰብ ኣይኮኑን። እቶም ድሕሪ ኤርትራ ዘላ ዘማዕድዉ ዝያዳ ዓው ኢሎም ንኻልእ(ዘይ ኤርትራዊ) ዘሐጉሱ፡ ንሶም ዝኾኑ ሸፋቱን መታለልትን ክቃልዑ ኣለዎም።
ኤርትራዊ ህዝቢ ብሃገራዊ ጉዳይ ዘይዋዘን ነንሕድሕድኡ ዝከባበዩርን እዩ፡፡ ንኤርትራውያን ብሕብርን ብቋንቋን ዴጋ ወይነ ዴጋን መታሕት ከበሳን ከም መፈላለዪ ዝርኦ ተቐባልነት ዘይኮነስ ንምስምዑ ዝጽየን ሓድነት ኣብ ብዙሑነት ሓደ ሕዝቢ ኤርትራ ብዝብል መራሕ ዘይዕጸፍ ኣራኣእያና ነትርሮ፡፡ እዚ ኢልና ክንኣምን እንከለና ግን ነቲ ብኑቡር ሃገራዊ መልክዕ ዝኣምንን ሃገር ሓባርን ሓድነት ኣብ ብዙሑነት ዝርዕምን ብቅኑዕ ንርኦም መትከላት እዮም፡፡ኤርትራዊ ሃገራዊ ከይዲ ብምውካስ ሓድነት ኣብ ብዙሑነት ዝብል ዝኣምን መሰረታዊ ናይ ነዊሕን ንምፍንቃል መግዛእቲ ክሳብ ዝበቐዔ ሃገራዊ ሓድነት ኣብ ብዙሑነት ድኣ እምበር፡ንፖሎቲካዊ ሃልኪ ተባሂሉ ዝንደቅ ቃላት ከምዘይብሉ ንኣምንን ንምስክርንኩ ሎም ኤርትራውያን ህዝብና እዮም ሕጊ ኮይና እንፈርዶ የብልናን፡ ብብቅዓት ዝፈርድ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ክንሃንጽ ቃልስና ቐጻሊ እዩ ፡ ገበነኛ ፍርዲ ሓቒ ክፈርዶ እዩ፡፡
ሃገራዊ መንፈስ ሃገራውነት ንሰባት ምስ ሕሉፍ ህይወቶም ብምትእስሳር ናይ ሓባር ፈተና ስምዒት ከስርጽን ንሓደ ህዝቢ ትርጉም ዘለዎ ናብ መጻኢ ዘቕንዕን መገዲ ይፈሊ። ናይ ሓባር ሃገራዊ ስግኣታት ብሓባር ዝብድህ ሕሉፍ ዛንትኦም ወይ ታሪኾም መዕቐኒ ሃገራዊ መንፈሶም ይኾነና ። እቲ ምስ ዝሓለፉን መጻእን ወለዶታት ምልላይ፣ መሰረታዊ ማሕበረሰባዊ ስነ-ምግባር ዘለዎ ሕብረተሰብ የውፍር። ንነብሱ ከም ምሉእ ዝርእያ ህዝቢ፡ እቲ ምሉእ መስዋእቲ ክኸፍል ዝያዳ ተኽእሎ ኣሎ። ንዝዓበየ ጽቡቕ ናይ ሓደ ዝተዋህበ ሕብረተሰብ ድማ፡ ተራ ሃገራውነቱ ክፉት ዝኾነ ሕብረተሰብ፡ ዋጋ ንምኽፋል ዘለዎም ተኽእሎ ልዑል እዩ። ተንበርካኽነት ዘወገደ ዘይጽዓድ ንግዳማዊ በጻሕቲ ካብ ምዃን ዝሓረነ ዕውት ይኸውን፡፡ ግዳማውያን ምትእትታው ሓድነት ዘሪጎም ናብ ፍጹም ዘይቅህም ጎንጺ ዝህንድሱ ምኳኖም ኣሚና ፡ኤርትራዊ ዕዮናን ቃልስናን ብሉዑልነት ኤርትራዊ ዓቅሚ ኢልና ንኣምን፡፡
ንመጻኢ መስዋእቲ ምግባር ናይ ዝኾነ ሕብረተሰብ ፈተና ዜጋታቱ ንመጻኢ መስዋእቲ ክኸፍል ዘለዎ ድልውነት እዩ። ናይ ነዊሕ ግዜ ዕላማታት ንምውሓስ ናይ ሓጺር ግዜ ረብሓታት ንምንዋሕ ድልውነት፡ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ስድራቤታት ምህላውን ከምኡ ብምግባር ድማ ካብቲ ድኹም ኣገባባት ወጺና ተፈጥሮኣዊ ደገፍ ምፍጣርን። ነዚ መስዋእቲ ክትከፍል ፍቓደኛ ወይ ተገዳስነት ዘይብላ ሃገር ሓላፊ ዝኮነ ዘይቅጽል ሃገራውነት እዩ። ብዛዕባኡ ዝጸንሕ ነገር የለን። ሱር የብሉን፡ ዝኽርን መጻኢን የብሉን። ናይ ግዳም ሓይሊ ንውሽጣዊ ርግኣትካ ምጥቃም ዘይወጽእ ዕንወት ምፍጻም እዩ፡ናይ ግዳም ህዝቢ:- ከም ስደተኛታት ሓሳባት ሒዘሞ ዝመጹ ናይ ገዛእ ርእሶም ብሄራት ስለዘለዎም ነዞም ብሄራትን ረብሓታትን እዮም ዝስውኡ። እቲ ሃገራዊ ድርኺት ንምንባር፡ ንምዕቃብ፡ ንምትሕልላፍ ዝግበር ድርኺት ሃገራዊ ሓሰብ ሒዙ ነነዊሕ ዝተጓዕዘ ህዝቢ እዩ። እዚ ኣተሓሳስባ ንመጻኢ ንዝህሉው መስዋእቲ እዩ። መስዋእቲ ዋጋ ግዜ ጉልበትን ሓሳብን ከም ኣድላይነቱ ክሳብ ሂወት። ሓደ ጉጅለ ማሕበር ከባቢ ይኹን ሰልፊ ንሃገራዊ ረብሓ እምበር ንረብሓ ሰልፊ ውድብ ከይሰርሕ ሰፊሕ መረዳእታ ከድልየና እዩ ዝብል ኣምር ብርድኢት ምንቃሕን ክስመረሉን ይግባእ፡፡
ኤርትራ ዘጋጥማ ጸገም ሃገራዊ መልሲ ኣለዎ፡ ዕንቅፋታት ሃገራዊ ሓድነት ከም ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ዝኾነ ናይ ግዳምን ጎዶቦን ጽልዋን ባህግን የብልናን። ቀዳምነት ህዝብና ህዝቢ ኤርትራ ግምት ሂብና ንጉዓዝን ንቓለስን። ገለ ብህሎታ ብተሪር ዘይንቕበሎምን እንነጽገምን ምስ ኢትዮጵያ ዝግበር ሕብረት ይኹን ምስ ትግራይ፡ ዝኸይድ ሕግብግብ ኪኖ ክልቲኣዊ ረብሓ ዝሕሉ ጉርብትና ዝኸይድ ኣምርን ርድኢትን ንውግድ። እንተ ኣሎ ውን ዋላ ንሓሰብቱ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ኣማራጺታት ኣይኮኑን። ጂኦፖለቲካ፡ ዲሞግራፊ(demographics) ወይ ገለ ውህደት ናይ ክልቲኦም ሓደ መዓልቲ ነቲ ጉዳይ ወይ እንተወሓደ ነቲ ሕቶ ከጋድዶ እዩ። ንሕጂ፡ ከም ውድብ ፖለቲካዊ ሓይሊ፡ ኣብቲ ጉዳይ ዕዉት ስርሓት ክንጻወት ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ዓወት ክዕቀብ መስዋእቲ ክሳብ ውን እንተኾነ ክንከፍለሉ ኢና። እዚ መርገጺ ዘሎና ውድባት ሰልፍታት ምስ እንበዝሕ፡ ረፈረንደም ክካየድ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ ይገብሮ። ከምኡ’ውን ከምዚ ዝኣመሰለ ረፈረንደም ዋላ’ውን ብስፍሓት ጸጉሪ ርእሲ እንተዝሓልፍ፡ እቲ እንደልዮ ሰላም ኣይምተረጋገጸን። ኣብ ሓድሽ ዘመን ፖለቲካዊ ዓመጽ መስመራት ዳግማይ ከይፍጸም ነዚ ዘሎ ግዜ ብልክዑ ምሰኣል ጥራይ እዩ። ነቲ ስእሊ ተዓዚብካ ስእሊ ሃገራዊ ረብሓ ምቅዳም። እቲ ረብሓ ንኤርትራውያን ቐዳምነት ዝህብ ንምስራሕ ናይ ሓባር ርድኢት ከነንግስን ክንሰርሕን ኢና፡
ብመዳይ ምምሕዳራዊ ፡ እታ ሃገር ብምልእታ ኣብ ምሕረት ናይ ዝኾነ ይኹን ጸጋማዊ ሊበራላዊ ጥምረት ዝቕልቀል ከምዝኾነት፡ ዘይምልኣም ክዕየ፡፡ ጸረ ሃገራውነት ክንዝቆጻጸር መንግስቲ ይኹን ሓድሽ ማእከላይ ዓለማዊ ውህደት ዓለማዊ ዝተለምዱን ዝሰረሔን ናይዚ ዘመን ከይዲ ክንከይድ ኢና። ምናልባት ኣብ ንኣሽቱ ምምሕዳራዊ ዞባታት ተኸፋፊልና ንእግዚኣብሄር እትእዘዝ ኣውራጃ ኮይንና ምጸናሕና። ረቛሒታት ጃምላዊ ስደትን ስፍሕ ዝበኒዮሊበራሊዝምን(Neoliberalism)ዝኣመሰሉ ጸግዒ ሒዝካ ብዘየገድስ ምቐጸሉ። ተግባራዊ ዝኾነ ሃገራዊ ኣማራጺ እንተዘይተረኺቡ፡ እቲ ምሉእ ተለምዶ ኣዕናዊ ምኾነ ኢልና ንኣምን። ኣብታ ሃገራዊ ዶባት ዘለዋ ዓለም ስሙር ኤርትራዊ ትርጉሙ ውሑድን ጥንኩርን ምዃኑ ክንፈልጥ ግዜ ኣይወሰድናን ንፈልጥ ኢና ውን። ካብ ልኡላዊት ሃገር ርሒቕና፡ ሓንቲ ብረቂቕ ዝተፈናጨለት ንእሽቶ ደሴት ኮይና ክንብር ኢና ዝብሉ ደቐቕቲ ሓሳባት ምሉኻት ምኳኖም ንኣምን፡፡ ኣብዛ ዝኾነ ሰብ ብዙሕ ዝመሳሰል ዘለዋ ሃገር ሕማቅ ነገር ዘይነበረላ ዘውዲ ንምቅያር ንዓዪ ኣሎና።
ሃገራዊ ሓድነት ሃገራዊ ሰልፊታት ዝሓቆፈት፡ ንመላእ ኤርትራ ሃገራዊ መንግስቲ ተወፋይነት ክህልዎን ኣለዎ ኢልካ ዝርኤን ክንሰርሕ። እዚ ድማ ደርብኣዊ ቃልሲ(programmatism) ዝብል ልቦናን ልቃሕ ሓሳብ ዶግማ ወይ ተወሳኺ ምፍሳስ ደም ኣይክረጋገጽን እዩ። ንኹሎም ኤርትራውያን ብሰላምን ኣብ ውግእን ዝተቓለሱ ሓቀኛታት ሃገራውያን ነኽብሮም ኢና። ጉዳይ ሃገራውነት ኤርትራ ግን መንገዱ ጠፊኡ ኣሎ። ነዚ ብምርዳእ ውሕሉልን ዘመናውን ቃልሲ ክንሰርሕ ኢናን ንሰርሕ ኣሎናን። ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ሰልፊ መንግስቲ፡ ዝጽዋዕ ህግደፍ ተዳራብሻ ትርከብ። ኣብ ተፈጥሮኣዊ መሰላትን ሓላፍነትን ዝተመስረተት ቅዋማዊት ሃገር ትሕንጸጽ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ሃኒጽና ኣሎና። እዞም መሰላትን ሓላፍነታትን እዚኣቶም ኣብ ትሕቲ ድሌት ኣህጉራውያን ስልጣን ፍርዲ ኣይክግዝኡን እዮም። ንህዝቢ ኤርትራ ሕጊ ኤርትራ ክኾኑ እዮም። መሰላት ኤርትራ ንህዝቢ ኤርትራ። ከመይ ጌሩ ንነብሱ ከመይ ከም ዘመሓድር ዝበለጸ ዝፈልጥ መንእሰይ ወይ ህዝቢ ጥራይ እዩ። ኣብ ሽዱሽተ-ኣውራጃታት ማሕበረሰብ ብዙሕ እምነታት ከምዘሎ ንፈልጥ ኢና። ንሓደ ብሄራውን ባህላውን ትውፊት ዝብልዎ ዘለው ኣበሃህላ ኣፍልጦ ንህቦ። ንኣምር ብሄርን ልምድን ዘኽብር ሃገራዊ መንግስቲ ዝዓሞ ዕማማት ምንጻፍ። ብሄራት ነብሰን ንምዕባይ ዝኽእላሉ ንምትእንጋድ ዝበለጸ ዕድል ኣለዎ ኢልና ንኣምነሉ መስርሕ ምኽፋት። ኢድና ካብ ዝኾነ እምነት ከም ውድብን ዝህነጽ መንግስትን ነጻ ምሃብ፡ ነጻነት ንምእመና ዝኾነ እምነት። ነዚ ክበጽሖ ዝኽእል ቀንዲ ሊበራላዊ ሰልፊ የለን። ሃገራዊ ሰልፊታት ጥራይ እዩ።
እታ ኣፍሪቃዊት ሱፐርስቴት(super-state) ኤርትራ ብህዝባዊ ብቃልስን ድምጽን ካብ ኢትዮጵያ ክትወጽእ እንከላ፡ ናብኡ ክትመልስ ዝብል ቅጽበታዊ ይኹን ዝተናውሔ ኣብ ኤርትራዊ ኣእምሮ ተስፋ የለን። እንተወጺእና፡ ሳዕቤን ዓበይቲ ናይ ደገ ሓይልታት፡ ክንከውን ዝብል ስግኣት ግዚኡ ሓሊፋስ ተረሲዑን ዛንታ ኮይኑን። ንኣብነት ቀጻሊ ጽልዋታት ብርክት ዝበሉ ውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ካብ ሕብረት ኤርትራውነትን ትረት ሃገራውነትናን ዘውጽኡና ሃገራውያን ዘይኮኑስ ኣብ ውሽጢ ጸረ ሃገራውያን ዝፍጠር ምፍልላይ ክኸውን ይኽእል እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ፡ ንከም ሰልፊ ህግደፍ ከም ሓደ ኣብ ኤርትራዊ ኵነታት ዳግማይ ክዕሸግ ዝኽእል ቅጥዒ ጌርና ኣይንርእዮን ኢና። ኩነታት ኤርትራ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ሃገራዊ ውድባት ሰልፍታት ኣብ ትሕቲ ሓባራዊ ዕዮ ክውንነታውን ኣካይዳ ክኽተል ሓሲቡ ክዳሎ ኣሎዎ። እዚ ኣገባብ እዚ ምስ ግዜ ክቕየር ይኽእል እዩ፣ መሪሕ መትከላትና ግን ኣይቅየርን እዩ። ንሕና ከም ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ፓርቲ ክንከውን ንኽእል ኢና። ብህዝባዊ ምርጫ መሪሕ መንግስቲ ምስ እንኸውን ብዝኾነ ይኹን መንገዲ፡ ነቶም ተዳኺሞም ዘለዉ ሃገራዊ መሰላት ዳግማይ ንምርካብ ክንቃለስ ኢና። ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ምስቲ ከም በዓል ዓለም ለኻዊ ሽርክነታዊ መስርሕ ዓንዩ ዘሎ ጉርብትና የመን፡ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያ፡ሱዳን:-ካልኦትን ዝኣመሰላ ሃገራት ንቅልውላው ስደተኛታት ንምምላስ ዝገበርኦ ዝመሳሰል፡ ንሃገራዊ ረብሓታት ኤርትራ ወኪልና ንተጻባኢ ኣገባብ ክንጣበቕ ኢና። ነዚ ዝሰርሕ ማሕበራዊ ጉዳይ ከም ውድብ ሓሲብናሉ ኣሎና። እንተተኻኢሉ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ብቐጠታ ንምፍጣር ክንሰርሕ ኢና። ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኣፍሪቃን ዓለም ለኻዊ ትርኢት ክንጽዕር ብቅንዕናን ጸግዒ ሰላምን ብምዃን ክንሰርሕ ኢና ክንብል ከለና ንህዝብና ዘውሕስን ዘርብሕን ጠለባት ንቅድሚት ብምስራዕ እዩ። ይቕጽል........
ጸሓፊ ግርማይ ጉርጃ {ወዲ ጉርጃ}
Comments
PHILMON GERE
ብ ጣዕሚ ኣገዳሲ ጽሑፍ ጽቡቕ ስራሕ ግርሜሶ!!
4 months ago
power full vision
ብጣዕሚ ብሉጽን ንጽሩን ሃገራዊ መትከል
4 months ago
sami abraham
100%
4 months ago
Yebrah Menan
🦅
4 months ago
Hi! We warmly welcome your valuable opinions in the comment section below! Login
እዋናዊ ጽሑፋት
.jpg)
ታሪኽና እነሐድሰሉ፣ ውድባዊ ባህልና እነዕብየሉ፣ Read more
schedule July 20 2023
.jpg)
መግለጺ ንዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ: Read more
schedule June 20 2023

መሪሕ መትከልና ሃገራዊ ሓሳብ እዩ። Read more
schedule July 30 2023

ኢትዮጵያ ሓደስቲ ሃገራት ንምውላድ ኣብ ሕማም ሕርሲ እትርከብ ዘላ ሃገር። 19 Read more
schedule August 27 2023

መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more
schedule September 07 2023

መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more
schedule September 07 2023
D T
Articulated.
4 months ago