menu

ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ!!


ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ!!


ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ!!

ቱኒዝያ ዝጀመረ ቀውዒ ዓረብ፣ ብጀካ ቱኒዝያን ግብጽን፣ ንኻልኦት በዚ ወቅዒ ’ዚ ዝተተንከፋ ሃገራት ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ ኢዩ ሸሚሙወን። ሊብያ ፣ሶርያ፣ የመን ከሙኡ’ውን ሱዳን ናብ ክወጽኣኦ ዘይክእላ ዓዘቕቲ ሸሚሙወን ኣሎ። ሶርያ ካብ ዘቤታዊ ሓይልታት ሓሊፉ መናሃርያ ዞባውያንን ዓለማውያንን ሓይልታት ኮይና ኣላ። ኣብ ሶርያ፣ ኢራን: ቱርኪ፡ ኢማራት፣ እስራኤል፡ ሩስያን: ኣመሪካን፣ ነብሲ ወከፈን ኣጆኹም ዝብላኦም ዘቤታውያን ሓይልታት ኣለውወን። ልብያ'ውን ብተመሳሳሊ ሩስያ: ቱርኪ: ፈረንሳ፣ ኣመሪካ: ሕቡራት ኢማራት ዓረብ: ናይ ከባቢ ምልሻታትን ነጋዶ ደቂ–ሰባትን ዝርከቡዋ ውድቕቲ ሃገር ኮይና ኣላ። ናብ ዞባና ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ምስ እንመጽእ ድማ: ንፋስ ቀውዒ ዓረብ ንሃገረ የመን ኣብ 2011 ምስ ጸፍዓ፣ መንግስቲ ፈሪሱ። ሰሜን የመን ዝምቕማጦም እምነት ሽዓ ዝኽተሉ ዕጡቓት ሑቲ ነዚ ሃጓፍ’ዚ ተጠቒሞም ንርእሰ ከተማ የመን ሰንዓ ሓዊሶም ዝሰፍሐ ክፋል የመን ተቓጻጺሮሞ። ነዚ ተከቲለን ብንግስነት ሱዕዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝምራሕ ልፍንቲ ኣንጻር ሑቲ ከቢድ ኩናት ተወሊዑ። ሽርክነትን ምሕዝነትን ሱዑድን ኢማረትን ንህዝቢ የመን ንሞትን መቑሰልትን ድኽነትን ኣቃሊዑ። ትሕተ-ቅርጻ ዓንዩ፣ ሃገረ የመን ከም ኣሕዋታ ልብያን ሶርያን ኣብ ህልም ዝበለ ጸልማት ወዲቓ ኣላ። ድሕሪ እቲ ንዓለም ኣብ ከቢድ ጸገም ዘውደቐ ኩናት ሩስያ-ዩኩሬን፣ ከምኡ'ውን ኣብ ሱዑዲ ዓረብ ዝተራእየ ሓድሽ ቁጠባዊ ጽገናን ምስፋሕ ቁጠባዊ ዕድላትን ማለት ምስግጋር ካብ ኣብ ነዳዲ ዝተመርኮሰ ቁጠባ ናብ ኣገልግሎት መሰረት ዝገበረ ቑጠባ ክትክተል ወሲና። በዚ መሰረት ድማ ሰፊሕ ናይ ቱሪዝም ዕድላት ፈጢራ፣ ሓያሎ ናይ ንግድን ልዑል-ተክኖሎጂ (ሃይተክን) ካምፓኒታት ካብ ዱባይ ናብ ሪያድ ክግዕዛ ኣኽኢሉወን ኢዩ። ሓደስቲ ከተማታት ኣብ ምህናጽን ዓበይቲ ክለባት ስፖርት ኤውሮጳን ኣብ ምግዛእን'ውን ተጸሚዳ ኣላ።


ነዚ ዝሓሸ ኣገልግሎት ንምሃብ ድማ ድሕሪ እቲ ኣብ ዓመተ 2022 ስዑዲ ዓረብ ካብ ኣራምኮ (Aramco) ዝተባህለ ናይ ነዳዲ ካምፓኒ ጥራይ 161 ቢልዮን ዶላር መኽሰብ ምርካባ ሓድሽ መንገዲ–ኣየር መስሪታ። ንመንገዲ ኣየር ርያድ (Ryadh airline)፣ ዘገልግላ 72 ነፈርቲ ካብ ቦይንግ ትካል መፍረ ነፈርቲ ኣመሪካ ብኣስታት 37 ቢልዮን ዶላር ገዚኣ። እዚ ጀማሪ ድኣ ይኹን እምበር ክሳብ 121 ነፈርቲ ክበጽሓ ምኻነን ኢዩ ተሓቢሩ። እዚ ንኣስታት ክልተ ሚኢቲ ሽሕ ሱዑዳውያን ዕድል ስራሕ ክፈጥር ትጽቢት ይግበረሉ። እዚ ድማ መጠነ ፍርያምነት ስዑዲ ዓረብ ብ20 ቢልዮን ዶላር ክብ ከብሎ ከምዝኽእል ይግመት። እዚ ብቐንዱ ንመገዲ ኣየራት ኢማረትን ቐጠርን ብምውድዳር ዕብለላ ሱዑዲ ኣብ ዞባና ንምርግጋጽ ኢዩ። ብወተሃደራዊ መዳይ’ውን እንተኾነ ሱዑዲ ዓረብ ኣብ ግዜ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ናይ ኣስታት 240 ቢልዮን ዶላር፡ ነፈርቲ ኲናት ዘጠቃለለ ወተህደራዊ ዕጥቂ ዕድጊ ኣካይዳ ምንባራ ይዝከር። እዚ መሰረታዊ መቐይሮ ስትራተጂ’ዚ፣ መቐይሮ ናይ ወጻኢ ፖሊሲታት ፈጢሩ፣ ሱዑዲ ዓረብን ኢማራትን ካብ መሻርኽቲ ናብ ተወዳደርቲ፣ ካብ ምትእምማን ናብ ምጥልላም ኣስዒቡለን ኣሎ። ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክሳብ ሰሜን ኣፍሪቃ ኣእዳዋ ነዊሕ ኢዩ ጸኒሑ። ካብ የመን ጀሚሩ ኣብ ኩናት ልብያን ጫድን ፣ግብጽን ሱዳንን፣ ኢትዮጵያን ሶማልን፣ ጁብትን ኤርትራን ኮታ ብ ኢደ-ዙር ናይ ኲናት ሸቃጢት ኮይና ኢያ ጸኒሓ። መተካእታ ዱባይን ኣቡዳብን ኣብ ምዕራባዊ ቀይሕ ባሕሪ ከይምስረት ናይ ሕስድና ፖሊሲ ሒዛ ዝጸንሕት ትመስል። እንተኾነ መወዳድርታ ብምዕራብ ቀይሕ ባሕሪ ዘይኮናስ እታ ንሓያሎ ዓመታት መሻርኽታ ዝጸንሐት ዝሰፍሐ ካብ ምብራቓዊ ቀይሕ ባሕሪ እትውንን ሱዑዲ ዓረብ ኮይና ኣላ። እዚ ድማ ናብ ካልእ ጂኦፖለቲካዊ ምዝንባላት ይመጽእ ኣሎ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2023 ብ መንጎኝነት ቻይና እተን ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ጽልእን ህልኽን ዝጸንሓ ንግስነት ሱዕዲ ዓረብን ኢራንን ተዓሪቐንስ ድሮ ኢምባሲታተን ብምኽፋት ስሩዕ ዲፕሎማስያዊ ርክባተን ጀሚረን ኣለዋ። እዚ ድማ ነቲ ኣዝዩ ተስፋ ሂቡ ዝጸንሐ ዝምድና እስራኤልን ሃገራት ዓረብን ዓቢ ዕንቅፋት ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት። ምፍጣት ናይ ሱዑዲ–ዓረብን ኢማራት ዓረብን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ከምዝኸውን ብሩህ ኢዩ። ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተወሳኺ ኣብ ናይ ዞባውያን ናይ ውክልና ኩናት (proxy war) ክጽመዳ ኢየን።


ኣብዚ ክነስምረሉ ዝግባእ፣ ስርዓት ህግደፍ እቲ ናይ ምኽሓድን መንጢልካ ምህዳምን ፖሊሲኡ ኣብ ቦቱኡ ኢዩ ዘሎ። ሕጂ እውን እንተኾነ ልክዕ ከምቲ ንመንግስቲ ቐጠር ዝገበሮም ብኣማኢት ሚልዮናት ዶላራ ቆሚሩ፣ ክሃድም ዝተታሕዘ፣ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ’ውን ተመሳሳሊ ከምዝገብር ርዱእ ኢዩ። ንዝፈጸሞም ኩምራ ገበናትን ጥልመትን ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ብመገዲ ሱዑዲ ዓረብ ናብ ሩስያን ቻይናን ጸግዒ ንምርካብ ሳጒሙ ኣሎ። ኣብ ሩስያ ዝርከብ ወኪል ስርዓት ህግደፍ ኣቶ ጴጥሮስ ጸጋይ ምስ ራይ ኖቨስቲ ዝተባህለ መራኸቢ ብዙሃን ሩስያ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ናብ ሩስያ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፣ ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ኣህጉራዊ ድሕነት፣ ወትሃደራዊን ካልእ ጽላታትን ክተሓጋገዙ ዘኽእሎም ስምምዓት ከምዝኸተሙ ብምጥቃስ፣ ውጽኢቱ ኣብ መጻኢ ከምዝርአ ኣገንዚቡ ምንባሩ ናይ ቀረባ ተዘክሮ ኢዩ። ስርዓት ኢሰያስ ምስ ሩስያ ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ ክትተሓጋገዝ ከምዘደሊ’ውን እቲ ኣምባሳደር ኣስሚሩሉ ኢዩ። እዚ ተብሎቕለቕን ክሕደትን ጥልመትን ፖሊሲ፣ ምስ ሃገርና ተደኲናትሉ ዘላ ስትራተጂካዊ መስመር ቀይሕ ባሕሪ፣ ናብ ከም ሃገር ምህላውን ዘይምህላውን ደረጃ ከውድቐና ከምዝኽእል ብምርዳእ ህዝብና ንቅሓቱ ክብ ኣቢሉ ውዳበኡ ኣጽኒዑ ክቃለስ ንጽውዕ። ህዝብና ገና ናይ ምንባር ዕድል ዘይረኸበ ኣብ ዘይምልከቶ ካብ ኩናት ናብ ኩናት እናሰገረ ከይጸንት ነዚ ተበራቢሩ ዘሎ ትንሳኤ መንእሰያት በቲ ዝግባእ ተወዲኑ ነዚ እከይ ናይ ቁማር ስርዓት ካብሱሩ ብምምሓው ህዝባዊ ሓላፍነት ዝስከም መንግስቲ ምትካል እዋኑ ሕጂ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ምጥፋእና ህላውነትና እነረጋግጸሉ መድረኽ ሕጂ ኢዩ።


ክብርና ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ!
ውድብ ሓደነት ኤርትራውያን።

Comments


Semere hailu

ደሰ ዝብል

4 months ago

D T

execellent work meleyawian. Now we are impowering ourselves ኣእመሮኹም የስፍሓዮ

4 months ago

Hi! We warmly welcome your valuable opinions in the comment section below! Login

እዋናዊ ጽሑፋት


መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ብፈስቲቫል ዝተመኽነየ ናይ ባእስን Read more

schedule July 19 2023

24 ጉንበት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ታሪኽ ዘንጸፈት ዕለት ኢያ። Read more

schedule July 20 2023

(OEU) statement on the Current Armed Conflict goin Read more

schedule July 20 2023

ጋዜጣዊ መግለጺ ማእከላይ ባይቶ ው.ሓ.ኤ Read more

schedule July 20 2023

ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ!! Read more

schedule July 21 2023

መግለጺ ❼ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more

schedule August 29 2023