ጋዜጣዊ መግለጺ ማእከላይ ባይቶ ው.ሓ.ኤ
ጋዜጣዊ መግለጺ ማእከላይ ባይቶ ው.ሓ.ኤ
ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ው.ሓ.ኤ)፣ ብዕለት 09 ሓምለ 2022፣ 3ይ
ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣቦ መንበር ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ብጻይ ተስፋይ ኣለም ፣ ኣብ
መኽፈቲ እቲ ኣኼባ ንተሳተፍቲ ኣኼባ ናይ እንካዕ ድሓን መጻእኩም ቃል ብምሃብ ፣
ብእጋጣሚ ብምኽንያት ብዓል ዕድ ኣል-ኣድሓ ንብጾት ኣመንቲ ምስልምና ናይ እንኳ ኣብዚ
ኣብጽሓኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
ማእከላይ ባይቶ ኣብ’ዚ 3ይ ስሩዕ ኣኺባኡ፣ ብዛዕባ ናይ ፈጻሚት ሽማግለ ቤት ጽሕፈታት ናይ
ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ናይ ስራሕ ጸብጻባት ተቐቢሉ፤ ብመሰረት ዓንዲ ሕጊ ውድብን ብመሰረት
ተወጢኖም ዝነበሩ ናይ ኣብያተ-ጽሕፈት ፈ/ሽ መደብ-ዕዮታትን ከኣ ንዝቐረቡ ጸብጻባት
ብሰፊሑ ተመያይጥሉ። ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝተራእየ ውድባውን
ከባብያውን ምዕባሌታት ብምርኣይ፣ ዕዉት ስርሓት ከም እተሰላሰሉ መዚኑ። ልዕሊ ዝኾነ ድማ
ናብ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና ዝቀንዐ ውዳበታት እናሰፍሐ ምኻዱ ማእከላይ ባይቶ ናእዳኡ
ብምግላጽ ዝያዳ ክሰፍሕ ፈጻሚ ኣካል ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ኣተባቢዑ። ብድሕር’ዚ ከኣ
ንዝመጹ 6 ኣዋርሕ፣ ፈጻሚት ሽማግለ ንኣብያተ-ጽሕፈትን ንውድብን ይምጥን ኢሎም
ዘቕረብዎ ውጥን መደብ-ዕዮታት፣ ማእከላይ ባይቶ ድሕሪ ዓሚቚ ፍተሻን ክትዕን ብዘይ ዝኾነ
ተቓውሞ ብምሉእ ዕግበት 100% ድጋፉ ብምሃብ ኣጽዲቑ።
ኣብ’ዚ ኣኼባ፣ ኣብ መንጎ እዚ ናይ 6 ኣዋርሕ ዝተኻየደ ዕቱብ ስራሓት ኣብ ምውህሃድን
ምሕያል ውድብና ዘተኮረ ኮይኑ፣ ካብ’ዚ ብዝበለጸ ዘተባብዕ ድማ መስርሕ ምጽንባር ሓደስቲ
ተቓለስቲ ናብ ውድብና ኢዩ። ምንቅስቓስ ተራ መንእሰያት ንለውጢ ከሙኡ’ውን ካብ ሱዳን
ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ተጸንቢሮሙና። ባይቶ ነዚ ጸብጻባት ድሕሪ
ምስምዑ፣ እዞም ክለተ ውድባት፣ ጉዳይ ሃገርን ህዝባን ዝሓልፍዎ ዘሎዉ ኵነታት ተረዲኦም
ኣብ’ዚ ንነብረሉ ዘሎና ዘይልሙድ እዋን ኣዝዩ ተባዕ ስጕመታት ብምውሳድ፣ ካብ ተለሚዱ
ዝነበረ ፍሉይ ጠለብን ወጠጥን ኣውጊዶም፣ ናብዚ ውድብ ምጽንባሮም ማእከላይ ባይቶ
ንኣስተብህሎኦምን ሓልዮቶምን ኣብ ቃልሲ ዘለዎም ድሌትን ብምዛን ዓቢ ሞጎስን ኣድንቖትን
ሂብሉ። እዚ ውሳነ እዚ ኣብ ምህናጽ ሃገራዊ ቃልሲ ዘለዎ ተራ ዓቢ ብምኻኑ ከም ኣርኣያ
ኮይኑ ዝያዳ ክስረሓሉ ማእከላይ ባይቶ ኣተባቢዑ።
Comments
እዋናዊ ጽሑፋት
.jpg)
መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ብፈስቲቫል ዝተመኽነየ ናይ ባእስን Read more
schedule July 19 2023
.jpg)
24 ጉንበት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ታሪኽ ዘንጸፈት ዕለት ኢያ። Read more
schedule July 20 2023
.png)
(OEU) statement on the Current Armed Conflict goin Read more
schedule July 20 2023

ጋዜጣዊ መግለጺ ማእከላይ ባይቶ ው.ሓ.ኤ Read more
schedule July 20 2023
.png)
ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ!! Read more
schedule July 21 2023
.png)
መግለጺ ❼ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more
schedule August 29 2023
Hi! We warmly welcome your valuable opinions in the comment section below! Login