menu

ራኢና (Our vision) ተልእኾ (Mission) ዕላማ (Purpose)


ራኢና፥Our vision

1. ፍረ መሪር ቃልስን ከቢድ መስዋእትን ዝዀነት ኤርትራ፣ ልዑላውነትን ወሳንነትን ህዝባ መሰረት

ዝገበረት፣ ፍትሕን ስርዓተ ሕግን ዝነገሳ፣ ብዙሕነትን ክብሪ ህዝባን ዘዕቆበት፣ መላእ ህዝብን ዜጋታትን ናብ ራህዋን ስሉጥ ምዕባለን ሰላምን ስኒትን ዝሰፈና፣ ንዅሉ መሰረታዊ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ፡ ፖለቲካውን ሲቪላውን፣ ቊጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ሓርነታትን፡ ኣሳታፊ ደሞክራስያዊ መሰላትን ብሕታዊ ቁጠባዊ ዋንነትን ዘውሓሰት፣ ሙሉእ ናይ ሃይማኖትን እምነትን ዘረጋገጸት፣ ዘይምእኩል ምሕደራ ብኣብዝሓ-ሰልፍታት ዝልለ ነንሕድሕዱ ዝቆጻጸር ሓጋጊ፡ ፈጻሚ፡ ፈራዲ ስርዓተ- መንግስቲ ዘረጋገጸት ሃገረ-ኤርትራ ንምህናጽ ምምራሽ እዩ።

1. 2. ተልእኾ (Mission)

1. ህዝቢን ሃገርን ንምድሓን፣ ብሓባር፣ ንገባቲ ስርዓት ህግደፍን ኣተሓሳስብኡን ምልጋስ እዩ።

1.3. ዕላማ (Purpose)

1. ህዝብና ኣብ ሓደ ናይ ቃልሲ ኣንፈት ክዓስልን ዓወቱ ክቀላጠፍን ክኽእል ፋሕ ዝበለ ኣተሃላልዋ

ተቓለስቲ ሓይልታት ኣብ ሓደ ብምጥርናፍ፣ ነቲ መሰረታዊ መንቀሊኡ ጸረ-ዲሞክራሲ፣ ጸረ-ልምዓት፣ ጸረ-ምዕባለን ጸረ- ውሁድ ቀጻልነትን ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍን ኣዕናዊ ኣተሓሳስብኡን ኩሎም ናይ ጭቆና መሓውራቱን ምውጋድ።

2. ኩሎም ሃገራዊ ልዑላውነት ዘረጋግጹ ረቛሒታት ኣማሊኣ ልኡላውነታ ዘረጋገጸት ሃገረ-ኤርትራ ምርግጋጽ።

3. ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ክሊ ብዙሕነታዊ ክውንነቱ ንምሕላውን ንሓባራዊ ሰላማዊ መነባብሮ ጥዑይ ሃዋሁው ንምፍጣርን ምዕያይ። ባህሊ ዘተን ስልጡን ኣፈታትሓ ካልኣዊ ግርጭታትን ንምምዕባል ምቅላስ።

4. ኣብ ብዙሕነት ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝተሰረተ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዝትከለሉ፡ ጥጡሕ ባይታ ንምፍጣር ምቅላስ።

*ኣብ ፖሎቲካዊ ፕሮግራም ውድብ ሓድነት ኤርትራ ሰፊሩ ካብ ዘሎ ምንጪ ሓሳብ

ክብርና ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ!!

ውድብ፥ ሓድነት ኤርትራውያን

Comments


Hi! We warmly welcome your valuable opinions in the comment section below! Login

እዋናዊ ጽሑፋት


ራኢና (Our vision) ተልእኾ (Mission) ዕላማ (Purpose) Read more

schedule July 20 2023