24 ጉንበት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ታሪኽ ዘንጸፈት ዕለት ኢያ።
24 ጉንበት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ታሪኽ ዘንጸፈት ዕለት ኢያ። ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ፣ 1991, ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናይ ኣስታት 50 ዓመታት ፖለቲካውን ብረታዊን ቃልሲ፣ ጸላኣቱ ብቅልጽሙ ካብ መሬቱ ብምጽራግ ናጽነቱ ኣረጋጊጹ። ኣብ 40ታት ኣቦታት ብዝመስረትወን ሰልፍታት ዝተበገሰ ፖለቲካዊ ሕቶ በቢመድረኹ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓራካ/ ማሕበር 7)፣ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ጀብሃ) ኣብ መጨረሽታ ድማ ብመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ሻዕብያ) ክውን ኮይኑ። እዚ ዘሐብን ታሪኽ እዚ ግን ብቀሊል ኣይተረኽበን። ወሊዱ ዘይልኣኾም፣ ሪኡ ዘይጸገቦም መንእሰያት ደቁን ግዜኡን ንብረቱን ወፊዩ፣ ምስ ሓያላት ተወዳዲሩ ክስዕር ሓይሉ ብምርባሕ ከቢድ ዋጋ ከፊሉ። 24 ጉንበት እምበኣር ታራ ዕለተ-ናጽነት ጥራይ ዘይኮነትስ፣ ኣንጻር መግዛእቲ ሓሪኑ ዝተላዕለ ይንዋሕ ይሕጸር ከቢድ ዋጋ ከፊሉ ከምዝዕወት እትምህር ናይ ሞራል ዕለት’ውን ኢያ። ኮይኑ ግን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቲጽቢቱ ዘይጸንሐ፣ ካብ ደቁ ኣብ መግዛእቲ ጋኖት’ውን ዘየጋጠሞ ውርደትን መከራ ተሳጢሑ ይርከብ። ስድራቤታት ጸኒተን፣ ዓድታትና እንስሳታት ዘገዳም ሰፊረሞ፣ መንእሰያትና ኣብ ውሽጢ ኣብ ቤት ማእሰርትን ጊላነትን፣ ኣብ ኣብ ፈቀዶ ስደት መንእሰያት ኣሕዋትና መጻወቲ ደላሎን ጭውያን መሸጣ ናውቲ ኣካላትን ተሳጢሖም የርከቡ። እቶም ካብ ብሱል ጥረ ወጺኦም ኣብ ዓዲ ሰብ (ኤውሮጳ)ን ተመሳሰልቲ ሃገራትን ዝኣተው’ውን እንተኾነ፣ ብዝሓደሮም ስነ-ኣእምራዊ ጸቕጢ (trauma) ግዳያት ዕጻፋርስን ነብሰቅትለትን ኮይኖም መጻኢኦም ጸልሚቱ ይርከብ። እዚ ኣተሃላልዋ’ዚ ንለውጢ ዕንቅፈት ጥራይ ዘይኮነ፣ ድሕሪ ለውጢ ኣብዝካየድ ሰላም ናይ ምርግጋእን ናይ ህንጸት ቃልስን ዝኸፍአ ሳዕቤን ኣለዎ። ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፣ ጉዕዞ 32 ዓመተ-ናጽነት፣ጉዕዞ ዕቤትን ግስጋሰን ዘይኮነስ፣ ጉዕዞ ዝነበረና ዝሰኣናሉ፡ ጉዕዞ ምልክን ዓመጽን፣ ጉዕዞ ሕጊ ኣልቦነትን ጊላነትን፣ ጉዕዞ
ማእሰርትን ቅትለትን፣ ጉዕዞ ኩናትን ድኽነትን፣ ጉዕዞ ስደትን መጭወይትን፣ ጉዕዞ ምብትታን ስድራቤትን ሕብረተሰብን ኮይኑ ሓሊፉን ገና’ውን ብዝኸፍአ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ። እዚ ንዓና ጥራይ ዘይኮነ ንዓለም’ውን ኣስደሚሙ ዘሎ ኢዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ ዝወጸ ዓለማዊ ናይ ጊላነት ወይ ባርነት መዕቐኒ (Global slavery Index) ኤርትራ ንሰሜን ኮርያ ተኸቲላ ካብ ዓለም መበል ካልኣይቲ ዘበናዊ ባርነት ብዝኸፍአ እተአንግድ ኮይና ኣላ። እዚ ድማ ንዓና ንኤርትራውያን ኣብ ታሪኽና ዋላውን ኣብ እዋን ንግዲ ባርያነት ዝነበሮ እዋን ሪኢናዮ ዘይንፈልጥ ኣዝዩ ዘሕፍርን ዘዋርድን ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ድማ ደቂ ሃገር ብኣሕዋቶም ብደቂ ሃገር ባራዩ ምኻና ኢዩ።
ዝከበርኩምን ዝኸበርክንን ካብዚ ኣቲናዮ ዘለና ‘ህልም’ ዝበለ ናይ ውድቀት መዓሙቕ ንምውጻእ፣ ኣብ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ፣ ኣብ ዝሃለፈ 32 ዓመታት ብዝወረደና ጭቆና ተስፋ ከይቆረጽና እቶም ናብ ዕለተ ናጽነት ዘብቑዑና ክብርታት ማለት ውህደት፣ ተወፋይነት፣ተባላሓትነት፣ ብጻይነት፣ ስነምግባር፣ ትሕትናን ዓቂብና፣ ውዳበና ብምሕያል ንደናቑር ኣሕዋትና ብምስዓር፣ ግዝኣተ ሕጊ ምርግጋጽ ኢዩ። ዘመናዊ ጊላነት ዘብቅሉ ድማ ምስ ምትካል ቅዋም ኢዩ። ነዚ ክውን ዝገብር ድማ ኣብርሃም ሊንከን ወይ ሙሴ ክመጹና ዘይኮነስ፣ ባዕልና ሊንከን ባዕልና ሙሴ። ከምቲ ባዕልና ብጅግንነትና ሃገርና ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ሓራ ዝገበርናያ፣ ካብ ዜብየታውያን ዓመጽቲ ኣሕዋትና ሓራ እንገብራ ድማ ባዕልና ኢና። ግዝኣተ ሕጊ ምስ ዝረጋገጽ፣ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ህዝብና ኣብታ ምጭውቲን ለጋስን ሃገርና ተሓቓቒፍና ሃገርና ዳግም ዓዲ ተስፋን ሰላምን ልምዓትን ክንገብራ ኢና።
ርሑስ መዓልቲ ናጽነት
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!
ክብርና ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ!
27 ጉንበት 2023
Comments
እዋናዊ ጽሑፋት
.jpg)
መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ብፈስቲቫል ዝተመኽነየ ናይ ባእስን Read more
schedule July 19 2023
.jpg)
24 ጉንበት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ታሪኽ ዘንጸፈት ዕለት ኢያ። Read more
schedule July 20 2023
.png)
(OEU) statement on the Current Armed Conflict goin Read more
schedule July 20 2023

ጋዜጣዊ መግለጺ ማእከላይ ባይቶ ው.ሓ.ኤ Read more
schedule July 20 2023
.png)
ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ!! Read more
schedule July 21 2023
.png)
መግለጺ ❼ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more
schedule August 29 2023
Hi! We warmly welcome your valuable opinions in the comment section below! Login