መግለጺ ንዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ:
ወድብ ሓድነት ኤርትራውያን 20 ሰነ 2023.jpg)
ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ ነጻነቱን ሰብኣዊ ክብሩን ንምርግጋጽ ኣንጻር ባዕዳውያን አብ ዝገበሮ ናይ ዓመታት ፖለቲካዊን ብረታዊን ተጋድሎ፣ ናይ ኣሽሓት ደቁ ክቡር ህይወት ከፊሉ ኢዩ። ኣሽሓት አጓብዝን ጐራዙትን ዝኾኑ ጀጋኑ ሐርበኛታት ኤርትራ፣ ኣነ ንሃገረይ ንህዝበይ ብምባል፣ ሃገርና ኤርትራ ነጻ ንምግባርን ህዝቢ ኤርትራ መታን ክርህዎን ክሓልፈሉን፣ አብቲ ዝተኻየደ ደማዊን ጐነጻዊን ተጋድሎ፣ ሸዊት ዕድሜኦም ከይበቐቑ፣ ኣሽሓት ክስውኡ እንከለዉ፣ ኣሽሓት’ውን ንእስነት ህይወቶም ከየስተማቐሩ ዕድሜኦም ዘብለዩን ኣካሎም ዝሰንከሉን ኣለዉ። ስዉኣት ክንብል እንከለና ነቶም አብ ሜዳ ዓውዲ ጅግንነት ብብረት ዝተወዳቑ ሐርበኛታትና ጥራሕ ኣይኮነን። የግዳስ ንስለ ኤርትራዊ ክብሪን ነጻነትን ምርግጋጽ ክብሉ፣ ቅድሚ ብረታዊ ተጋድሎ ዝተኻየደ ፖለቲካዊ መኸተ ዝተዋደቑ ጀጋኑ አቦታትናን፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብያተ ማእሰርቲ ዝሐቐቑን ዝተረሸኑ ሐርበኛታትና’ውን እንተኾነ ኣይረሳዕናዮምን። አብ ዓዲታቶምን ገዛውቶምን ዝነደዱን ዝተሐርዱን’ውን ደቂ ሃገር ከምኡ'ውን ድሕሪ ናጽነት ልዕላውነት ሃገሮም ንምክልኻል ሂወቶም ዝገበሩ ከቶ ኣይረሳዕናዮምን: ጀጋኑ ክቡራት ስዉኣትና!!
ቃንዛና ኣብቲ ዝሐለፈ መስዋእቲ ጥራሕ ኣይተሐጽረን የግዳስ ድሕሪ’ቲ ኩሉ ዝሓለፈ መስዋእቲኹም ሃገር ነጻ ድሕሪ ምውጻእ፣ እቲ ንሃገርና ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ኣሳጢሑ፣ ህዝቢ ኤርትራ ዘጽንት ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ብዝፈጠሮ ጠንቅታት፣ እቲ ውልዶ ዝገደፍኩሞ መንእሰይ ወለዶ ፈቐድኡ ክዝሮን ክስደድን ተገዲዱ ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ከአ ኣብ ምድረ በዳ ሲናይ ከም እንስሳ ተሐዪሩ ክቕጥቀጥን ክሳቐን፣ ኣካላቱ ንዕዳጋ ተሳጢሑ መዛረቢ ዓለም ኮይኑ ኢዩ። ገሊኡ’ውን ኣብ ኣጻምእ ሰሃራ ክጓዓዝ ከሎ ሑጻ ዝተደብየን፣ ዘይፈልጦ ውቅያኖሳት ክሰግር ድራር ዓሳ ዝኾነን ብዙሕ ኢዩ። እወ ነዞም ሓድጊ ሃገር ክኾኑና ዝብሃግናዮም መቐረት ስድራ ቤቶም ከይጸገቡ ዝተፈልዩና መንእሰያትናን ሕጻናትናን’ውን እንተኾነ ከቶ ኣይረሳዕናዮምን። ነብሲ ወከፍ ስዉእ ብህይወቱ ’ንከሎ ዝተመነዮ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተቐንጠጠላ፣ ነጻ መሬት ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ሓራ ዝኾነ ቅሱን ህዝቢ ዝነብረላ፣ ብልዑላውነት ግዝኣተ ሕጊ ዝመሐዳደረላ፣ ሓዳስ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ክውንትን ጋህዲን ንምግባር ድኣ ነበረ። ሓቂ ኢዩ መሬት ኤርትራ ብርግጽ ካብ ኣራግጽ ባዕዳውያን ገዛእቲ ነጻ ኮይኑ ኢዩ። እንተኾነ ግን ህዝቢ ኤርትራ ካብቶም ምሕዩ ዘባረሮም ገዛእቱ ዝነበሩ ንላዕሊ ብዝኸፍኤ መልክዑ ዝግለጽ፣ አራግጽን ኣደራዕ ስቓይን ከፊኡዎ ማይ ገዲፉ ደም ይነብዕ አሎ። ከም ህዝቢ ህልውናኡ ከም ሃገር ከአ ሐድነቱ ዝጻባእ መደባት ዝሕዙ፣ ደቅኻ ኢና ዝብሉ መልክዕ ሰብ ዝለበሱ አጋንንቲ፣ አብ ልዕሊኡ ምልካዊ ዘውዲ ደፊኦም ብሓይሊ ዝነገሱ ተዃሉ የሳቕይዎ አለዉ።
ጀጋኑ ስዉኣትና ንነጻነት ኤርትራ ብርግጽ አብ መሬት ኣማን ኣርጋጊጾማ ኢዮም። እቶም ብህዝቢ ኤርትራ ንዝተነብረሎም እምነት ዝጠለሙ፣ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ነቶም ወግሔ ጸብሔ ብሽሞም እንዳሸቀጡ መናገዲ ዝተጠቕሙሎም ስዉአትና’ውን ከዲዖሞም ኢዮም። ህግደፍ ሕድሪ ስዉኣት ዝጠለመ፣ ኣብ ጽባሕ ነጻነት ንስንኩላን ዝረሸነ፣ መዓልቲ ስዉኣት ከኽብር ሞራላዊ ሕልና የብሉን። እታ መሬት ጽንዓት ተባሂላ ዝተዘርበላ ኤርትራና ከኣ፣ ሎሚ ብበላዒ ሰብ ዝኾነ ስርዓት እትግዛእ፣ ጸልማት ዝጋረዳ ዓዲ ጭቁናት ክትብሃል ተቐሲባ ኣላ!
ንሕና ከም ኤርትራውያን ብሰንኪ እቲ ኹሉ ዝወረደ ጥልመትን ክድዓትን ናይ ስርዓት ህግደፍ ከቶ ተስፋ ኣይንቖርጽን። ወትሩ ንሕድሪ ስዉኣትና ብምዝካር፣ ነቲ ዝወደቐሉ ዕላማ ነጻነትን ሐርነትን ክሳብ መዓርፎኡ ዝበጽሕ ዝወሰደ መስዋእትን ዝወሰደ ጊዜን ይውሰድ ከቶ ኣይክንብርከኽን ኢና። እቲ ቀደም ባዕዲ ዘየድነኖ ክሳድን ርእሲን ሐቦኛ ተቓላሳይ ኤርትራዊ፣ ሎም’ውን ፣ ኣብ እግሪ መለኽቲ ደኒኑ ናብ መሬት ከክደንን ማለት ዘበት ኢዩ። ስዉኣትና እቲ ሕድሪ ዝሃብኩምና ናይ ሐርነት ጉዕዞ ምሉእ ብምሉእ አይተዓወተን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ እቶም ድሕረኹም ዝተረፍና ድማ ከነረጋግጾ ብዘይምብቃዕና ከም እትጉህዩ ይስመዓና። ነዚ ምርኩስ ብምግባር ድማ ነቲ ኹሉ ደላይ ለውጢ ዝኾነ ኤርትራዊ፣ ካብ ሕድሕድ ምጥቕቓዕን ጸለመን ወጺኡ፣ ንኹሉ ኤርትራዊ ቅልጽሙ ብምውህሃድ፣ ናብ ሃገራዊ ስኒትን ዕርቂን ዘምርሕ ጎደና ሒዝና፣ ናይ ሃገራዊ ዓውደ ልዝብን ዘተን መስርሕ ክንኸፍት ንጽውዕ። በዚ አጋጣሚ ክንብሎ ’ንደሊ፣ ንጀጋኑ ሓርበኛታት ስዉኣት ኤርትራ፣ ናይ ጽንዓት ቃልና እና ኣሕደስና፣ ዝኽሪታትና ንዝመልኦ ናይ ክብሪ ሞገስ ከአ እናኣቕረብና፣ እቲ ነጻነት ዘብረቐ ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ፣ ሎሚ’ውን ከም ቀደሙ ምሉእ ሐርነቱ ብቓልሱ ከብርቖ ኢዩ። ህግደፍን ምልካዊ ኣተሐሳስባኡን ካብ ሱሩ ክምሖ ኢዩ። አብ’ቲ ዝፈረሰ ዑናታቱ ከአ ሓዳስ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ክትህነጽ ኢያ። መጻኢ ወሎዶታት ኤርትራ ድማ ምስ ኩሎም ጐረባብቲ ኣህዛብ ማዕረ ጐኒ ንጐኒ ኮይኑ፣ ራህዋን ቅሳነትን ዝሰፈኖ ብሰላም ክነብር ኢዩ። ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ሐርበኛታት ስዉአት ኤርትራ!!!
ክብርና ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ!
ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን
20-6-2023
Comments
እዋናዊ ጽሑፋት
.jpg)
ታሪኽና እነሐድሰሉ፣ ውድባዊ ባህልና እነዕብየሉ፣ Read more
schedule July 20 2023
.jpg)
መግለጺ ንዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ: Read more
schedule June 20 2023

መሪሕ መትከልና ሃገራዊ ሓሳብ እዩ። Read more
schedule July 30 2023

ኢትዮጵያ ሓደስቲ ሃገራት ንምውላድ ኣብ ሕማም ሕርሲ እትርከብ ዘላ ሃገር። 19 Read more
schedule August 27 2023

መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more
schedule September 07 2023

መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more
schedule September 07 2023
Hi! We warmly welcome your valuable opinions in the comment section below! Login