menu

ታሪኽና እነሐድሰሉ፣ ውድባዊ ባህልና እነዕብየሉ፣


መጀመርያ ኣብ ቅንያት ናጽነትና እና ተዘናጋዕና እንመሃረሉ፣ ታሪኽና እነሐድሰሉ፣ ውድባዊ ባህልና እነዕብየሉ፣ ብጻያውን ዜግነታውን ሓላፍነትና እነሐይለሉ መደብ ዝሰራዕኩም መራሕቲ ጨንፈራትን ንኡሳን ጨንፈራትን ከም ኡ’ውን መሪሕነት ዞባ እስራኤል ዝለዓለ ምስጋና ኣለኒ። እዚ ቅንያት እዚ ፣ ቅንያት ናጽነት 1991, ህዝቢ ኤርትራ ጎበጥቲ ጸላኣቱ ብቅልጽሙ ጸሪጉ፣ ህዝብና ብሓጎስን ኩሮዓትን፣ ምድንፋቕን፣ ናፍቖቱ ዘውጽኣሉ ናይ ሓጎስ ንብዓትን ፍሽኽታን ዕልልታን ኢዩ ነይሩ። ኣደታትና ንዘዝረኣያኦ ተጋዳላይ ክዕልላን ሓቑፈን ክስዕማን፣ ጀጋኑ ተጋደልቲ ኣሕዋትና’ውን ዓጸፈታ ክምልሱ፣ ንዝረኸብዎም ቆሎዑ ሓቁፎም ክስዕሙን፣ “መናጁስ ሕጂ ተመሃሩ ሃገር ንዓኹም ኢያ” እናበሉ ብሩህ መጻኢ ኤርትራ ይሕብሩን ነይሮም። እቲ ንዝመናት ዝተሃንጸ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝያዳ ጎሊሑ ዝተንጸባረቐሉ ህሞት ኢዩ ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ'ዚ ቅንያት እዚ 1991, ኣብ ደስ ዝበሎ ይውዕል ፣ኣብደስ ዝበሎ ይሓድር፣ ናብ ደስ ዝበሎ ይኸይድ፣ ኩላ ኤርትራ ቤቱ፣ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ሓው ሓብቱ፣ በቃ ኩሉ ናቱ። ነዚ ክውንነት እዚ ብኣሃዛዊ ስፍሪ ክዕቀን ከሎ ድማ ኣብ ክልተ

ዓመቱ ሚያዝያ 1993፣ ኣብ ዝተቃነዐ ህዝባዊ ወኸሳ (ረፈረንዱም) 99.8% እወ ንናጽነት ብምባል ንዓለም ድሌቱን

መንነቱ ኣነጺሩ። ኤርትራ ሃገርና መበል 184 ሕጊ ዓለም ዘማልአት ነጻን ልዑላዊትን ሃገር ኮይና። ህዝቢ ኤርትራ እዚ

ዓወት እዚ ዘመዝገቦ እቲ ብ 1991 ዝጨበጦ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ዓወታት ጥራይ ኣይኮነን። እቲ ንዘመናት

ብሓያል ቃልሱ ዝሃነጾ ሃገርነት እምበር። ህዝቢ ኤርትራ ሰለስተ ነገደታት ማለት ኒላውያን ሓማውያን ሰማውያን

ተሓዋዊሶምን ተዋሲቦምን ዝፈጠርዎ ህዝቢ ኢዩ። እቲ 90% ሓንፈጽ ናይ ሰለስቲኦም ክኸውን ከሎ እቲ ዝተረፈ

10% ውን እንተኾነ መወከሲ ዘርኣዊ ድሕረባይታ ናይቲ 90% ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ኤውሮጳዊ ዘመናዊ

ሃገርነት ምጅማሩ ማለት ቅድሚ ማእከላይ ዘመን ካብ ዓሌትን ቀቢላን ወጺኡ ፡ቋንቋን ጽሑፋውን ኣማዕቢሉ፡ ሃገራዊ

ስነልቦና ሰሪሑ ዝወድአ ህዝቢ ኢዩ። ስለዝኾነ ድማ ሃይማኖታት ክርስትናን ምስልምናን ካልኦት ፍልስፍናዊ ጥበባትን

ብሰለማዊ መንገዲ ብኽብሪ ከአንግድ ጸኒሑ። እዚ ድልዱል ዘሐብን ታሪኻዊ ውርሻ'ዚ ብቀቢላን ሃማኖትን ኣውራጃን

ክትፈላልዮ ምህቃን ከንቱ ፈተነን ጥፍሽናን ኢዩ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን

ድሌት ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኮይኑ ከብቅዕ ግን ኢሰያስ ከምቲ ጂግና ተጋዳላይ ሙሴ ተስፋንኪኤል ዝገለጾ ፣ንመንነትን

ክብርታትን ህዝቢ ኤርትራ ብናይ ኣምሰሉነት ክእለቱ ብምምዝማዝ ንህዝብና ኣብ ዘይተጸበዮ ብስነ-ልቦና ህዝቢ

ኤርትራ'ውን ክትጽበዮ ዘይትክእል መላእ ህዝብና ኣብ ቤት ማኣሰርትን ስደትን የብልዮ ኣሎ። ወለድና ክዛረቡ ከለው

“ፈራሕ ኣይሓዝካ” ይብሉ። ኢሰያስ ድማ ብባህሪኡ ፈራሕን ቀናእን ነብሰ ምትእምማን ዘይብሉ ሓሳድ ስለዝኮነ ኣብ

በቢ ግዜኡ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ከማልኡ ንዝተስኡ ጀጋኑ ሃገራውያን ኣብ መዓሙቕ ጎዳጉዲ ኣጽኒቱዎም። ምሁራት

ብምብራር መንእሰይ ወለዶ ከምዘይመሃር ገይሩዎ፣ ኣብ ሃገሮም ዘለዎም ርእሰማልን ሞያን ኣውፊሮም ንባዕሎም

ረቢሖም ንህዝቦም ከርብሑ ሓርኮትኮት ዝበሉ ዝርካቦም ሃገራውያን ሰብ ሃብቲ ንብረቶም ወሪሱ ኣብ ስደት

ኣስፊሩዎም። ቅንእን ሕስድናን ኢሰያስ በዚ ከየብቀዐ መላእ ኤርትራ ናብ ቤት ማኣሰርቲ ብምቕያር ፣ ንህዝብና ናይ

ኣእምሮ ድኻ፣ ናይ ቁጠባ ድኻ ፣ ብ ኣካልውን ድኹምን ስንኩል ንሕማም ዝተቃልዐን ገይሩዎ ይርከብ።

ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወለዖ ኩሉ መዳያዊ ኩናት ግዝያዊ ዓወት ተዓዊትሉስ ንጎረባብቲ ህዝብና’ውን

ኣረካኺቡሎም ኣሎ። እቶም ዝርካቦም ተሪፎም ዘለው ዕሸላት ኣሕዋትናን ሽማግለታት ወለድናን ኣብ ዘይምልከቶም

ኣብ ኩናት ጠጢቑዎም ኣሎ። እቲ ዘገርም ድማ ነቶም “ ኤርትራ መሬታን ባሕራን እምበር ህዝባ ኣየድልየናን” እናበሉ

ዝጎበጡና እሞ፣ ጀጋኑ ወለድና ኣብ ኩናት ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ወተሃደራት ቀቲሎም ዝተረፉ ዝሰጎጉዎም ሎሚ

ክሕግዝዎም ክትርኢ ከለኻ ኢዩ። “ናይ ኣምሓራ ኤሊት ባሕሪ ይግበኣና ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ናቅፋ'ውን ሓወልቲ

ክንሰርሕ ኢና” እና በሉ፣ እሞ ድማ ዝተፈብረኸ ውጹእ ሓሶት ዝሓዘ፡ ባሕሪ ናብ ኢትዮጵያ ዘእቱ መጻሕፍቲ እና

ኣዳለው፣ ምእንታኦም ዕሸላት ኣሕዋትና ክረግፉ ክትሪኢ ከለኻ ካብዚ ንላዕሊ ዘሕዝን ድንቁርናን ጥፍሽናን የለን።

ብስም ልዑላውነት ምክልኻል ልዑላውነት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑዎ ኣሎ።

ኤርትራ ሃገርና ሎሚ ልክዕ ከምቲ ኣብ 1998 ኤርትራ ተወሪራ ምስተባህለ ውልቃዊ ዕዮኡ ገዲፉ ዝኸተተ ልዕሊ

50ሽሕ ገዲምን ናይ 90 ተጋዳላይ፣ ማዕረ እዚ ዝዳረግ ካብ 1ይ-4ይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ብድድ ኢሉ ዝጎየላ ፡

ሎሚ እዚ ጸጋ እዚ እትረኽቦ ኣይኮነትን። ኤርትራ ሃገርና ልክዕ ከምቲ ኣብ ክልተሽሕ (2000) ዓመተምህረት

ሰራዊት ኢትዮጵያ ባረንቱ-ተሰነይ፣ ሰንዓፈ-ጸሮና ተታሒዘን ምስ ሰምዐ ልዕሊ 100 ሽሕ ተመሃራይ ሃገር ንምድሓን

ናብ ታዕሊም ናብ ጋሕተላይ ዝኸተተ ሎሚ ዝኸትት የብላን።

ልክዕ ኣብ’ዚ ቅንያት እዚ ኣብ 2000 ዓመተምህረት ብሰንከ ሕመቕ መራሕቲ ፡እዝን ቁጽጽርን ሓይልታት ምክልኻል

ተበታቲኹ፣ ሰራዊት ኤርትራ ፋሕፋሕ ኣብ ዝበለሉ፣ ኣሃድኡ ኣናድዩ ኣብ መስርዑ ብምእታው ሃገሩ ዝተኸላኸለ ጅግና

መንእሰይ ኤርትራ፣ ብሰንኪ ምረት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ደቁን ኣሕዋቱን ናይ ባኒ ሲኢኖም ምስ ጸንሕዎ ክሰርሕ

ዘሕለፈን መዓልታት ከም ገበን ተቖጺሩ ብስም “ኮብሊልካ” ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክዳጎን ተገይሩ። እዚ ድማ ብመደብ

ሃገራዊ ስነልቦናኡ ንኽብረዝ፣ ሃገራዊ ዋንነትን ሓላፍነትን ከምዘይስምዖን ሃገሩ ንክጸልእን ዝተሰርሐ ኢዩ። ንልዕሊ ሓደ

ሚልዮን መንእሰይ ኤርትራ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ከምክኖን ከዕንዎን ዝጸንሓሉ ቀንዲ ዕላማ

ድማ ነብሰምትሓት ክስምዖን ብሃገሩን ታሪኹን ንኽሓፍር ኢዩ።

ብመንነቱን ባንደራኡን ዝሓፍር፣ ሃገሩን ታሪኹን ዝጸልእ፣ ናይ ግዳይነት ስነልቦና ዘማዕበል ህዝቢ ልዑላውነት የብሉን።

ልዑላውና ብፕሮፖጋንዳ እምበር ብግብሪስ ኢሰያስ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣውዲቑዎ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ልዑላውነቱ

ክሕሉ ኢሰያስ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከውድቆ ምርብራብ ኮይኑ።

ግዝያዊ ዓወት ናይ ኢሰያስ ዝፈጠሮ ናይ ኤርትራ ውድቀትን ጸልማት እዋን ግን ኣብ ምብቅዑ ኢዩ። ድሮ እካ ኣብ

ቅንያት ናጽነት 2022 ንዕዘቦ ከምዘለና ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሃለውሳ ናይ ምወጻእ ጅማሮ ተንጸባሪቑ ኣሎ። ሓድሕድ

ምውቕቓስ ንረብሓ ኢሰያስ ምኻኑ እናተረድኦ ይመጽእ ኣሎ። ኣብ ደገ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝብና ዘንጸባረቖ ዘሎ ስነ-ልቦና

ካብ ብፕሮፖጋንዳ ረሲሕዎ ዝጸንሐ ደረጃ ናብ ናይ ቀደሙ ልዙብነትን ምስትውዓልን ኣርሒቕካ ምሕሳብን ይምለስ

ኣሎ። ዝተርፍ ፖለቲካዊ ንጽሩነትን ውደባን ኢዩ። ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ናይዚ ምልክት ኢዩ። ናይ 3

ወለዶታት ተቓለስቲ ዘጠቓለለ ዕላማኡ ዘነጸረ፣ ውዳበኡ ኣደልዲሉ ንጥፈታቱ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ኣብ ምስፋሕ

ዝርከብ ዘሎ ውድብ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብዝተወደበ ሓይሊ ኢዩ ዝድሕን። ዓማጺ ስርዓት ብዲሞክራስያዊ

ትካላዊ ስርዓት ክእለ ከሎ ኢዩ ሰላምን ውሕስነትን ዝረጋገጽ። እዞም ብዙሕ እንተ ሸንካ ውን ዝቀንኡ ውዱቃት ኣሊና

ህዝቢ ኤርትራ ልክዕ ከም ናይ 1991 ህዝብና ዝትሓቋቆፈሉ ርሑቅ ኣይኮነን።

ዝኸበርኩምን ዝከበርክንን

ከባቢና ኣዝዩ ተሓሚሱ ካብ ዝዘንብ ዝናብ ዝፈስስ ዘሎ ደም በዚሑሉ ኣብዘሎ እዋን፣ ናይ ነዊሕን ሓጺርን

መፍትሒታት ከምዘድልዩ ርዱእ ኢዩ። ኣብ ስርዓት ህግደፍ ተሰኲዖም ዘለው ማሕበራዊ ፍጮን፡ ኣብ ከባቢና ዘለው

ኤሊት ወይ ድማ ጸለውቲ ሰባትን ካብ ኣናእሽቱ ስልታዊ ረብሓ ወይ በለጽ ካብ ምሕሳብ ሓሊፎም ዓበይትን ነበርትን

ስትራተጂያውያን ረብሓታት ህዝቦምን ህዝብታት ጎረበቶምን ክሓስቡ ዓቕሚ ስለዘይብሎም ኣብ ቀጻሊ ምፍሳስ ደም

ኣውዲቖሙና ኣለው። ዓብን ሃናጽን ስትራተጃያዊ ሓሳብ ዝሓስቡ ካብ ሚሒር ምውሓዶም ብዓያሹን ኣምሰሉታት

በለጸኛታትን ተዓብሊሉ ከባቢና ተስፋኡ ጸልሚቱ ኣሎ። መልእኽተይ እምበኣር ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ ምስ ኩሉ

ወሪዱካ ዘሎ ዕጽዋን ዓፈናን፣ ግፍዕን ዕንወትን ሞትን፣ ገና ስነልቦናኻ ኣብ ንቡር ምህላው ንመጻኢ ኣብ ምሕዳስ

ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት ዓቢ እምነ ኹርናዕ ኢዩ። ንዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ

ብዙሓት ፍጻመታት ተፈጺሞም ኢዮም፣ ገና’ውን ይፍጸሙ ኣለው። ኣብ ዝሃለፈ 24 ዓመታት ጥራይ እንተሪኢና እኳ፣

ኣብ 1998 ኣብ መንጎ ክልቲኦም ስርዓታት ዝተወልዐ ኲናት ኣብ ክልቲኡ ህዝቢ ዓቢ ዕንወት ኣውሪዱ ኢዩ። ሰራዊት

ኤርትራ ንዛላንበሳ ኣብዝተቆጻጸረሉ ነታ ከተማ ብምዕናው እምኒ ከይተረፈ ኣግዒዝዎ። ኣብ 2000 ዓመተ ምሕረት

ሰራዊት ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ዓወት ምስተጎናጸፉ ድማ ዝነበረ ህዝባዊ ትካላት ብምዕናው ኣሽሓት ጥሪት (ብጋይት)

ናይ ሓረስቶት ወሲዶመን። እቲ ካብ ኩሉ ዝገርም ድማ ኣብ ኤርትራ ድኣ ይሃሉ እምበር ናይ ሓባር ቅርሲ ዝኾነ ሓወልቲ

በለው-ከሎው ብTNT ኣውዲቆሞ። እዚ ክትርኢ ከለኻ ማዕረ ክንደይ ናይ ድንቁርና ኲናት ምንባሩ ትሓዝን።

ብዂናትን ዘይተፈትሐ ብሕጊ ዓለም ምስተዳነየ ባድመ ናብ ኤርትራ ተወሲና። እንተኾነ ህልኽ ኣብ ዘለወሉ ሕጊ'ውን

ዝዳነዮ ኣይረክብን። ክልቲኡ ህዝብታት ንሕጊ ዘለዎ ኣኽብሮትን ምእዙዝነትን እና ተፈልጠ ምስ ክብርታት ክልቲኡ

ህዝብታት ዘይኸይድ ፡ ባድመ ምስ ዓቢ ስትራተጂካዊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዘይትኸይድ ምዃና እና ተፈልጠ፡ ኢሰያስ

ብዘይምትሕብባሩ መራሕቲ ኢትዮጵያ ሓንጊዶም። እዚ ንኢሰያስ ናይ ጽልኢ ሕጽቦ ንኸካይድን ንህዝቢ ጂሆ ንኽሕዝን

ዝተመጠወሉ ናይ 20 ዓመታት ዓቢ ጸጋ ኮይኑዎ ኢዩ። ከም ውጺኢቱ ድማ ዓንቢባ ዝነበረት ትግራይ ንኽትዓኑን

ንኽትጽልምትን ዝለዓለ ተራ ተጻዊቱ። ስርዓት ኢሰያስ ክነብር ዘይነበሮ ግን ድማ ብሰንኪ እዞም መሕብኢ ብዓትታት

እዚኦም ዝነብር ዘሎ ስርዓት ኢዩ።

እዚ ኩነተ ኣእምሮ እዚ ክቅየር ኣለዎ።እንቅይሮ ድማ ንሕና ኢና። መንግስቲ ትግራይ ብመኽንያት መዓልቲ ናጽነትና ናብ

ህዝቢ ኤርትራ ዘሕለፎ መልእኽቲ ኣወንታዊ ጅማሮ ኢዩ። ውድቀት ህዝቢ ኤርትራ ውድቀት ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ

ኣብ ቅድሚ ዓይንና ንሪኦ ኣለና። ውድቀት ህዝቢ ትግራይ'ውን ውድቀት ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ

ምስ ወደቀ ኣብ ትግራይ ተዓቁቡ ዝጸንሐ ልዕሊ 80 ሽሕ ህዝብና ኣብ ሓደጋ ወዲቁ ኣሎ። እዚ ቅልል ብዝበለ ስእሊ

ንምርኣይ እምበር እቲ ዕንወት ብዙሕ ኢዩ።

ትግራይ ብምዕናው ኤርትራ ኣይትብልጽግን ኤርትራ ብምዕናው'ውን እንተኾነ ትግራይ ኣይትብልጽግን

ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ኢዩ። ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ድማ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ብኽልቲኡ

ዘሎ ኤሊት ወይ ንቁሓት ዜጋታት ነዚ ክውንነት እዚ ኣሚና ነዊሕ ዝጠመተ ሰናይ ጉርብትና ንምህናጽ ዝሕግዙ ዓበይቲ

ሓሳባት ክንሓስብ ታሪኽ የዘኻኽረና ኣሎ። ክንመሃረሉን ኣብ ተግባር ከነውዕሎን ድማ ይግባእ።

ሰናይ ናይ ምምህሃርን ምዝንጋዕን

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና

ክብርና ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ!

04/06/2022

Comments


Hi! We warmly welcome your valuable opinions in the comment section below! Login

እዋናዊ ጽሑፋት


ታሪኽና እነሐድሰሉ፣ ውድባዊ ባህልና እነዕብየሉ፣ Read more

schedule July 20 2023

መግለጺ ንዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ: Read more

schedule June 20 2023

መሪሕ መትከልና ሃገራዊ ሓሳብ እዩ። Read more

schedule July 30 2023

ኢትዮጵያ ሓደስቲ ሃገራት ንምውላድ ኣብ ሕማም ሕርሲ እትርከብ ዘላ ሃገር። 19 Read more

schedule August 27 2023

መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more

schedule September 07 2023

መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more

schedule September 07 2023