menu

መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ብፈስቲቫል ዝተመኽነየ ናይ ባእስን ዕግርግርን ዝጥነስ ዘሎ ድግስ ጊሰን-ሃገረ ጀርመን


መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ብፈስቲቫል ዝተመኽነየ ናይ ባእስን ዕግርግርን ዝጥነስ ዘሎ ድግስ ጊሰን-ሃገረ ጀርመን


ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡

እዚ ኣብ ከተማ ጊሰን- ሃገረ ጀርመን ኣንጸላልዩ ዘሎ ደበና ባእስን ዕግርግርን: ሃንዳሲኡ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ንኹልና ብሩህ ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ ካብታ ምጭውቲ ሃገርና ቀጥቂጡ ኣውጺኡና ከይኣኸሎ ባዕሉ ደላላይ ባዕሉ ኣብ ኣስመራ ገንዘብ ተቀባላይ ኮይኑ፡ ኣብ ፈቀዶ ምድረበዳን ባሕርን ክንሃልቅን ናውቲ ኣካላትና ክሽየጥን ገይሩ እዩ። እቲ ካብ ብሱል ጥረ ዝወጸ ህዝብና ኣብ ዓድሰብ ኣትዩ ቁሩብ ሰላም ረኺቡ ጉዳይ ትምህርቱን ስራሑን ምስ ሕሉፍ ድሕረባይታኡ ከቢድዎ ላዕልን ታሕትን እናበለ ’ንከሎ ጸላኢ ሰናያት ስርዓት ህግደፍ ራብዓይ ግንባር ድያስፖራ ብምባል፡ እንሆ ብስም ፈስቲቫል ህዝቢ ንህዝቢ ከጨፋጭፍ ኣንቂዱ ኣሎ! እዚ ውጥን እዚ ንህዝብና ናብ ዘይወጾ ዓዘቅቲ ዘእቱን ምስሊ ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮጳ

ንኽፍንፈንን ዝገብር ሓደገኛ ሳዕቤን ስለዘለዎ ህዝቢ ብንቅሓት ክብድሆ ንጽውዕ።

ዝኸበርኩም ኣብ ፈስቲቫል ክትሳተፉ ሓሲብኩም ዘለኹም ኣካል ህዝብና፡

ፈስቲቫላት ኤርትራ ካብ በሎኛ ጀሚሩ ኣብ ኩለን ሃገራት ንልዕሊ 40 ዓመታት ክካየድ ጸኒሑ ኢዩ። ፈስቲቫል ባህልኻ ዓቂብካ ናብ ኣናእሽቱ ደቅኻ ብምውርራስ ደቅኻ ምስ ደቂ ሃገሮም ክላለዩን ብኮሚኒቲ ደረጃ ተሓጋጊዞም ተወዳዳርነቶም ከዕብዩን ዝድገፍ እምበር ዝጽላእ ኣይነበረን ኣይኮነን። እንተኾነ ብዛዕባ ህዝብን ሃገርን ቅንጣብ ሓልዮት ዘይብሎም ካድረታት ህግደፍ፡ ፈስቲቫላት ኤርትራ ንፕሮፖጋንዳን ንህዝቢ መከፋፈልን መመዝመዝን ክጥቀምሉ ጸኒሖም’ዮም። ሕጂ ድማ ካብኡ ብዝኸፍአ ንህዝቢ ኣብ ህልኽ ኣእትዮም ኣብ ናይ መጨረሽታ ዕርበቶም ኣብ ጸሓይ ቀትሪ፡ ኣብ ሰለማውያን ሃገራት ህዝቢ ከጨፋጭፉ ወዲኦሞ ኣለው። ኣብዚ ዘይ ሓላፍነታዊ ዝኾነ ዕድመ: እንተዳኣ ተሳቲፍኩም ካብ ተሓታትነት ኣይተምልጡን። ማይ ሰቲኹም ረጊእኩም ክትሓስቡ ድማ ንጽውዕ።

ዝኸበርካ ተቃላሳይ ህዝብና ብፍላይ ድማ መንእሰያትን ምሁራትን።

ነቲ ደድሕረና እና ስዓበ መርዚ እና ተፍአ ከደንዝዘናን ተስፋ ከቁርጸናን ዝወጠኖ ናይ መናውራን ታህዲድን ግንባሩ ሃደሽደሽ ኣቢልኩሞ ኢኹም ’ሞ፡ ዓወት ንዓኹም ይኹን። ምሉእ ዓወት ንክኸውን ድማ ኣብ መንጎ ምሁራትን መንእሰያትን ምንባብ ክህሉ፡ ከምኡ ድማ ዝያዳ ኣብ ሕጊ ክትጸቅጡ ንጽውዕ። እዚ ምስ ምስ ዝውሃሃድ ገባሪ እከይ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝሓጸረ ኣላሽ ክብል ኢዩ። ክሳራታት ብምውሓድ ኣብ ሓጺር ግዜ ዓወታት ምርባሕ ባህሪ ናይ ዲጂታላዊ መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ክኸውን ዘለና ተስፋ ልዑል ኢዩ።

ዓወታት ደለይቲ ፍትሒ ብውሑድ ክሳራ መታን ክረጋገጽ ኩለን ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ኣብ ጎድኒ ሓይሊ ዕማም ደለይቲ ፍትሒ ጀርመን ክንስለፍ ንጽውዕ።

ክብርና ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ!

ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን

6 ሓምለ 2023

Comments


Hi! We warmly welcome your valuable opinions in the comment section below! Login

እዋናዊ ጽሑፋት


መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ብፈስቲቫል ዝተመኽነየ ናይ ባእስን Read more

schedule July 19 2023

24 ጉንበት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ታሪኽ ዘንጸፈት ዕለት ኢያ። Read more

schedule July 20 2023

(OEU) statement on the Current Armed Conflict goin Read more

schedule July 20 2023

ጋዜጣዊ መግለጺ ማእከላይ ባይቶ ው.ሓ.ኤ Read more

schedule July 20 2023

ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ!! Read more

schedule July 21 2023

መግለጺ ❼ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን Read more

schedule August 29 2023