About Us
ንሕና መን ኢና
ንሕና ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኢና። ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ውጺኢት ውህደት ሰለስተ ውድባት ማለት 1, ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፣ 2, ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ፣ 3, ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ኢዩ። ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ 2021 ወርሒ ሕዳር ካብ ዕለት 12-16 መስራቲ ጉባኤኡ ብምቅናዕ ንጹር ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ሕገህንጻን ብምጽዳቕ 21 መሪሕነት ማእከላይ ባይቶ ምስ 4 ተጠባበቕትን ካብ ውሽጢ ባይቶ ድማ 9 ኣባላት ፈጻሚትን ኣቒሙ። ኣብ ግዜኡ ድማ ብ ኣዋጅ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዕላዊ ገይሩ። ድሕሪ’ዚ ዕውት ጉባኤ’ዚ ውህደቱ ብምዕቃብ ካልኦት ናይ መንእሰያት ምንቅስቓሳት ብምውሳኽ ዝግስግስ ዘሎ ውድብ ኢዩ።
ዘለዎ ዝርገሐ ኣብ መላእ ዓለም ኮይኑ ካብ ኣወስትራልያ ክሳብ ኤስያ ፣ ካብ ኤውሮጳ ክሳብ ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን፣ ከሙ’ውን ኣብ ውሽጢ ሃገርናን ከባቢናን ማለት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝርጋሐ ዘለዎ ኢዩ።
ቀንዲ ዕላማ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን
1. ራእይ
1. ፍረ መሪር ቃልስን ከቢድ መስዋእትን ዝዀነት ኤርትራ፣ ልዑላውነትን ወሳንነትን ህዝባ መሰረት ዝገበረት፣ ፍትሕን ስርዓተ ሕግን ዝነገሳ፣ ብዙሕነትን ክብርን ህዝባ ዘዕቆበት፣ መላእ ህዝብን ዜጋታትን ናብ ራህዋን ስሉጥ ምዕባለን ሰላምን ስኒትን ዝሰፈና፣ ንዅሉ መሰረታዊ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ፡ ፖለቲካውን ሲቪላውን፣ ቊጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ሓርነታትን፡ ኣሳታፊ ደሞክራስያዊ መሰላትን ብሕታዊ ቁጠባዊ ዋንነትን ዘውሓሰት፣ ሙሉእ ናይ ሃይማኖትን እምነትን ዘረጋገጸት፣ ዘይምእኩል ምሕደራ ብኣብዝሓ-ሰልፍታት ዝልለ ነንሕድሕዱ ዝቆጻጸር ሓጋጊ፡ ፈጻሚ፡ ፈራዲ ስርዓተ-መንግስቲ ዘረጋገጸት ሃገረ-ኤርትራ ንምህናጽ ምምራሽ እዩ።
1. 2. ተልእኾ (Mission)
1. ህዝቢን ሃገርን ንምድሓን፣ ብሓባር፣ ንገባቲ ስርዓት ህግደፍን ኣተሓሳስብኡን ምልጋስ እዩ።
1.3. ዕላማ (Purpose)
1. ህዝብና ኣብ ሓደ ናይ ቃልሲ ኣንፈት ክዓስልን ዓወቱ ክቀላጠፍን ክኽእል ፋሕ ዝበለ ኣተሃላልዋ ተቓለስቲ ሓይልታት ኣብ ሓደ ብምጥርናፍ፣ ነቲ መሰረታዊ መንቀሊኡ ጸረ-ዲሞክራሲ፣ ጸረ-ልምዓት፣ ጸረ-ምዕባለን ጸረ- ውሁድ ቀጻልነትን ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍን ኣዕናዊ ኣተሓሳስብኡን ኩሎም ናይ ጭቆና መሓውራቱን ምውጋድ፣
2. ኩሎም ሃገራዊ ልዑላውነት ዘረጋግጹ ረቛሒታት ኣማሊኣ ልኡላውነታ ዘረጋገጸት ሃገረ-ኤርትራ ምርግጋጽ፣
3. ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ክሊ ብዙሕነታዊ ክውንነቱ ንምሕላውን ንሓባራዊ ሰላማዊ መነባብሮ ጥዑይ ሃዋሁው ንምፍጣርን ምዕያይ። ባህሊ ዘተን ስልጡን ኣፈታትሓ ካልኣዊ ግርጭታትን ንምምዕባል ምቅላስ፣
4. ኣብ ብዙሕነት ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝተሰረተ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዝትከለሉ፡ ጥጡሕ ባይታ ንምፍጣር ምቅላስ፣
1.4. ኣጋባባት ቃልሲ
1.ንገባት ስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕ ዝዓለመ ኩሉ ዓይነት ኣገባባት ቃልሲ ምጥቃም፣
2. ኣብ መንጎ ናይ ለውጢ ሓይልታት ኤርትራ ንዝኽሰት ፍልልያትን ግርጭታትን ንምፍታሕ መርሆ ዘተን ልዝብን ምጥቃም፣
3. ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣህጉራዊ መገባእያታት ምቅላዕ፣ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ኣብ ሰለስተ መድረኻት ከፋፊልካ ክርአ ይካል። ናይ ቃልሲ መድረኽ፡ መሰጋገሪ መድረኽ፡ መዋእለ-ዲሞክራሲ ተባሂሎም ይከፋፈል። ኣብ ዘለናዮ ቀዳማይ መድረኽ፣ ንህሉው ዘቤታውን ከባብያዊ ጂኦ-ፖለቲካዊ ዓለማውን ኩነታትን ብምጽናዕ፣ ማእከላይ ባይቶ ነዚ ኹነታት ዝምጥን ስትራተጂ ሓንጺጹ ኣብ ንጡፍ ናይ ቃልሲ መድረኽ ይርከብ። ስለዝኾነ ድማ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ንኹሉ ሓላፍነታዊ ዜጋ፣ ሃገርና ካብ’ዚ ኣትዮቶ ዘላ ናይ ጥፍኣት ቁልቁለት ንምድሓን ኣብ መሳርዕ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ተሰሊፉ ሃገሩን ህዝቡን ከድሕን ንጽውዕ።
ክብርና ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ!
ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ውሓኤ